ዕድመ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከምቲ ቁጽሩ ኣይኮነን። ብቑጽሪ ሓደ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ግን እቲ ጾታ ናይ ባዕሉ መግለጺ ስለ ዘለዎ በቲ ዘለዎ ኣይኮነን ዝውሰድ። ንኣብነት ደቂ ኣንስትዮ ይኹኑ ደቂ ተባዕትዮ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ብሓደ ዓይኒ ኣይረኣዩን’ዮም። ካብዛ ዕድመ ጀሚርካ ክልቲኦም መንእሰያት ተባሂሎም ከም ዝጽውዑ ኩልና ንፈልጥ ኢና፡ እንተ ዀነ ግን ዕድመ እናወሰኹ ብዝከዱሉ መጠን፡ ኣብ ዓይኒ ሰባትን ሕጊ ተፈጥሮን ይፈላለዩ እዮም። ካብዛ ዕድመ ጀሚረን ክሳብ ኣርብዓታት ዘሎ ግዜ፡ ኣዋልድ ናይ ጸባ ዕድመ እየን ዘሕልፋ፡ ኣወዳት ከኣ ናይ ወይኒ ዕድመ እዮም ዘሕልፉ። ብኸመይ፧ ብኸመይ ዝብል ለባም:
ደቂ ኣንስትዮ ካብ 18-25 ዓመት እንተ ዀይነን ንኽምርዓዋ ዘሎ ተኽእሎ፡ ካብ 70% ንላዕሊ እዩ። ከይተመርዓዋ ካብ 26 ዓመት ክሳብ 30 ዘሎ ዕድመ እንተ ጸኒሐን ከኣ፡ እቲ ተኽእሎ ናይ ምምርዓው ካብ 50% ንታሕቲ እዩ። ጓል ኣንስተይቲ ካብ 30 ዓመት ንላዕሊ እንተጌራ፡ ትሕቲ 30% ዕድል ናይ ምምርዓው እዩ ዘለዋ። እዚ ብሰፊሑ መጽናዕቲ ተገይሩሉ ዝተረጋገጸን፡ ብንቡር ንዝሓስብ ሰብ ከኣ ዘይጠፍኦ ንጹር ሓሳብ እዩ።
ናብ ደቂ ተባዕትዮ ምስ እንመጽእ፡ ትሕቲ 25 ዓመት ዝዕድሜኦም ኣወዳት ንኽምርዓዉ ዘለዎም ተኽእሎ፡ ትሕቲ 30% እዩ። እዚ ዝኾነ ምኽንያት፡ ደቂ ኣንስትዮ ንመርዓ ዝኾነን ወዲ ተባዕታይ ክመርጻ እንከለዋ፡ ብተመኲሮ ናይ ህይወት ቁሩብ ዝጸገበ ክኾነለን ስለ ዝደልያ እዩ። ሓደ ንኽምርዖ ድሉው እየ ኢሉ ንዝሓስብ ወዲ፡ ትሕቲ 25 ዓመት ዕድመ እንተ ዀይኑ ግን ናይ ቆልዓ ባህርይ ከርእይ ስለ ዝኽእል ዝበዝሓ ኣዋልድ ኣይመርጽኦን እየን። ካብ 26-30 ዘሎ ዕድመ ኸኣ፡ ልዕሊ 50% ናይ ምምርዓው ተኽእሎ ኣለዎ። ካብዚ ሓሊፉ ዕድሜኡ ልዕሊ 30 ዓመት እንተ ዀይኑ ግን ልዕሊ 70% ዕድል ናይ ምምርዓው ኣለዎ።
ስለዚ ደቂ ኣንስትዮ ዝምርዓዋሉ ግዜን ደቂ ተባዕትዮ ዝምርዓዉሉ ግዜን ፈጺሙ ዘይራኸብ ክልተ ጫፋት እዩ። እቲ ሕቶ እዚ’ዩ፡ መዓስ’ዩ፡ እዚ ቅማረ’ዚ ንኣዋልድና ክርድአን፧ እቲ ዝበለጸ ዕድሜአን ወዲ ዝበሃል ከይረኣየኒ እናበላ እየን ዘሕልፍኦ። እዚ ዕድመ’ዚ ትሕቲ 25 ዓመት’ዩ። ካብ 26 ዓመት ክሳብ 30 ዘሎ ኸኣ፡ ደሓን ዝኾነ መጻንሒ ዝኾነኒ ክሕዝ እናበላ ነቲ ተማህሊለን ዘይመልስኦ ዕድሚአን ክበልዖኦ ይረኣያ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነታ ኩለን ኣዋልድ ዝፈሓኣ ቁጽሪ 30 ምስ በጽሓኣ ዝኾነ ይኹን ወዲ ጥራይ ይኹን፡ እንተ ሓቲትኒ ሕራይ ክብሎ እየ ኣብ ምባል ይበጽሓ። ስለምንታይ፧
Tebarek