You are currently viewing 0010 ዓሰርተ መሰረታውያን መምርሒታት ንግዲ!

0010 ዓሰርተ መሰረታውያን መምርሒታት ንግዲ!

በብዓይነቱ ይፈላለ እኳ እንተ ዀነ፡ ቀጠፍጠፍ (scam) እንተ ዘይኮይኑ፡ ኣብ ንግዲ ብዙሕ ይኹን ውሑድ ዓቐን ገንዘብ ከየውፈርካ ኣይስራሕን እዩ። እዘን ዝስዕባ ኸኣ እተን መሰረታውያንን ኩሉ ሰብ ንግዲ ኢሉ ክሓስብ እንከሎ፡ ከይጉዳእ ምእንቲ ኣብ ልቡ ክዓቑረን ዘለዎ ኣገደስቲ መምርሒታት እየን።

  1. ክንደይ ክተውፍር ኣለካ፧ ንግዲ መጀመርታኻ እንተ ዀይኑ፡ ብዝወሓደን፡ ንህይወትካ፡ ሓዳርካ ቤተሰብካ ወዘተ ዘይጎድእ መጠን ገንዘብ ኢኻ ከተውፍር ዘለካ።
    ተውፍሮ መጠን ገንዘብ ኣዝዩ ውሑድ ክኸውን ኣለዎ። ብብዙሕ መጠን ገንዘብ ንግዲ ዝጀመሩ ኩሎም ናይ መጀመርታ ተመኲሮኦም ስለ ዝኾነን ምስቶም ኣቐዲሞም ናብቲ ንግዲ ኣትዮም ዝጸንሑ ስለ ዝወዳደሩን (ብባህሪኡ ንግዲ ውድድር ስለ ዝኾነ) ከሲሮም እዮም ካብ ዕዳጋ ዝወጹ። ገለ ገለ ሰባት ብኣዝዩ ብዙሕ መጠን ገንዘብ ነቲ ዓዳጋ ሰንጢቖም ክኣትዉዎ ዝኽእሉ ኣለዉ። እዚኦም ግን ኣዝዮም ውሑዳትን ናይቲ ዕዳጋ ሙሉእ ሓበሬታን ትምህርትን እኹል መበገስን ዘለዎም እዮም። እዚ ክትገብር ዘይትኽእል እንተ ዀንካ ግን ብኽሳራ ተጎዲእካን ሰንቢድካን ካብ ንግዲ ዓለም ክትርሕቕ ስለ ትኽእል ኣዝዩ ውሑድን ኣብ ናብራኻ ጽልዋ ዘየምጽእን እናውፈርካ ክትነግድን ተመኲሮ ክትድልብን ትኽእል ኢኻ። ዓብዪ ሓይሊ ዘይብልካ እንተ ዀንካ፡ ኣይትኣትዎን ማለት ኣይኮነን ቀስ ብቐስን ብውሑድ ገንዘብን ብመጽናዕትን ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ይከኣል እዩ።
  2. ናይ ንግዲ ግዜን ቦታን ምጽናዕ: ናይ ንግዲ ግዜን ቦታን ምስ ጠለብን ቀረብን ናይቲ ንብረት ምውህሃድ እዩ። እቲ ዝሽየጥን ዝግዛእን ባጤራ ወይ ካልእ ኣቕሓ ክኸውን ይኽእል’ዩ ግን ቀጥታዊ ናይ ምግዛእን ምሻጥን ዝፍጸመሉ መስርሕ እዩ። ኣብዚ ዋጋ ናይቲ ዝግዛእን ዝሽየጥን ንብረት ኣብቲ ዘጋጥም ጠለብን ቀረብን እዩ ዝምርኮስ። ብሓጺሩ፡ ናይ ዕዳጋ ወይ ናይ ንግዲ ቦታ ማለት፡ ብኣካል ተራኺብካ ወይ ብኻልእ ናይ ኢንተርነት መስርሕ ንግዲ ትፍጽመሉ ምትእኽኻብ ኰይኑ፡ ገዛእትን ሸየጥትን፡ ብህሉው ዋጋ ውዕልን ምልውዋጥን ክገብሩ ዝራኸቡሉ ቦታ እዩ።
  3. ገዚእካ ምሓዝ: እዚ ዝጠቐስክዎ ቀጥታዊ ንግዲ ክኸውን ከሎ ካልኣይ ከኣ ገዚእካ ምኽዛን ወይ ንነዊሕ ግዜ ምሓዝ እዩ። ዝበዝሐ ግዜ ኣብ ኣውፈርቲ (value investors) ዝርአ ዓይነት ንግዲ ኰይኑ፡ ሓደ ወይ ብዙሕ ቀዋሚ ንብረት ከም ገዛ፡ ክቡር ኣቕሓ ወዘተ ገዚእካ፡ ናይ ሓጺር እዋን ናይ ዕዳጋ ክብን ለጠቕን ብዘየገድስ ንነዊሕ ግዜ ምሓዝ እዩ። እዞም ኣውፈርቲ ንሓደ ንብረት። ‘ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘይዋግኡ እዩ ሒዙ ዘሎ ድሕሪ ዓመታት ግን ብተዕቅጻጻፊ ክውስኽ እዩ፡’ ኢሎም ገምጊሞም እዮም ገዚኦም ዝሕዙ። ዕላማ ናይዚ ዓይነት ንግዲ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሓጺር እዋን እናደጋገምካ ምንጋድ፡ ሓደ ግዜ ገዚእካ ንነዊሕ እዋን ተጸቢኻ፡ ዓብዪ መኽሰብ ምርካብ እዩ። እቲ መጠን ወፍሪ ኣብ ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ዋጋ ጥራይ እዩ ዝንቀሳቐስ። ንዓመታት ወይ ንዓሰርተታት ዓመታት ከኣ ይጸንሕ። እዚ ዓይነት ንግዲ ብዙሕ ጥቕሚ ዘለዎ እኳ እንተ ዀነ፡ ካብቲ ብዙሕ ግን ጎደሎ ግብርን ውሑድ ናይ ንግዲ ወጻኢታትን ዘለዎ ምዃኑ እዩ።
  4. ኣንጻር ዕዳጋ ዘይምቅላስ: ዕዳጋ ኣንጻር እቲ ክትከስበሉ ኢልካ ትሓስቦ ይኸይድ ከይህሉ ኣይትቃለሶ፡ ክትድርቶ ዘለካ ዋጋታት ኣሎ! ነጋዳይ፡ ዕዳጋ እናረኣየ ክኸስሮ ዘለዎ ዋጋ ደረት ጌሩ እዩ ዝነግድ። ንኣብነት ብሓምሳ ቅርሺ ዝገዝኦ ንብረት ዋግኡ ጎዲሉ ክሳብ 45 ቅርሺ እንተ ዀይኑ ካብዚ ንታሕቲ ክኸስር ስለ ዘይብለይ ኣብዚ ዋጋ እዚ ኩሉ ይሸየጥ ኢሉ ይውስን እሞ፡ እቲ ክሳራ ሓሙሽተ ቅርሺ ጥራይ ይኾነሉ። ንመጻኢ ካልእ ዝሓሸ ዝበሎ ንብረት ገዚኡ ይነግድ። ደሓን ናብ ዝነበሮ ዋጋ ክምለስ’ዩ እናበለ ስቕ ኢሉ ክሳብ ዝተሓተ ዋጋ ዝበጽሕ ኣይኮነን ዝጽበ። እዚ ምግባሩ መጀመርታ ካብቲ ከጋጥም ዝኽእል ዓብይ ክሳራ ይድሕን። ካልኣይ ካብ ስምዒታዊ ዝኾነ ውሳኔታት ናይ ንግዲውን ይድሕን። ሳልሳይ ከኣ ስርዓት ንግድን ጥቕሙን እናረኣዮ ክኸይድ ይሕግዞ። ነጋዳይ ወግሐ ጸብሐ ኣጋውላ ናይ ዕዳጋ ብግቡእ እናመርመረ ዝውስን ደኣምበር ምስኡ ክቃለስ ኣብ ክሳራ ምውዳቕ መኽሰብ ከም ዘይብሉ ይፈልጥ እዩ። ብዘይካ’ዚ ነጋዳይ ኣይግምትን’ዩ፡ ግምት ኩሉ ግዜ ኣብ ክሳራ ከም ዘውድቖ ኣጥዕዩ እዩ ዝፈልጥ።
  5. ዝበለጸ ንንግዲ ዝኸውን ንብረት የለን: ኣብ ሓሳብ ነጋዳይ እዚኣ’ያ ንንግዲ እታ ዝበለጸት ንብረት ዝብል ነጋዳይ የለን። ኣብ ነጋዳይ፡ እዚኣ እያ እታ ብልጽቲ ንሓዋሩ ዋጋኣ ከይወደቐ እናወሰኸት ትነብር ንብረት፡ እዚኣ ኸኣ ንሓዋሩ ዋጋ የብላን ዝብል ሓሳብ የለን። ዋላ ሕማቕ ዝበሃል ዝጭበጥ ይኹን ኣሃዛዊ (digital) ንብረት መዓስ የኽስበኒ፡ መዓስ የኽስረኒ ደኣምበር ብዓይነት ንብረት ከይመዘነ፡ ‘ብኣይፍለጥን እዩ፡’ ዝብል መምርሒ እዩ ዝኽተል። እዚ ኣተሓሳስባ ንዝኾነ ይኹን ነጋዳይ ኣብ ኩሉ ኣቕሓ ኣድህቦ ገይሩ ክሰርሕ እዩ ዝገብሮ። ስለዚ ኣብ ዓይኒ ነጋዳይ ዝኾነ ይኹን ንብረት ውሕስነት ዝበሃል የለን።
  6. ንግዜኡ ካብ ዕዳጋ ምውጻእ: ነጋዳይ ኣድህቦኡ ኣብ ስርሑ ስለ ዝኾነ ብኹሉ መዳይ እዩ ዝከታተሎ። ስለዚ ዕዳጋ ክመውት (ክደክም) ክርእዮ እንከሎ፡ ቀልጢፉ እዩ ኢዱ ዝስሕብ። ዘለዎ ንብረት የጻሪ፡ ንኻልእ ሓድሽ ዕዳጋ ኸኣ ኣድህቦ ሂቡ ይጽበ። ዕዳጋ እናደኸመ እናረኣዮ፡ ስቕ ኢሉ ኣቑሑ ሒዙ ኮፍ ዝብል የለን። ካብቲ ዝቕንስ ዘሎ ዓይነት ንብረት ከኣ ክሳብ ናይ መወዳእታ ዋግኡ ዝበጽሕ ይጽበ ደኣምበር፡ ጎዲሉ ኢሉ ተቐዳዲሙ ኣይገዝእን እዩ። ኣብዛ እዋን፡ ካብ ዕዳጋ ምውጻእ እዩ ዝመርጽ። ኣብ ንግዲ ምስ ዝቕንስ ዘሎ ዕዳጋ ምቅላስ ኣየዋጽእን እዩ፡ እዚ ናይ ሓደስቲ ስምዒታውያን ነጋዶ ባህሪ እዩ። ምስ ቁማር ከኣ ወላሓንቲ ዝፈላሊ የብሉን፡ ምኽንያቱ ‘እስኪ እዚኣ ክፍትና፡’ እናበልካ ዝስራሕ ደኣምበር፡ ዕዳጋ እናጽናዕካ ዝውሰን ኣይኮነን።
  7. ሕንጹጽ ንድፊ ንግዲ (trade plan) ምህላው: ሕንጹጽ ንድፊ ወይ ፕላን እንተ ዘይብልካ፡ ኣይትንገድ። ናይ ክኢላታትን ኣዕሩኽትኻን ዘይኮነ፡ ናይ ባዕልኻ ንድፊ እዩ ኸኣ ክህልወካ ዘለዎ። ኣብ ዕዳጋ መኣስ ትኣቱ መዓስ ከኣ ትወጽእ ወይ ኢድካ ትስሕብ መደብ ዘይብልካ እንተ ዀይኑ ንግዲ ይትረፍካ ንዓኻ ኣይከውንን እዩ። ሓይልን ቅልጣፈን ናይቲ ዕዳጋ ክንደይ ምዃኑ ፈሊጥካ (ኣጽኒዕካ) ንድፍኻ ከተመዓራሪ ክትክእል ኣለካ። ካብ ናይ ኣዋርሕ ክሳብ ናይ ዓመታት ዝሓንጸጽካዮም ንድፍታት (plans) ሒዝካ ኢኻ ናብ ሓድሽ ዕዳጋ ክትኣቱ ዘለካ። እዚ ንድፊ’ዚ ኸኣ ናይ ባዕልኻ ኰይኑ፡ ባዕልኻ ሓላፍነት ትወስደሉ ክኸውን ክኽእል ኣለዎ።
  8. ንግዲ ዝበዝሐ ክፋሉ ተመኲሮ እዩ: ካብ ጌጋኻ ትምኰር ኢኻ፡ ንፉዕ እንተ ዀንካ ኸኣ ካብ ጌጋታት ካልኦትውን ትምዀር ኢኻ። ነጋዳይ ዕድሜኡ ሙሉእ ሓድሽ ተመኲሮታት እናቐሰመ እዩ ዝኸይድ። ኣዚኻ ብዝተመኮርካዮ ኣዚኻ እናፈለጥካዮ ስለ ትኸይድ ኣብ መወዳእታ ተመኲሮታትካ ናብ ረብሓኻ ክትልውጦም፡ዘለካ ተኽእሎ ዓብይ እዩ። ኣብ ዕድሜኡ ሙሉእ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝኾነ ተመኲሮ ከይቀሰምኩላ ሓሊፈ ዝብል ነጋዳይ የለን።
  9. ናይ ንግዲ ትምህርቲ ኣየቋርጽን እዩ: ኣብ ንግዲ ኩሉ ግዜ ተማሃራይ ልቢ ክህልወካ ክኽእል ኣለዎ። ምምሃር ኣይተቋርጽ። ምኽንያቱ ንግዲ ናይ ሕጂ ኣይኮነን፡ ኣሽሓት ዓመታት ዝጸንሐ ኰይኑ፡ መልክዑን ኣሰራርሕኡን እናቐያየረ፡ ንቐጻሊ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሕ እዩ። ብሕጂ ኸኣ ንግዲ ኣዝዩ እናተራቐቐ ክኸይድ ስለ ዝኽእል፡ ኩሉ ግዜ ንምምሃር ድሉው ዝኾነ ኣእምሮ ክህልውካ ክኽእል ኣለዎ።
  10. ምሕደራ መኽሰብን ክሳራን: እዚ ኹሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ናብዛ ሕጂ ዝጠቕሳ ሓሳብ እዩ ዝጥቕለል። እቲ ንፉዕ ዝበሃል ነጋዳይ፡ ኣብ ምሕደራ መኽሰብን ክሳራን ኣዝዩ ብሉጽ ብቕዓት ዘለዎ ሰብ እዩ (The isk-to-reward ratio) እዚ ፋይናንስያዊ ቅማረ ኰይኑ፡ ኣብ ንግዲ ክትረኽቦ ትኽእል መኽሰብን ከጋጥሞ ዝኽእል ክሳራን ኣቐዲምካ ምስራዕ ማለት እዩ። ነጋዶ እዚ ምግባሮም፡ ክኸስብዎ ዝደልዩ ምስቲ ከጋጥሞም ዝኽእል ክሳራ ብግቡእ ገምጊሞም ነቲ ንግዲ ክውስኑሉን ከይውስኑሉን ዝሕግዞም ቅማረ መጠነ ዝምድና (ratio) እዩ። ንኣብነት ሓደ ናይ መኽሰብን ክሳራን ቅማረ ጽቡቕ ዝበሃል፡ ተኽእሎ ናይ መኽሰብ ብሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ዕጽፊ (1:3 ወይ 1:4) ናይ ከጋጥም ዝኽእል ክሳራ ክኸውን እንከሎ እዩ። ኣብ ንግድን ወፍርን ኩሉ ነጋዳይ ዝኾነ ዓይነት ውሳኔ ክውስን ከሎ፡ እቲ ዝጽበዮ ዓብይ መኽሰብ ኣንጻር ከጋጥም ዝኽእል ውሑድ ክሳራታት እዩ ዝቕመሮ።

ንግዲ ኣዝዩ ቀሊል እዩ፡ ግን ከኣ ከቢድ እዩ: ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ መሰረታዊ ነጥብታት ኣድህቦ ከይገበርካ፡ ብስም ይግበር ኣሎ ኢልካ ናብ ንግዲ እንተ ኣቲኻ ኣዝዩ ከቢድን ብኹለንትንኡ ኸኣ ክሳራን እዩ። እንተ ወሓደ ነዘን ዝጠቐስክወን እናገበርካን ኣብ ዝኸሰርካሉ ግዜ ኸኣ እናተመሃርካን ተመኲሮታትካ እናዕበኻን እንተ ኼድካ ኸኣ ኣዝዩ ቀሊል እዩ። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ዓሰርተ መሰረታዊ መምርሒታት ንግዲ፡ ኣብ stock market, forex trading, cryptocurrency, real estate ካልእንውን ዘገልግል ሓሳብ እዩ። ሰላም!

Leave a Reply