You are currently viewing 0006 ልዕሊ ኩሉ ትስራዕ፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቱ ዝደልያ…

0006 ልዕሊ ኩሉ ትስራዕ፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቱ ዝደልያ…

ሓደ ግዜ ክልተ መጻምዲ ከምዚ ኢሎም ክዘራረቡ ሰሚዐ: ሰበይቱ ንሰብኣያ ብነድርን ብብርቱዕ ድምጽን፡ “ስለምንታይ ኢኻ ግን ናብኣ ትኸይድ ዘለኻ፧ ንሳ ካባይ ትጽብቕ ድያ ኰይና፧ ካባይ ዝሓሸ ቅርጺ ስለ ዘለዋ ድያ፧ ወይስ ካባይ ንላዕሊ ትምህርቲ ኣለዋ ኰይና እያ፧ ወረግ ንሳ ድያ ደቅኻ ትከባኸበልካ ዘላ፧ ንሳ ድያ ገዛኻ ትኣልየልካ ዘላ፧ ንገረኒ፧” ትብሎ። ሰብኣይ ከኣ ስቕ ኢሉ ክሰምዓ ጸኒሑ፡ ብልዙብ ቃላት፡ “ንሳ፡ ናይ ሰብኣይ ክብሪ ስለ ትፈልጥ፡ ኣፍ ኣፈይ ኣይትምልሰለይን’ያ። ብዝኸውንን ዘይከውንን ኣይተጨንቐንን’ያ። ከማኺ ክኣቱ ክወጽእ እናጨቕጨቐት ኣእምሮይ ኣይትርብሽን’ያ፡ ካብ ዝኣቱ ክሳብ ዝወጽእ ሙሉእ ዕረፍቲ ክህልወኒ እያ ትጽዕር፡ ዘይከማኺ ንሳ ብኹሉ’ያ ትእዘዘኒ፡ ናተይ ሓሳብ ኣኽቢራ’ያ ሓሳባ ተካፍለኒ። ብዙሕ’ዩ፡ ሕጂ ዘርዚረልኪ’ሞ እንታይ ክኾነኪ’ዩ፧” ይብላ’ሞ እቲ ሰበይቲ ንሰብኣይ ክትገብረሉ ዘለዋ ዘይኮነ ክትርደኣሉ ዘለዋ ክፋል ህይወት እንታይ’ዩ፧ ኢለ ክሓስብ ጌሩኒ።

ሰብ ሓዳር ኣንስቲ ኣሕዋተይ ንሰብኡትክን፡ እንተ ኣፍቂርክንኦም ዘይኮነስ እንተኣኽቢርክንኦም እዩ ከምቲ ዝግባእ ምሳኽን ዝነብሩ። ንሰብኣይ ፍቕሪ ክንድቲ ኣክብሮት ኣየገድሶን እዩ። ንሰብኣይ ፍቕሪ ክስራሕ ዝኽእል ስለ ዝኾነ ቅድሚ ኣኽብሮት ኣይሰርዖን እዩ። ተኽብርኦም እንተ ዀንክን ጥራይ እዩ፡ ኣባኽን ዘለዎም ኣድህቦ ዘርእዩኽን። በቲ ሰብኡትክን ንግዜኡ ዝደልዩዎ ገይርክን ልቦም ክትረኽባ ኢልክን ትፍትና እንተሊኽን ኣይትረብሕኦምን ኢኽን። ካብቲ ኣብ ገዛ ዝደልዮ ንላዕሊ ዝሰርዖ ነገር ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ ደገ እቲ ንሰብኣይ ዝወሃብ ኣኽብሮት ይበሃል። ምናልባት ኣብ ገዛ ብዘድልዮም ዘበለ ኣገልግሎት ትመልኣ ትኾና ኢኽን። እዚ ግን ኣብ ሰብኣይ ንግዜኡ እዩ ዝሰርሕ እምበር፡ እቲ ንሓዋሩ ምሳኽን ክነብር ዝወሰነ ሰብኣይ፡ ‘ግቡእና ንገብር ኣለና’ሞ፡ ናይቲ ንገብሮ ዘለና ኣምሳያ መሰልና’ዩ’ ኢሎም ስለ ዝሓስቡ ኣይንታዮምን’ዩ። እዚ ኹሉ እናገበርክን፡ ከም ሰብኡት ዘይተኽብርኦም እንተ ዀንክን፡ እቲ ኣብ ኢድክን ክቐውም ኢልክን ትጽዕርኦ ኩሉ ከንቱ እዩ።

ከም ቈልዓ ትገንሕኦምን ተጉባዕብዓሎምን እንተ ዀንክን፡ ወይ ኣዘራርባኽን ከም ንሓደ ባርያኽን ትዛረብኦም እንተ ዀንክን፡ ኣብ ቅድሚኦም ምጎስክን ሃዲሙ፡ መልክዕክን ተደዊኑን ከም ዝርእዩኽን ኢኽን ትገብራ። ልዕሊ ኹሉ ኸኣ፡ ኣብ ልቡ ጽልኣት ኢኽ ትፈጥራሉ። እዚ ዂሉ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዋላ ብኣካል ምሳኽን ይሃልዉ፡ እቶም ተፍቅራኦም ሰብኡትክን ልቦም ኣሸፊቶም ካልእ መደብ ሰሪዖም ከም ዘለዉ ርግጸኛታት ኩና። ምሳኽን ከም ዘለው ዘምስሎም ብዙሕ ምንቅስቓሳት ክትርእያሎም ትኽእላ ኢኽን፡ ግን ኩሉ ሓሶት’ዩ። ናይ ሓሶት ፍሽኽታ፡ ናይ ሓሶት ቃላትን ናይ ሓሶት ህልውናን’ዩ።

ሰብኡት ከም ኣንስቲ ኣይኮኑን። ፍቕሪ፡ ንዕኦም እኹል ኣይኮነን። ንሰበይቲ ፍቕሪ እኹል ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ንሰብኣይ ግን እኹል ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቀዳምነት ዝስራዕውን ኣይኮነን። ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ዝደልዮ ቀዳማይ ነገር ኣኽብሮትን ኣኽብሮትን ጥራይ እዩ። “ኣብ ኣእምሮ ሰብኣይ ተኽብሮ ሰበይቲ እያ ተፍቅሮ!” ስለዚ ኩሉ የድልዮም እዩ እናበልክን ኣብ ገዛ ትሃልክኦ፡ ሰብኡትክን የኽብርዎ እዮም፡ ምሳኽን ክድቅሱ እንከለዉውን ከምኡ ዘይጎድሎም ክኸውን ይኽእል’ዩ። ትደፍርኦምን ትንዕቅኦምን ከም ሰብኡት ዘይተኽብርኦም እንተ ዀንክን ግን ኩሉ ከንቱ እዩ። ንሰብኣይ፡ ኣፋ እዱብ፡ እንታይ ኢላ ምስ ሰብኣይ ክትዛረብ ኣለዋ ትፈልጥ ሰበይቲ እያ ሰበይቲ።

ኣዝዩ ክቡር፡ ኣዝዩ ወረጃ፡ እዚ ሰብኣይ ክጋገ ዘለዎ ተኽእሎ ጸቢብ’ዩ እናበልኩሞ፡ ተጋግዩ ስሙ ኣብ መዝገብ ዝሙት ተመዝጊቡ እንተ ርኢኹሞ፡ እዚ ሰብኣይ እቲ ካብ ሰበይቱ ክረኽቦ ዘልዎ ኣኽብሮት ደኣምበር፡ ካብ ሰበይቱ ክረኽቦ ዘለዎ ጥዑም ጾታዊ ወሲብ ስኢኑ ኣይኮነን። ስለዚ ኣሕዋተይ ኣንስቲ ሓደ ምኽሪ ክሓድገልክን፡ “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ፡ ብቓልክን ኣይትስሓታ፡ ብቕዓት ሰበይቲ ኣብዚ እዩ ዘሎ። ፈረስ እኳ ክሳዕ ክንድቲ ሓያል ክነሱ፡ ንብዘሎ እቲ ሓያል ስጋኦም ብንእሽቶ ልጓም ኢና ነቕንዖም። መራኽብውን ከምኡ ኣዝየን ዓበይትን ብብርቱዕ ንፋስ ዝድፍኣን ክነሰን፡ ናብቲ ፍቓድ መራሒአን ብንእሽቶ ስካን እየን ዝቃንዓ። ከምቲ ንእሽቶ ሓዊ ዓቢ ዱር ተንድዶ፡ ከምኡ ድማ ልሳን ንእሽቶ ኣካል ክነሳ፡ ኣብ ውሽጢ ኣፍ ኰይና ዓብዪ ነገር ተዕኑ። ልሳን ኣብ ማእከል ኣካላትክን ሰፊራ ንብዘሎ ሓዳርክን ከይተንድዶ ተጠንቀቓ።” (ያእ 3፡2-6) እዚ ካብ ኣእምሮኽን ስለ ዝብገስ፡ ሓሳብክን ተቖጻጺርክን፡ ቃላትክን ገቲእክን፡ ኣፍክን ናብቲ ንሰብኣይ ዘኽብር ዘበለ ኣማእዚንክን ሓዳርክን ከተመቅራ ናይ ሎሚ ምኽረይ የሕልፍ። ሰላም!

Leave a Reply