You are currently viewing 0008 ድኽነትን ስእነትን እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧

0008 ድኽነትን ስእነትን እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧

እዛ ሕቶ ነቶም ኩሉ ነገር ጥቕምን ጉድኣትን ኣለዎ ዝብሉ ኣብጽሑለይ። ‘ኣብ ድኽነትን ስእነትን እንታይ ጥቕሚ ኣሎ፧’ ኢሉ ሓደ ሓው ሓቲቱ። መጀመርታ ብትሕዝቶ ጥራይ ድኻ ምዃንካ ንርእስኻ ከም ዕድለኛ እናቖጸርካ ኣመስግን። ቀጺለ መልሰይ እዚ’ዩ።

“ክነውሕ የብሉን፡ እምበር ሓጺር እዋን እንተ ኣጋጢሙኻ ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። ወይ ከኣ ናብ ረብሓኻ ክትልውጦ ትኽእል ኢኻ። ክነውሕን ከይነውሕን ግን ኣባኻ እዩ ዝምርኮስ። እቲ ጥቕምታት ሓዘኒ:-

  1. ኣብ ድኽነት ውሑድ ዝኾነ ፈተነታት እዩ ዝገጥመካ። ንኣብነት፡ እዚ ብልቡ ዝሓስቦ ዘበለ ኩሉ ኩፉእ ዝኾነ ሰብ ኣይቀንኣልካን’ዩ። ከጥቅዑኻ ዝመጹ ከተርቲ፡ ሰረቕቲ… ውሑዳት እዮም። ስለዚ ትኸስሮ ነገር ስለ ዘይብልካ ድቃስካ ጥዑም’ዩ።
  2. ድኻ እንተኾንካ፡ ‘ካብዚ እንታይ ከይርከብ፡’ ካብ ዝብል ሓሳብ፡ ብረብሓ ዝቐርበካ የብልካን። እቲ ዘየድልየካ ዘበለ ሰብ ኩሉ (ብፍላይ ሃብታም) ምእንቲ ከይትልምኖ፡ ኣዝዩ እዩ ዝርሕቀካ።
  3. እቲ ናይ ብሓቂ ደጋፊኻን ሰብኣውነት ዘለዎን ሰብ መን ምዃኑ ተለልየሉ ዝበለጸ ግዜ ስእነትካ እዩ። ብዘይካዚ ኣብ ግዜ ድኽነትካ፡ መን ብሓቂ የፍቅረካ ጽቡቕ ጌርካ ኢኻ ተለሊ። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ድኽነትን ስእንተትን ኢኻ ፈተውትኻን ጸላእትኻን ተለሊ።
  4. ከመይ ኣቢልካ ብዓቕምኻ ተንሲእካ ኣበርቲዕካ ሰሪሕካ ናብ ራእይኻ ትበጽሕ ትመሃረሉ ቦታ እዩ። ኣብቲ ዝተዓወትካሉን ናብ ራኢኻ ዝበጻሕካሉን ግዜ ከመይ ንሰብ ተኽብርን፡ ስእነት እንታይ ምዃኑን ትመሃር ኢኻ።
  5. እተን ቀንዲ ጸላእቲ ሰብ ዝኾና፡ ትዕቢትን ትምክሕትን ጃህራን እናረኣኻየን እየን ካባኻ ግፍፍ ኢለን ዝኸዳ። ኣብ ግዜ ድኽነት ኰይኑ ዝዕበን ዝምካሕን ዝጀሃርን ሰብ የለን። እቲ ቀንዲ ፈታዊኻ ዝኾነ ኣምላኽ ከኣ ክትዝክር ይገብረካ፡ ጠባይካን ባህሪኻን ከተመሓይሽ ይሕግዘካ… ወዘተ።
  6. ግዜ ድኽነትካ፡ ምሕሻሽን ገንዘብካ ኣብ ቁምነገር ምውዓልን ክሳብ ክንደይ ፍልልይ ኣለዎ ትመሃረሉ ግዜ እዩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ኮንካ ብዙሕ ስለ ተስተብህል፡ ካበይ ከም ዝተበገስካን ናበይ ትድይብ ኣለኻን ኣጥዒኻ ስለ ትፈልጥ፡ ማለት ኣመጻጽኣ ገንዘብካ ስለ ትፈልጦ፡ ኣጠፋፍኡኡ ኸኣ ክትጥንቀቐሉ ይገብረካ’ዩ።
  7. ብኸመይ ኣብኡ ከም ዝወደቕካ ብዘይካኻ ሙሉእ ብሙሉእ ዝፈልጥ ስለ ዘየለ፡ ነቲ ጠንቂ ድኽነትካ ክትኣልዮ 50% ከም ዝበጻሕካ የፍልጠካ’ሞ፡ ብግቡእ ግዜኻ ከተመሓድር ይሕግዘካ። ምኽንያቱ ጠንቂ ዝኾነ ነገር ምፍላጥ ፍርቂ ፍታሕ እዩ።
  8. ናይ መወዳእታ ከኣ፡ ‘At your lowest you realize the most’ ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። ማለት ‘ኣብቲ ዝተሓተ ናብራኻ ኢኻ ብዙሕ ተስተብህል፡’ ከም ዝበሃል፡ ንህይወት ባዕልኻ ክትቃለሳ ይገብረካ። ኣብ ሃብቲ ናይ ወለድኻን ካልእን ከይተመርኮስካ፡ ናተይ ትብሎ ከተፍሪ ይገብረካ። ሰላም!

Leave a Reply