ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዝማሪኖ ናይቶም ኣብ ዘዘመኖም ኣዝማሪኖ ተባሂሎም ዝተሰምዩ ሰባት ባህርያት እዩ ዝገልጾ ደኣምበር፡ ብስም ኣብ ኣስመራ እዩ ተወሊዱ ኢልካ ኣዝማሪኖ ዝጽዋዕ ሰብ የለን። ናይ ሎሚ ናይ ኣዝማሪኖ መንነት እምበኣር እዚ ዝስዕብ እዩ።
- ጽሬት ኣስመራ ዘገድሶ፡ ሶፍት፡ ማስቲካ፡ ጎማ፡ ወረቐት ወዘተ ጓሓፍ ዘበለ ኣብ ቦታ መጒሓፊ ደኣ’ምበር ኣብ መሬት ዘይድርቢ፡ ኣዝዩ ጽፉፍን በተን ነስመራ ዘጽርያ ኣዴታት ዝግደስን ዝድንግጽን ዝድግፈንን ሰብ እዩ።
- ኣስመራ እቲ ዝዓበየ ትሕዝቶኣ ሰባ እዩ ኢሉ ዝኣምን፡ ኣብ ሕብረትን ሓድነትን ምትሕግጋዝን ምትሕቑቛፍን ዝኣምንን ዝገብሮን፡ ዝኾነ ሰብ ከይከስር ኣዝዩ ዝጥንቀቕን፡ ኣብ ሓባራዊ ዓወት ዝኣምን፡ ሓደ ካልእ እንተ ተዓወተ ኸኣ ዝሕጎስን ሰብ እዩ።
- ኣዝማሪኖ ማለት፡ ክብሪ ባህልን ልምድታትን ሕብረተ ሰብ ዝፈልጥን ዘኽብርን እዩ። ኣብ ምፍልላይ፡ ብፍላይ ብሃይማኖታውን ብዓሌትን ብሄርን ፈጺሙ ክፈላለ ክሳብ ዘይክእል ስጡም ፍቕሪ መስሪቱ ፍልልያቱ ጽባቔኡ ምዃኑ ኣሚኑ፡ ኩሉ ብሓድነት ኣብ ሓደ ዕዮ ዝርከብ እዩ።
- ኣዝማሪኖ ደፋር ኣይኮነን። ኣብ በቦትኦም ናይ ሰብ መዓርግ፡ ከም ዶክተር፡ ወተሃደር፡ ፖሊስ፡ መምህር፡ ወዘተ፡ ክብሪ ዝርዳእ ሰብ እዩ። ዓበይቲ ዘኽብር፡ ኣዝማድን ኣዕሩኽን ዘኽብር፡ ተቐባል ጋሻ፡ ካብ ዓራት ወሪዱ ኣብ መሬት ደቂሱ፡ ንጋሻ ኣብ ዓራት ዘደቅስ፡ ‘ብዓል ሓደ መዓልቲ ኣይተዓዘብካ፡’ ዝብል መምርሒ ዝኽተል ብልሂ ሰብ እዩ።
- ኣዝማሪኖ፡ ተኻኣኢልካን ተማቒልካን ምንባር ዝለመደን፡ ንሓደ ዝበልካዮ ንኽልተ ይኸውን ዝብል መምርሒ ዝኽተል፡ ካብ ዘለዎ ቆሪሱ ዘማቕልን ለዋህ እዩ።
- ኣዝማሪኖ በ’ስመራ ዝመጾ ዘይፈቱ፡ ኣይኮነንዶ ብዛዕባ ኣስመራስ ብዛዕባ ኣብ ኣስመራ ዝነብር ሰብ እኳ ሕማቕ ዝዛረብ እንተልዩ ዝነድድን ኣሕሊፉ ዘይህብን ብሉጽ ተጣባቒ እዩ።
- ኣከዳድና ኣዝማሪኖ ኣዝዩ ጽፉፍን ንጽባቐ ኣስመራ ዝምጥንን እዩ። ዘመን መጸ ዝወድቕ ዘይኮነ መሪጹ ፋሽኑ ከይወደቐ ነዊሕ ዝጸንሕ፡ ንዕኡ ጥራይ ዘይኮነ ንነኣሽቱ ኣሕዋቱ ዘገልግል ክዳውንቲ እዩ ዘዘውትር። ኣዝማሪኖ ድኻ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ‘ከብድኻ ሓምሊ ምልኣዮ፡ ዝባንካ ወደቦ ይርኣዮ፡’ ዝብል መምርሒ ስለ ዝኽተል፡ ክዳውንቱ ምስታ ዘፍቅራ ከተማ ኣስመራ ዝኸይድ ፍሉይን ጽፉፍን እዩ። ኣዝማሪኖ በከዳድንኡ ነ’ስመራ ከኾርያ ኣይደሊን’ዩ።
- ኣዝማሪኖ፡ እቲ ቀዳማይ ዓርኪ ህይወቱ ኣቡኡ ከም ዝኾነ ኣጥዕዩ ዝፈልጥ ሰብ’ዩ። ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኹሉን ኣቡኡ እዩ ዘኽብር። ኣቡኡ ዘየኽብር መኻይዲ እንተልዩዎ ኸኣ ንዕኡውን ከኽብሮ ስለ ዘይክእል ዓርኩ ኣይገብሮን’ዩ። ነቡኡ እናኽበረ፡ ነዲኡ ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኹሉን ሰሪዑ፡ ከም እንቋቕሖ ዝጥንቀቐላ ብሉጽ ሰብ እዩ።
- ኣዝማሪኖ ኣዝዩ ትሑትን ምቕሉልን እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ኸኣ ዘንጀርብብ ርእሰ ምትእምማን ዘለዎ፡ ኣብ ኩሉ ህይወት ኣስመራ ብርእሰ ተኣማማንነት ሙሉእ ኣፍልጦ ዘለዎ በሊሕ ኣእምሮ እዩ። ትሕትናኡ ምናልባት ንዘይፈልጥዎ ዘይምፍላጥ ክመስል ይኽእል እዩ፡ ንስኻ ንባዕልኻ ኣዝማሪኖ እንተ ዀንካ፡ ኣዝማሪኖ ምዃኑ ምስ ፈለጥካ ስለምንታይ ትሕት ይብል ከም ዘሎ ይርደኣካ’ዩ።
- ካብ ስጋ ምስ ፋራ፡ ምስ ኣዝማሪኖ ጨጎራ ዝበሃል ናይ ኣዝማሪኖ ኣበሃህላ ኣሎ። እዚ ትምክሕቲ ኣይኮነን። ፋራ ማለት ካብ ሃገረሰብ ዝመጸ ሰብ ዘይኮነ፡ ‘ማጓ’ ሓንጎል ማለት ስለ ዝኾነ እዩ። ካብ ፋራ ትረብሖ ነገር ወላሓንቲ የለን። እተን ዝነበራኻ እዩ ዘጉድለልካ። ኣዝማሪኖ ግን እንተ ወሓደ ዕላሉ ጥዑም’ዩ። ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ኣዝዩ ጥበበኛን እዙዝን ፈቓርን ሰማዕን እዩ።
- ኣዝማሪኖ እታ ዝበለጸት ባህሪኡ፡ ንዘይፈልጣ ኣይፈልጣን’የ፡ ንዝፈልጣ ኸኣ ከምቲ ዝግባእ ገይሩ ዝፈልጥ ሰብ እዩ። ወዲ ኣስመራ ይኹን ወዲ ካልእ ዓድታት፡ ንዘይፈልጦ ከም ዝፈልጦ ኰይኑ ክቐርብ ዝፍትን ሰብ ፋራ’ዩ።
- ኣዝማሪኖ ኣይሰርቕን እዩ። ጓል ትኹን ዓበይቲ ይኹኑ፡ ኣብ ዝደለዩዎ ሰዓትን ቦታን ክንቀሳቐሱ ክትርእይ እንከለኻ ኣዝማሪኖ ኣብዚ ጉዳይ ዓቢ ተራ ከም ዘለዎ ይረኣየካ። ምኽንያቱ ኣዝማሪኖ ከተምኡ ይሕልዋ እምበር ብገዛእ ኢዱ ኣይሰርቃን እዩ።
- ኣዝማሪኖ፡ ሕጊ ትራፊክ ዘኽብር፡ እግረኛ እንተ ዀይኑ ከኣ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ክጐዓዝ እንከሎ ኣብቲ ንእግረኛታት ዝተዳለወ፡ ብማርቻፔዲ ዝፍለጥ እዩ ዝጐዓዝ። ጽርግያ ክሳገር እንከሎ ኸኣ መሳገሪ እግረኛታት እዩ ዝጥቀም። ኣብ ዝኾነ ሰዓት ሸናዕ ክብልን ዘይተበከለ ንፋስ እታ ምጭውቲ ከተማኡ ከስተማቕርን ምርኣይ ከኣ ዝተለምደ ነገር እዩ።
- ኣዝማሪኖ፡ ሓቅን ክዉንነትን ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝፈልጥ፡ ዝርእዮም ፊልምታትን ዘንብቦም ልቢወለዳትን ክመምዮም ዘኽእሎ እኹል ብልሂ ዘለዎ ሰብ’ዩ።
- ኣዝማሪኖ፡ ሽምካ ክፈልጠካ ኣየገድሶን’ዩ። ንኹሉ ሰብ ዝኸውን ናይ ባዕሉ መጸውዒ ኣለዎ። ሰሓበይ፡ ዓመይ፡ ሰበይ፡ ሓወይ ናተይ ገለ ካብቶም መጸውዒ ዝጥቀመሎም ክንዲ ስማት እዮም። ኣበይን ንመንን ይጥቀመሎም ከኣ ይፈልጥ’ዩ።
- ኣዝማሪኖ፡ ከም ኩሉ ሰብ ከም ወልፍታትን ካልእን ዝኣመሰሉ ድኻም ክህልዎ ይኽእል’ዩ፡ ግን ዝኾነ ክፍተት ከይትረኽበሉ ፈጺሙ ድኻሙ ኣየርእየካን እዩ።
- ኣዝማሪኖ እታ ዝዓበየት መለልዪቱ፡ ሰብ ከም ሰብ ደኣ እዩ ዘገልግሎን ክፈልጦ ዝደሊን እምበር፡ ብዓሌቱ፡ ብሃይማኖቱ፡ ብደረጃ መነባብርኡ፡ ብሓላፍነቱ፡ ብሃብቱ፡ ብትምህርቱ ኣይፈላልዮን እዩ። እዚ ኸኣ ጥዑይ ኣእምሮ ከም ዝውንን ምልክት እዩ!
- ኣዝማሪኖ፡ ጸገም ሰባት ዝርዳእ፡ ሕሙማትን እሱራትን ዝበጽሕ፡ ሕዙን ዘጸናንዕ፡ ዕሩቕ ዝኸድን ኮታስ ኣብቲ ጸገም ኣትዩ ነቲ ጽጉም ካብ ጸገሙ ከናግፍ ብዓቕሙ ላዕልን ታሕትን ዝብል። ሽግር ዘበለ ኹሉ ምስተፈትሐ ኸኣ ምስቶም ዝሕጎሱ ዝሕጎስ’ዩ።
- ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝዓወለ ነገራት ከገናዝብ ንዝኽእልን ንኹላ ጽብቕቲ ትኹን ሕማቕ ዝፈልጥን መስተውዓልን’ዩ። ንኹሉ ኸኣ ከከም ኩነታቱ፡ ማለት መፍትሒ ንዘድልዮ መፍትሒ ዘናዲ፡ ክስተኻኸል ንዘለዎ ከከም ኣድላይነቱ ከስተኻኽል ዝከኣሎ ዝገብርን’ዩ፡ ወዘተ። ኣዝማሪኖ፡ ካብ ኣስመራ ወጻኢ እንተልዩውን እዚ ባህሪ’ዚ ምስኡ እዩ ዝኸይድ። ብዛዕባ ኣዝማሪኖ ኣብዚ ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን፡ ባዕልኹም ክትምልእዎ ትኽእሉ ካልእ ብዙሕ ጽባቐታት ከም ዝውንን እየ ዝኣምን። ኣዝማሪኖ ምስ ጓል ኣንስተይቲ ዘለዎ ኣቀራርባን ኣኽብሮትን ኣብ ዝቕጽል ከስዕበልኩም’የ፡ ሰላም!