You are currently viewing 0001 ሓዳርን ተራ ኣደን

0001 ሓዳርን ተራ ኣደን

ኣቶ ተወልደ ክድረር ጸኒሑ፡ ከባቢ ሰዓት 8፡00 ምሸት ምስ ኮነ፡ “እሞ… ኣብዛ ባር ብዕድላ ምስቶም ኣዕሩኸይ ኣማስይ ኣቢለ ክመጽእ።” በላ ንበዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ፋና። ንሳ ኸኣ ብሕርቃን፡ “እወ፡ ንሰን ደኣ ብዕድለን እንድየን ዝነብራ፡ ኣነ ደኣ ቅርስስቲ ዕድል’ምበር። ኪድ! ሓናቒኹም ይግበሮ!” በለቶ። ንሱ ኸኣ ነዚ ከምዚ ዝበለ ዘረባ ስለ ዝለመዶ፡ “ኣሜን፡ ኣሜን ኣደይ ጥዑም ኣይወጻ፡ ከምዚ ስለ ዝኾንኪ እኳ ኢና፡ ምሸት ምድሪ ገዛኺ ገዲፍናልኪ ንወጽእ ዘለና።” ኢሉዋ ተበገሰ። ወ/ሮ ፋና፡ “ኪድ፡ ኪድ፡ ዝለመድካዮ ደኣ ሃሊካ’ምበር!” ብምባል፡ ኣሽሙር ዓይነት ዘረባ ወስ ኣበለትሉ። ኣቶ ተወልደ ብውሽጡ፡ “ዎ… ካልእ ከይወሰኽና ክንወጸላ እዛ ጸፋር፡” ኢሉ ወጸ።

ብድሕሪ’ዚ ሚኪያስ ወዳ ይመጽእ። ኣዲኡ ወ/ሮ ፋና ኣብ ክሽነ ኣቑሑ እናሓጸበት ጸንሐቶ’ሞ፡ ብናይ ፍርሂ ኣቀራርባ ናብኣ ገጹ ተጸግዐ። ባእባእ እናበለ፡ “ማማ፡ ከመይ ውዒልኪ፧ ን..ናይ ትምህርቲ ነጥቢ ተነጊርናስ….” ኢሉ ዘረብኡ ከይወደአ፡ “ተነጊርናስ…ሀ፧ በለቶ። ሚኪያስ ከኣ፡ ፍርሂ ውሒጥዎ፡ “ማለት…” ኢሉ ከይወደአ፡ ደጊማ ኮለፈቶ። ግርጭ ኢላ፡ “ማለት፡ ማለት ኣይትበለኒ፡ ክትብሎ ዝደለኻ እንዶ በሎ፡ ተነጊርኩምስ… ሀ” በለቶ። ኣብ ርእሲ ፍርሁ እቲ ብርቱዕ ድምጺ ኣዲኡ ስለ ዘሰንበዶ፡ ከይተረደኦ፡ “ተሪፈ።” ብምባል መርድእ ነገራ። ወ/ሮ ፋና፡ ካብ ወዳ ትጽበዮ ውጽኢት ስለ ዝነበረ፡ ሕርቃና ከም ዘለዎ ኸሎ፡ “ሰነፍ ወዲ ሰነፍ፡ ናይ መን ደኣ ክትወስድ፡ ኪድ ውጻእ!” ኢላ ንስንባዴኡ ስንባደ ወሰኸትሉ’ሞ፡ ከረጋግኣ ኢሉ፡ “ኣቲ ማማ…” ኢሉ ክዛረብ እንተ ፈተነ፡ ሕጂውን ሳልሳይ ግዜ ዘረብኡ ከየቐጸለት፡ “ኪድ ውጻለይ!” ኢላ ብሕርቃን፡ ትሓጽቦ ዝነበረት ብያቲ ምስ ዓፍርኡ ትድርብየሉ። ሚክያስ ኣስሒትዋ፡ ሃዲሙ ካብቲ ክሽነ ይወጽእ። ወ/ሮ ፋና፡ ኣብ ክሽነ በይና ዀይና፡ “ደንቆሮ! ሓደ ካብ ሓደ ዘይሕሹ?!” እናበለት፡ ከተጉረምርም ኣምሰየት።

በታ ምሸት ድሕሪ ሰላሳ ደቓይቕ ኣቢሉ፡ ማክዳ ጓላ መጸት። ሓጺር ጎና፡ ምስ ኩሉ ደረታ ዘርኢ ብራቴሊ ለቢሳ ምስ ረኣየታ ኣብ ርእሲ እቲ ኣቶ ተወልደን ወዳ ሚክያስን ክገብርዋ ዘምሰዩ መሊሱ ኣናደዳ። ማክዳ፡ ናይ ከመይ ኣምሲኺ ዝዓይነቱ ኣዘራርባ ጌራ፡ “ማሚ፧” ኢላታ ንውሽጢ መደቀሲኣ ኣተወት። ወ/ሮ ፋና ትቕብል ኣቢላ፡ “ኣበዴኺ ኣምሲኺ ኣንቲ ስርኤል፧!” በለታ። ማክዳ ጓላ ሓንቲ ከም ዘይበደለት ብናይ ሕጫጨ ኣዘራርባ፡ “ኣንቲ ማማ ሽወያ እባ ህድእ በሊ፡ እንታይ ደኣ ኰንኪ፧” በለታ። ወ/ሮ ፋና መሊሳ ነደደት። “እንታይ ኢኺ ኰንኪ ኸኣ ክትበልኒ፧ ምሳኹም ደኣ እንታይ ዘይከውን፡ ኣበይ ኢኺ ኣምሲኺ ጥራይ ንገርኒ፧” በለታ ጥዑይ መልሲ ትረክብ እናመሰላ። “ኣንቲ ማማ፡ ከምዚኣ ኢለ፡ በዚ ሰዓት ደኣ ላይብረሪ ገለ ክብለኪ ትጽበዪ ኣለኺ፧” በለታ ማክዳ ብድፍረት። ወ/ሮ ፋና ኸኣ ብናይ ምንእኣስ ኣዘራርባ፡ “ላይበሪ ደኣ በየናይ ዕድልኪ ክትረኽብዮ፧ መሃይም። ጓል መን ዲኺ፧ ኣበይ ኣምሲኺ ጥራይ ንገርኒ፡ ኣይተናድድኒ!” ምስ በለታ፡ ዝኾነ ጥዑይ መልሲ ከይረኸበት ከም ዘይትገድፋ ስለ ዝፈለጠት፡ “ምስ መሓዙተይ ፕሮግራም ኔርናስ፡ ኣብኡ እየ ኣምስየ፡” በለታ’ሞ፡ በዚ ተገላገለት። ናይ ወ/ሮ ፋና ምሸት ግን ብኹሎምን ብናይ ባዕላ ቁጡዕ ባህሪን ተደፊኣ ኣምሰየት።

ወ/ሮ ፋና በዚ ናይ ምጭቕጫቕ ባህሪ ኩሉ ሰብ እዩ ዝፈልጣ ነይሩ። ኣብቲ ዝነበርዎ ከባቢ፡ ‘እታ ገንጫር ሰበይቲ ድያ፧’ እናተባህለት እያ ትፍለጥ ነይራ። ንሳን ስድርኣን ከምዚ ኢሎም ዓመታት’ዮም ኣቑጺሮም። በቃ ኩሉ ተወዲእዎም፡ ተስፋ ቖሪጾም፡ ደኺሞምዮም፡ ‘ከም ዘላቶ ምቕባል ይሕሸና፡’ ኢሎም ወሲኖም ምስኣ ዝነብሩ ዝነበሩ። ሓደ መዓልቲ ግን ሃንደበት ብዘይተጸበዩዎ መገዲ ኣብ ወ/ሮ ፋና ፍጹም ለውጢ ትራእየ።

ድሕሪ ነዊሕ እዋን፡ ሓደ ምሸት ኣቶ ተወልደ ክድረር ጸኒሑ ንወ/ሮ ፋና፡ “እሞ ንእሽተይ ስራሕ ስለ ዘላትኒ ምስ በዓል የማነ ዓርከይ ኣማስይ ኣቢለ ክመጽእ’የ።” በላ’ሞ፡ ንሳ ኸኣ፡ “ሕራይ ኣይትደንጒ ኢኻ።” ኢላ ናይ መፋነዊ ሰዓመቶ። ንሱ ኸኣ ባህ እናበሎ፡ “ተረዲአኪ ኣለኹ፡ በብወገንና ስራሕ ስለ ዝወዓልና፡ ግድን ክረኽቦ ስለ ዘለኒ እየ’ምበር ምሳኺ ከምሲ ደስ ምበለኒ፡” በላ። ንሳውን ምቕልልቲ ክትከውን ስለ ዘለዋ እያ’ምበር፡ በቲ ምሸት ስለ ዘይተዋሕጠላ፡ “ኣብቲ ቀዳመ ሰንበት ቀትሪ ዘይትራኸቡ፡ ጸልማትሲ እንታይ ይረኽበኒ ኣይትብልን ኢኻ…” ኢላ ዘረብኣ ከይወድአት፡ ኣቶ ተወልደ፡ “ሕራይ፡ ሓቅኺ ቀትሪ እዩ ጽቡቕ፡ ግን እዛ ጉዳይ ከኣ ህጽጽቲ ስለ ዝኾነት እየ’ምበር፡ ኣይደግማን’የ፡ በላ። “ሕራይ ኣጸቢቕካ ኣይተምሲ፡ ክጽበየካ’የ፡” ኢላ ደጊማ ሓቖፈቶ። ንሱ ኸኣ ሓቚፉ እናሰዓማ፡ “ሕራይ፡ መጻኹ፡” ኢሉዋ ወጸ።

ብድሕሪ’ዚ ሚኪያስ ወዳ ይመጽእ። ኣዲኡ ኣብ ክሽነ ኣቑሑ እናሓጸበት ጸንሐቶ’ሞ፡ “ማሚ ከመይ ኣምሲኺ፡ ዓንተወይ እንድየ ስኢነኪ፡ ኣስቤዛ ክትገዝኢ ወጺኺ መስለኒ።” በላ ኣዲኡ ኸኣ፡ “ኢሂ፧ ደሓን ደኣ ደሊኻኒ ሚኪ ወደይ፧” በለቶ ብምቕሉል ኣዘራርባ። ሚኪያስ፡ “ትምህርቲ እንድየ፡ ቁሩብ ተሃስየ ሕጂ ኸኣ…፡” ኢሉ ዘረብኡ ከይወደአ፡ “እዋእ፡ እንታይ ተሃስየ ማለት፧ ሕጂ ኸኣ…” ኢላ ንሳውን ሕቶኣ ከይወደአት፡ “እወ ተሪፈ፡” በላ። ወ/ሮ ፋና: “ተረዲእኒ… ግን ሚኪ ወደይ፡ ንዓይ ኣይትፍርሃኒ፡ ኣነ ክሕግዘካ ኣይክእልን’የ፡ ኣቦኻ ኸኣ ሙሉእ መዓልቲ ስራሕ ኰይኑ፡ ግን ሓገዝቲ ዲና ክንገብረልካ ወይ ኣብ ቤት ትምህርትኻ ኬድና ኢና ክንዘራረበልካ፡ ዋላ ብኻልእ መገዲ ኢና ጸገምካ ከነመዓራርየልካ፡ ብሓጺሩ፡ ኣብ ምንታይ ምዃኑ ኣጽኒዕና ትነፍዓሉ መገዲ ክንፈጥር ኢና። ኣጆኻ ዝወደይ።” ኢላ ኣተባብዕ ኣቢላ፡ ልቡ ምሰዕረፈትሉ፡ “thank you ማሚ።” ኢሉ ሓቚፉዋ ፍሽኽሽኽ ክብል ጀመረ። ወ/ሮ ፋና ግን በዚ ስለ ዘይዓገበት፡ ዕትብ ኢላ፡ “ስምዓኒ ዝወደይ፡ ተማሂርካ ጽቡቕ ኣምጺእካ ሕማቕ ኣምጺእካ ንዓኻ እዩ። እንተ ነፊዕካ ክትዕወት ኢኻ። እንተ ዘይነፋዕካ ኸኣ ንኣኻ እዩ። ሕጂ ጎቢዝካ ስለ ዝኾንካ ኣብ ምርጫኻ ኢኻ ትነብር። ንሕና ምስ ሓይልና ክሳብ ዝሃለና ንኽትዕወት ዝከኣለና ክንፍትን ኢና፡ ንሕና ምስ ደኸምና ግን ክኸብደካ’ዩ።” በለቶ። ሚኪያስውን ኣይሓመቐን፡ ድኻሙ ኩሉ ድሮ የረዲእዎ ስለ ዝነበረ፡ “ሕራይ፡ ኣነ ኸኣ ዝከኣለኒ ክገብር’የ ማሚትይ።” ኢሉዋ ናብ መደቀሲኡ ከደ።

ድሕሪ ሰላሳ ደቓይቕ ኣቢሉ፡ ማክዳ ጓላ ሓጺር ጎና፡ ምስ ኩሉ ደረታ ዘርኢ ብራቴሊ ለቢሳ፡ መጸት’ሞ፡ “ማሚ ሽኮር ከመይ ኣምሲኺ፧” ኢላታ ናብ መደቀሲኣ ክትሓልፍ ክትብል፡ ወ/ሮ ፋና ትቕብል ኣቢላ፡ “ኣቲ ማኪ ጓለይ! ከምዚ ኢልኪ ደኣ ኣበይ ኣምሲኺ፧” ኢላ ሓተተታ። “እዋእ እዛ ማሚስ፡ በዚ ዕድመስ ኣበይ ኣምሲኺ ይበሃል፧” ኢላ ናይ ጎቢዘ እንድየ ዓይነቱ ተዛረበታ። ወ/ሮ ፋና፡ መልሲ ጓላ ስለ ዘይተዋሕጠላ፡ “ማኪ ጓለይ፡ ኣደ እኳ እየ፡ ሓደ ግዜ ኸኣ በዛ ንስኺ ትሓልፍያ ዘከኺ ዕድመ ሓሊፈ ኔረ እየ፡ መቸም እዚ ኣይትዝንግዕዮን ትኾኒ፧” ኢላ ሓበሬታን ሕቶን ሓዋዊሳ ኣረደኣታ። ማክዳ ግን ስለ ዘይተዋሕጠላ፡ ኣቲ ማሚ፡ ጓል ዕስራ ዓመት እኳ እየ፡ ዘእትወንን ዘውጽኣንን ዝፈልጥ በጽሒ ጓል’የ። እንታይ ደኣ ክንድዚ ጠርጢርክኒ፧” በለታ። ወ/ሮ ፋና ኸኣ ብወገና፡ “ረሲዕክዮ ደኣ ከይትኾኒ እምበር ኣነ ኸኣ ጓል 40 ዓመት እየ።” በለታ። ማክዳ ስለ ዘይተረደኣ፡ “እንታይ ማለትኪ እዩ፧” ኢላ ንኸተብርሃላ ሓተተታ። ወ/ሮ ፋና ግን ንሳ ዝተጋገየቶ ጓላ ክትደግሞ ስለ ዘይደለየት፡ “ስምዕኒ ማኪ ጓለይ፡ ኣብዚ ንስኺ ዘለኽዮ ዕድመ ብዙሕ ርእየን፡ ብዙሕ ተዓዊተን ብዙሕ ከኣ ተጋግየን እየ። እቲ ኣነ ዝተጋገኽዎ ኣባኺ ተደጊሙ ክርእዮ ኣይደሊን’የ።” ኢላ ብዙሕ ካልእ ናይ ንእስነታ ተመኲሮታት ኣቕሰመታ። ማክዳ ኸኣ ጽን ኢላ ክትሰምዕ ጸኒሓ፡ “ተረዲኤኪ፡ ማማየይ ጓል ሹቕ!” ኢላታ ንመደቀሲኣ ክፍሊ ኣተወት’ሞ፡ ክዳና ቀዪራ ነዲኣ ክትሕግዛ ቀልጢፋ ተመልሰት። ናይ ክሽነ ስራሕ ኣብ ምውድአን፡ ኣቶ ተወልደ ስርሑ ፈጺሙ መጺኡ ድምር በለን። ንሚኪያስ ወዶም ጸዊዖም፡ ስድራቤታዊ ፍቕሪ ዝመልኦ ሰሓቕን ጸወታን ሓዊሶም ተደሪሮም ጽቡቕ ምሸት ኣምሰዩ።

ከምዚ ዝረኣናዮ ናይ ወ/ሮ ፋና ባህሪ ካብ ነዳርን ገንጫርን ናብ ምቕልልትን ብግቡእ ከተረድእ እትኽእል ሰበይትን እዩ ተቐይሩ። ነዚ ናይ ባህሪ ለውጢ ዝረኣየ ዘበሉ ኹሎም፡ ‘እንታይ ሓድሽ ነገር እዩ ተረኺቡ፡’ ኢሎም ክሳብ ክሳብ ሕማቕ ዝሓስቡ እዮም ኰይኖም። ገለ ገለውን፡ ‘ነፍሳ ከይተጥፍእ ተጠንቀቑላ፡ እዚ ዓይነት ለውጢ ናይ ጥዕና ኣይኮነን፡’ ክብሉ ተሰሚዖም እዮም። ገለ ንፉዓት ሰባት ናብ ገዝኣ መጺኦም ብትብዓት፡ “እንታይ ሓድሽ ነገር ተረኺቡ ደኣ ኢኺ እዚ ኹሉ ለውጢ ጌርኪ፧ ማለት ንኹሉ ብትሕትናን ብምቕሉል ኣዘራርባን ክትዘራረብዮ ጀሚርኪ፧” ኢሎም ሓተትዋ። ወ/ሮ ፋና ፍሽኽ በለት፡ ከምዚ እናበለት ከኣ መለሰትሎም፡ “ኩሉ ሰብ ነናቱ ህይወት እዩ ዘለዎ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከኣ ነናይ ባዕሉ ሓላፍነት ወሲዱ እዩ ንህይወቱ ዝሕተተላ። እዚ ክፈልጥ ነዊሕ ግዜ እዩ ወሲዱለይ። ካልኣይ፡ ናተይ ጭንቀት፡ ናተይ ሻቕሎትን ምጭቕጫቕን ናይ ዝኾነ ይኹን ሰብ ሽግር ክፈትሕ ከም ዘይክእል ከኣ ተረዲአ። ሰብ ተሸጊረ ኢሉ እንተ ሓቲትኒ ጥራይ ምኽሪ ክህብ እምበር ካብኡ ሓሊፈ እዚ ዘይገበርካ ኢለ ከገድድ ከም ዘይክእል ተረዲአ።” በለቶም።

ብድሕሪኡ፡ ገጻ ናብ ሰብኣያን ደቃን ጠውያ፡ “ውሳኔታትኩም ህይወትኩም እዩ። ዝኾነ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ትውስንዎ ውሳኔ፡ ምሳኹም ዝነብር ሳዕቤን ሒዝልኩም እዩ ዝመጽእ። ድሕሪ ሕጂ ኣነ ናይ ዝኾነ ሰብ ውሳኔ ሽግር ኣይስከምን’የ። ይጭነቕን ሰብ ይጭቕጭቕን ደኣምበር ተሸኪመ ከኣ ኣይፈልጥን’የ። ብዘይጠቅም ሻቕሎትን ስግኣትን ደኺመ ስለ ዝኾንኩ፡ ነዛ ንሩሐይ ጥራይ እየ ክቆጻጸርን ክረድእን ዝኽእል። ካብ ሎሚ ንንየው ስርሐይ፡ ኣብዚ ገዛ ዘድልየኩም ዘበለ ከይጎድለኩም፡ ዝከኣለኒ ክገብር’የ፡ ብዝተኻእለኒ መጠን ብኣወንታዊ መገዲ ኣብ ልበይ ዘሎ ፍቕሪ ክልግሰልኩም’የ፡ ከም ኣደ ብዘድልየኩም ዘበለ ክርከበልኩም ክፍትን’የ፡ ኣብ ኩሉ መዳይ ናይ ህይወትኩም ከተባብዓኩምን ክድግፈኩምን ዝከኣለኒ ክገብር’የ። ካብዚ ሓሊፈ ግን ኣብ ናይ ነፍሲወከፍኩም ህይወት ኢደይ እናእተኹ፡ ክፈትሓልኩም ኢለ ዝገንሖን ዝዛረቦን ሰብ ኣይክህሉን እዩ። ኣብ ሽግር ክትኣትዉ ኣይምነይን’የ፡ ሓሲበዮውን ኣይፈልጥን’የ፡ እንተ ኣጋጢሙኩም ግን ሓገዘይ እንተ ደሊኹም ጥራይ እየ ብዓቕመይ ክድግፈኩም ክፍትን እምበር፡ ሽግርኩም ባዕልኹም ኢኹም ክትፈትሑን ህይወትኩም ከተመዓራርዩን።” በለቶም እሞ፡ ገጻ ናብ ሰብኣያ ገይራ ድማ፡ “ንዓኻ ኸኣ ከምኡ፡ መጀመርታ ክሳብ ሕጂ ብዝተዛረብኩኻን ዝጸረፍኩኻን ዘጉባዕባዕኩልካን፡ ብሓጺሩ ዝገበርክዎ ኹሉ ይቕሬታ ግበረለይ። ካብ ሕጂ ንንዮው ከምኡ ኢለ ከይቀርበካ ምስ ውሽጠይ ቃል ኣትየ እየ። እዚ ኹሉ ነዞም ቆልዑን ነዞም ኣሕዋትን ክብሎ ዝጸናሕኩ ንዓኻ ኸኣ ይብለካ’ለኹ። ከምቲ ንሰብኣይ ዝግብኦ ጌረክ ከኽብረካ ካብ ሕጂ ጀሚረ ቃል ይኹነኒ።” በለቶ። እዚ ምስ ሰምዑ ኩሎም እቶም ኣብታ ገዛ ዝነበሩ ዝዛረብዎ ጠፊእዎም ስቕ በሉ። እታ ገዛ ከኣ ብስቕታ ተዋሕጠት። ካብታ መዓልቲ ጀሚሮም፡ ኣብ ኩሉ ሸነኻት ናይታ ስድራ፡ ብጽቡቕ ምዕባለ ክልወጥ ጀመረ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር መዓልታት ከኣ ኩሉ ኣባል እታ ገዛ፡ መን እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ስለ ዝፈለጠን ዝተረደኦን ኩሉ መመስመሩ ሓዘ።

ኣደ ማለት መፍትሕ ህይወት ናይ ቤታ ኣብ ኢዳ ትነብር ሰብ እያ። ነዛ መፍትሕ ድላያ ትገብራ ኸኣ ንሳ እያ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ንኣዴታት ሓደራ ክብሎ ዝደሊ፡ “ምስቲ ኩሉ ዘጋጥመክን ባህርያዊ ጸገምን ኣብ ገዛ ተገልግልኦን ካልእ ሃልክታትን ብድሆታትን፡ ብዝተኻእለክን መጠን ነቲ ኣብ ህይወት ዘጋጥመክን ኩሉ፡ ብህድኣትን ትዕግስትን ዓቕልን፡ ብምስትውዓልን ብጥበብን ከተመሓድራኦ ሓደራ እብለክን። ምስ ግዜ ዘይልወጥ ኩነታትን ሰብን የለን።” ሰላም!

Leave a Reply