You are currently viewing 0005 ሰበይቲ፡ ድኽምቲ ፍጥረትዶ ብልጽቲ ፍጥረት፧

0005 ሰበይቲ፡ ድኽምቲ ፍጥረትዶ ብልጽቲ ፍጥረት፧

ብመጀመርታ፡ መን’ዩ ንሰበይቲ ድኽምቲ ፍጥረት እያ ዝበላ፧ እዋእ… ጥዑይ ድዩ እዚ ወዲ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እናበለ፧ ትብል ትኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ከምኡ ኣይኮነን ዝብል።

ንጓለንስተይቲ ኣብ ምንታይ’ዩ፡ ‘ድኽምቲ’ ዝብላ መርሚርካ ምፍላጡ ጽቡቕ እዩ። ምሳና ስለ ዘለዋ ኸኣ ኣብ ምንታይ ክፋል ናይ ህይወተን ድኻም ከም ዘለወን ንርእዮ ዘለና ሓቂ እዩ። እቲ ቅዱስ ጥቕሲ ከምዚ ይብል፡ “ኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ‘ከም’ ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ።” (1ይ ጴጥ 3፡7)

እዛ ጥቕሲ ብዙሓት ሰባት ብጌጋ ተረዲእዎም ወይውን እናፈለጡ ብጌጋ ክጥቀሙላ ስለ ዝደለዩ ክኸውን ይኽእል፡ ኣብ ዘይቦታኣ ከእትዉዋ ሰሚዐ ኣለኹ። ሎሚ ግን ግቡእ መልሲ ክህበኩም፡ እቲ ልክዕ መልእኽቲ ናይዛ ቃል እዚ ዝስዕብ እዩ። ናይ መወዳእታ መግለጺ እዩ ማለት ግን ኣይኮነን፡ ካብዚ ብዝዓሙቕ ኣገባብ ክትግለጽ ትኽእል እያ።

ምስ ሰበይትኻ ብብዙሕ መገዲ ብሰላም ክትነብር ፈቲንካ ኣለኻ። ካብቲ ብዙሕ ግን ሓንቲ ጥራይ እያ መዋእልካ ብፍቕርን ብኽብርን ክትነብር ትገብረካ። (ኤፌ 5፡25-27) “ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ።” ኣብዚ ብኢደ ዙር፡ መምርሒ እዩ ዘመሓላልፍ ዘሎ፡ እዚ ዝስዕብ መምርሒ:

  1. ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቅራ፡ ንስኻ ኸኣ ከምኡ ንሰበይትኻ ኣፍቅራን ኣርእያን። ምኽንያቱ ክርስቶስ ንማሕበሩ ብቃል ጥራይ ኣይኮነን ኣፍቂርዋ፡ ኣርእዩዋ እዩ። ፍቕሪ ስምዒት ጥራይ ኣይኮነን ግብሪ ከኣ እዩ። ፍቕሪ መሰረት ኩሉ ነገር እዩ፡ ስለዚ እዩ ጳውሎስ ወሲኹ፡ ‘ፍቕሪ ማእሰር ኩሉ ፍጻሜ እያ’ሞ፡ ልበስዋ፡’ ዝበለ።
  2. ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ዝሓጽባ ንስኻ ኸኣ ንሰበይትኻ ብናይ ፍቕሪ ቃላት ገይርካ መዓልታዊ ኣእምሮኣ ክትሓጽባ ከድልየካ እዩ። ምኽንያቱ ሰበይቲ ምስ ሰብኣያን ምስ ቃሉን ክትውዕል እንከላ እያ ጽሩይ ከም ማይ ንጉሆ ዝኾነ ኣእምሮ ዝህልዋ። ንስኻ ስራሕ ኣብ ትወጻሉ ኣብ ቤት በይና ኰይና ብዙሕ ሓሳባት እያ ከተሰላስል ትውዕል። ከም መጠን ንስኻ ዝመላእካያን ከም መጠን እቲ ትመልኦ ኸኣ ፍቕራውን ግብራውን ምዃኑ፡ ከምኡ ኸኣ ንሳ ተሓጺባን ጸርያን ከም ትውዕል እያ ትኸውን።
  3. ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ንእኡ ጥራይ ከም እትኸውን ገይሩ ክፈልያ (ምእንቲ ክቕድሳ) ርስሓታ ዕጣራ ዝኣለየላን ካልእን ዝገብረላ፡ ንስኻ ኸኣ ከምኡ ሙሉእ ብሙሉእ ተኸናኸና። ኣበር የብላን፡ ወይ ጸገም የብላን ማለት ኣይኮነትን ሰበይቲ ክሳብ ዝኾነት ብህይወት ከኣ ክሳብ ዝሃለወት ክትጋገን ኣበራታ ጎሊሑ ክርአን ብግዲ እዩ። እዚ ጌጋታትን ኣበራትን (ርስሓትን ዕጣርን) ግን ብጀካኻ ወላሓደ ዝኣልዮ የብሉን።
  4. ከምቲ ክርስቶስ ስለ ማሕበሩ ርእሱ በጃ ክሳብ ምሃብ ኩሉ ዋጋ ከፊሉ ንእኡ ንበይኑ ኰይና ከም ትቐውም ገይሩዋ ዘሎ፡ ከምኡ ንስኻ ኸኣ ስለ ሰበይትኻ ክሳብ ክንድኡ ዝኣክል ዋጋ ክትከፍለላ ከድልየካ እዩ። ዋጋ ዘይከፍል ብዓል ሓዳር ሰብኣይ ክበሃል ብቑዕ ኣይኮነን። ዋጋ ምኽፋል ሓደ ካብቲ መቐረት ናይ ሓዳር እዩ። ንርእስኻ ከተቑሞ ኢልካ ትምስርቶ ሓዳር፡ ከምቲ ትደልዮ ኰይኑ ክቖመልካ ምእንቲ ዋጋ ክትከፍለሉ ብግዲ እዩ። ጥዑም ከኣ እዩ።

ቃንዛ ዘይብሉ ህይወት፡ ሃልኪ ዘይብሉ ዓወት የለን። መስዋእቲ ዘይብሉ ዓስቢ ኸኣ የለን። ዋጋ ዘይትኸፍ እንተ ዀንካ፡ ኣብ ቤትካ ጽቡቕ ስእሊ ክህልወካ ኢልካ ኣይትጸበ። ጽቡቕ ስእሊ እንተ ዘይብልካ ኸኣ ክብሪ ክህልወካ ኣይክእልን’ዩ። እዚ እዩ ‘በእምሮ ምንባር’ ዝበሃል። ብድሕሪ እዚ ኩሉ ድኻማ ክትርእዮ ኢኻ። ንሰበይትኻ ብኸምዚ ዝበለ ፍቕሪ ጥራይ ኢኻ ከተሰንፋ ትኽእል። ብኹለንትንኣ ስለ ዘድከምካያ፡ ንኹሉ ትእዛዛትካን ድሌታትካን ኢዳ ሂባ፡ ዝኣዘዝካዮ ዘበለ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ዂነት ክትፍጽሞ እንከላ ክትርእያ ኢኻ። ኣብ ማእከል ቤትካ ሓጎስን ደስታን ተኸቢብካ ክትርኢ ኢኻ። ናብ ስራሕ ይኹን ናብ መገሻ ኣብ ትወጻኡ ግዜ፡ መዓስ እየ ዝምለስ እናበልካ ትናፍቖ ሓዳር ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ፡ ወዘተ።

ብዘይካ እዚ፡ ኩሉ ግዜ ዘይኮነ ሓደ ሓደ ግዜ ኣካላዊ ድኻም ኣለዋ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ግዜ ጽግያትን ኣብ ግዜ ጥንስን ሕርስን እዩ ዝመጽእ። ኣብዚ እዋን፡ ብዙሕ ተዋስኦ ዝመስል ድኻማታ እንተ ተራእዩካ፡ ኣብዚውን ከም ሰብኣይ በእምሮ ምምልላስ ከድልየካ እዩ። ሰላም!

Leave a Reply