ፍቕሪ፡ ኣብ ሰብ ዝተገጥመ ተፈጥሮኣዊ ባህሪ እዩ። ብዘይ እዛ እትዓዪ ፍቕሪ ከኣ፡ ሓዳር ኣይጸንዕን እዩ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣምላኻዊትን ሰማያዊትን ኰይና፡ ዝኾነ ቅድመ ኲነት ዘይትሓትት እያ። ኣብ ሰብ ሓዳር ዘሎ ፍቕሪ ኸኣ እዛ ቅድመ ኲነት ዘይትሓትት ፍቕሪ ዝመሰረታ እትዓዪን ጾታዊትን ኰይና ትግለጽ። መበገሲኣ እዚ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ክህልዋ ዘለወን ጥቡቕ ምሕዝነትን ሓድሕዳዊ እሙንነትን ከኣ መኻይዳ እየን። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሓደ ካብ ጽሑፋቱ፡ “ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ግናኸ ኲሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ኺመልከኒ ኣይሐድጎን እየ።” ኢሉ ኣሎ። (1ቈረ 6፡12) ሓደ ካብቶም ዝተፈቕዱሉ፡ ኣብ ስጋኡን ስምዒቱን ዝለገበ ክመልኮ ዝኽእል ኸኣ፡ ‘ጾታዊ ርክብ’ እዩ። ጾታዊ ርክብ፡ ጥዑም ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ስምዒትካ ከም ዘይትገትእ ገይሩ፡ ጣዕሙ ፈጺምካ ከም ዘይትረኽቦ ክገብረካ ግን ከተፍቅደሉ የብልካን።
ጾታዊ ርክብ ፈጺሙ ኣብ ሓዳር ጥራይ ክፍጸም ዝተፈጥረን፡ ካብ ሓዳር ወጻኢ (ብዘይግባእ) እንተ ተጠቒምካሉ ግን፡ ጣዕሙ ፈጺምካ ዘይትረኽቦን ስርቂ እዩ። ትሰርቕ ከም ዘለኻ ኸኣ ሕልናኻ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዝነግረካ። ስርቂ ምዃኑ እናተፈለጠካን እናተወቐስካን ውሽጥኻ ሕማቕ እናተሰመዓካን ኢኻ ትፍጽሞ።
ብሓጺሩ፡ ካብ ሓዳር ወጻኢ ዝግበር ጾታዊ ርክብ፡ ንእሽቶውን ትኹን ሓጎስ ዘይብሉ ‘ዝሙት’ እዩ ዝበሃል። ዝሙት ሓዳር ከለካ ናብ ካልእ ሰበይቲ ምእታው ወይ ምስ ዘይሰበይትኻ ምድቃስ እዩ። ዝሙት፡ ሓዳርካ በቲኑ ህይወትካ ክትከስር ዝገብር ክፉእ ግብሪ እዩ። ነዚ ዘይተረደኦም፡ ኣብ ህይወቶም ዘጋጥም ውድቀትን ክሳራን ካብቲ ፍኑው ጾታዊ ርክብ ከም ዝመጽእ ዘይፈልጡ ብዙሓት ሰብኡት ኣለዉ። እታ ካብ ሓዳሮም ወጻኢ ዝረኽብዋ ሰበይቲ ክፉእ መንፈስ ነዚሓትሎም ከም ትኸይድ ኣይፈልጡን እዮም። ወይ ከኣ እናፈለጡ እቲ ስምዒቶም ስለ ዝሽፍኖም ስቕ ኢሎም ክዝምዉ ዝህንደዱ እዮም። እታ ዝራኸብዋ ሰበይቲ፡ ብኣጋንንቲ ዝተመርሐት ኣብ መንጎ ኣስላፋ መርዚ ዝቐርቀረት፡ ንውድቀቶም ዝተላእከት እያ። እተን ዝበዝሓ ከምዚ ዝበላ ንዝሙትን ምንዝርናን ዝተዋፈራ ኣንስቲ፡ ንህይወቶም ኣበላሽየን፡ ንራኢታቶም በሊዐን ዘርሞ ዘርሞ ከትርፋኦም እየን ካብ ጸልማት ዝለኣኻ።
ነዚ ጽሑፍ ተንብብ ዘለኻ ሰብኣይ እንተ ዀንካ እዚ ኣስተውዕል። ሓደ ሰብኣይ ስቕ ኢሉ ናብ ዝሙት ኣይኣቱን እዩ። መበገሲ ኣለዎ፡ መገዲውን ኣለዎ። ንኣብነት፡ ኮነ ኢልካ ኣብ ቤትካ ክፍታሕ ኣይክእልን እዩ ዝበልካዮ ጽልኢ ክትቅስቅስ እንተ ጀሚርካ፡ ብጎኒ ካልእ ሰበይቲ ጠሚትካ ከም ዘለኻን ናብቲ ዝለዓለ ደረጃ ዝሙት በጺሕካ ከም ዘለኻን ዓብዪ ምልክት እዩ። ብድሕሪኡ ሰበይትካ ክትሰምዖ ዘይትደልዮ ብፍላይ ኣብ ጾታዊ ርክብ ዘተኮረ ቀልድታትን ዕላላትን ምስ ካልእ ሰበይቲ ከተዕልል ትጅምር፡ ሰበይትኻ ክትርእዮ ዘይትደልዮ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ካብ ሞባይልካ ክትድምስስ ትጅምር፡ ካብኡ ሓሊፍካውን ሰበይትኻ ከይፈለጠት ንኻልእ ሰበይቲ ዝደለየቶ፡ ክትገብረላ ትጅምር። ሰበይትኻ ምሳኻ ኣብ ትህልወሉ ግዜ፡ ካብ ኣንጻር ጾታ ምስ ዝድወለካ ንኽትቅበላ ዘይትደፍር ትኸውን። ምስ ኣንጻር ጾታ እናተዘራረብካ ሰበይትኻ እንተ ርእያትካ ሸበድበድ ትብል። ቀጺልካ ጥበብ ኢልካ ዝሓሰብካዮ፡ ኣብ ሞባይልካ፡ ሰበይትኻ ከይትፈልጦ ኢልካ፡ ናይ ሰበይቲ ሽም ብናይ ሰብኣይ ሽም ክትጽሕፍ ትጅምር። ምስ ካልእ ሰበይቲ ከለኻ፡ ሰበይትኻ፡ ‘ኣበይ ኣለኻ?’ ኢላ እንተ ሓቲታትካ፡ ቦታ ዘለኻዮ ኣጋጊኻ ክትነግራ ትጅምር። ኣብ ስቱር (ብዙሕ ሰብ ኣብ ዘይርከቦ) ቦታታት ምስ ዘይሰበይትኻ ብተደጋጋሚ ክትራኸብ ትጅምርን ትፈልጦ ሰብ እንተ መጺኡካ ሸበድበድ ትብልን፡ ወዘተ።
እዚ ምልክታት ኣብ ህይወትካ ትርኢ እንተሊኻ ድሮ እቲ ዝሙት ዝበሃል ሓዳርካ ክብትትን ዝኽእል ከቢድ ሓጢኣት ኣቲኻዮ ኣለኻ ማለት እዩ። (ማቴ 5፡32) ብድሕሪ’ዚ እዚ ኹፉእ ሓጢኣት ናይ ምትዕሽሻው ባህሪ ስለ ዘለዎ ነቲ ሕልናኻ ዝወቅስ ጽዩፍ ተግባር እናለመድካዮ ኢኻ ትኸይድ። እቲ ተሓቢእካ ትገብሮ ዝነበርካ ትዕቢትን ካብ ኣምላኽ ዘርሕቕ ተሪርን ዘይኣምንን ልቢ ክህልወካ ስለ ዝገብር፡ ዋላ ብጋህዲ፡ ‘ኣበይ ከይትበጽሕ እያ፡’ ካብ ዝብል ድፍረት ተበጊስካ፡ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ኩሉ ኣብ ቅድሚ ሰበይትኻ ክትገብሮ ትጅምር።
እንታይ ገደሰካ ባዕልኻ ሓዳርካን ህይወትካን ሕውስውስ ተብሎ፧ ነታ ምሳኻ ክትነብር ኢላ መዋእላ ንዓኻ ዝወፈየት ምርድዳእ ኣይሕሸካን፧ ኣይትተዓሾ፡ ሰብኣይ ዝሙት ኢሉ ክሓስብ እንከሎ፡ ሓጢኣት ምዃኑ እናተረደኦ እዩ ዝሓስቦ። ኣብዛ እዋን ሓንቲ ኣማራጺት ኣላ፡ ንሳ ኸኣ ኣዒንትኻ ዘተኲራሉ ዘለዋ ዝሙት ሓዲግካ፡ ኣተኲሮኻ ናብቲ ንሓዋሩ ብሰላምን ዕረፍትን ክትነብረሉ ዘኽእለካ ሓዳርካ ምግባር እዩ። ጠንቂ ናብ ከምዚ ዝበለ ክፉእ ተግባር ዘብጽሕ ብዙሕ እኳ እንተ ዀነ፡ ሰብኣይ ግን ንኹሎም ጠንቅታት ኣልዩ እዩ ሓዳሩ ዝዕቅብ። ሰላም!