You are currently viewing 0001 ደሞዝን ደሞዝተኛን

0001 ደሞዝን ደሞዝተኛን

ሓደ ግዜ ሓደ ደሞዝተኛ ሰብኣይ ናብራ ስለ ዝኸበዶ ንኣስራሒኡ፡ “ደሞዝ ክትውስኸለይ ደልየ’የ መጺአ፡” ይብሎ። ኣስራሒኡ ኸኣ ደንጽዩዎ፡ “ብምንታይ ምኽንያት፧” ይብሎ። ሰራሕተኛ ትቕብል ኣቢሉ፡ “ሸውዓተ ቆልዑ እዮም ዘለዉኒ። እዚ ትህበኒ ዘለኻ ደሞዝ ከኣ ኣይኣኽለንን’ዩ ዘሎ፡” ይብሎ። ኣስራሒኡ ሕጂውን እናተገረመ፡ ኣነ’ኮ ኣብ ስራሕ ብተፍርዮ ደኣ’ምበር፡ ኣብ ገዛኻ ብተፍርዮም ቆልዑ ኣይኮንኩን ደሞዝ ዝኸፍለካ።” በሎ ይበሃል። ደሞዝ ክንዲ ዝበዝሐ ይብዛሕ ማዕረ ማዕረ እቲ እተህልኾን ናይ ሃገርካ ስነ ቁጠባዊ ኣቃውማን ኣይከይድን እዩ። ስለዚ እዩ Kevin O’Leary ዝተባህለ ሰብኣይ፡ “ኣነ ንደሞዝ መረስዕ እየ ዝብሎ። ደሞዝ ማለት ራኢኻ ዘረስዕ ከኒና እዩ።” ኢሉ ዝመስከረ። እቲ ዝኸፍአ ህያብ ናይ ዝኾነ መንግስቲ ደሞዝ እዩ። ምኽንያቱ ኩሎም መንግስታት ብዓል ራእይ ክህሉ ኣይደልዩን እዮም። ስለዚ እዮም ከኣ ራእይኻ ክትርስዕ ምእንቲ ንወርሒ ሙሉእ ጽቡቕ ከሕልፈካ ዝኽእል ደሞዝ ዘዳልዉልካ። ሓቂ’ዩ፡ ደሞዝ፡ ራእይኻ ዘረስዕ ወርሓዊ ከኒና እዩ።

ንሒደት ዓመታት ደሞዝ እናተቐበልካ ሰራሕተኛ ናይ መንግስቲ ምዃን ወይ ናይ ግሊ ትካል ሰራሕተኛ ምዃን ኣይኮነን እቲ ጸገም፡ እቲ መዋእልካ ኣብኡ ምውዳእ እዩ። ብፍላይ እቲ ምስ ሙሉእ ሓይልኻ፡ ከተፍርየሉ እትኽእል ግዜ ናይ ባዕልኻ ስራሕ ንምፍጣር ሓርኮትኮት ክትብል ክትነቕሓሉ ስለ ዘለካ ቀልጢፍካ ካብ ናይ ደሞዝተኛ ህይወት ክትላቐቕ ኣለካ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነናቱ ናይ ህይወት ዕላማ ሒዙ፡ ንመጻኢ ዝርእዮ ኣነጺሩ እዩ ዝኸይድ እምበር፡ በቲ ንግዜኡ ዝቕበሎ ደሞዝ ኣይደናገርን’ዩ። በቲ ትቕበሎ ዘለኻ ደሞዝ ውሕስነት ይስመዓካ እንተልዩ፡ ‘እቲ ውሑስ ቦታ፡ እቲ ዝዓበየ ሓደገኛ ቦታ፡ ምዃኑ ረሲዕካዮ ወይ ኣይሰማዕካ ዘለኻ ማለት’ዩ። ኣብ ሓጺር እዋን ነቲ ናይ ደሞዝ ህይወት ክትርሕቀሉ እንተ ዘይወሲንካ፡ ዓይንኻ እናረኣየ እዝንኻ እናሰምዐ ንኻልኦት ከተሀብትምን ንባዕልኻ ግን ክትድቆስን ክትነብር ኢኻ።

ሓደ መዓልቲ ሓደ መንእሰይ፡ ሓንቲ ሓዳስ ጽብቕቲ መኪና ሒዙ ናብቲ ባዕሉ ዝመስረቶን ባዕሉ ዘካይዶን ስርሑ መጸ። ሽዑ ኩሎም እቶም ሰራሕተኛታት እናተደነቑ፡ “ዓምና! ክንደይ ደኣ ትጽብቕ እያ እዛ መኪና፧” እናበሉ ክተናኽፍዋን ክድህስስዋን ጀመሩ። ሽዑ እቲ መንእሰይ ንኹሎም ኣኪቡ፡ “እወ፡ ሓቅኹም፡ ብጣዕሚ ጽብቕቲ መኪና ገዚአ፡ ኣበርቲዕኩም ብምስራሕኩምን ዝተሰርሐ ዘበለ ገንዘብ ከኣ ብግቡእ ስለ ዘመሓደርክዎን እዛ ትርእዩዋ ዘለኹም፡ ዋጋ ሓደ ሙሉእ ገዛ ዝሓዘት መኪና ገዚአ። ብሕጂውን፡ ኣበርቲዕኩም እንተሰሪሕኩም፡ ንጉሆ ኣብ ግዜኹም እንተ ተረኺብኩም፡ ነዚ ትካል ብዘለኩም ሙሉእ ዓቕሚ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ክበጽሕ እንተ ጌርኩም፡ ንዓመታውን ካብዚኣ ትበልጽ ንሰበይተይ ክገዝኣላ እየ።” ብምባል መስደመምን ሓቅን መልሲ ሃቦም ይበሃል። ርኢኹም፡ ደሞዝተኛ ምዃን ማለት ንኣስራሕትኻ እናኣሀብተምካ ንባዕልኻ እናተደቖስካ ህይወትካ ዘጎሳቑል ቊራቦ ምዃኑ ክርድኣና ኣለዎ። ኣስተውዕል፡ ደሞዝተኛ ኩሉ ግዜ ንኻልእ እዩ ዝዓዪ!

ኣበርቲዕካ ክትጽዕር፡ ልዕሊ እቶም 90% ሰባት ናይዛ ምድሪ ክትሰርሕ ዘይትኽእል እንተኾንካ፡ ደጋጊምካ ክትፍትን ዘሰልችወካ እንተኾይኑ፡ ቀልጢፍካ ተስፋ ትቖርጽ እንተኾንካ፡ ኪድ ኣብ ዝኾነ ትካል ኳሕኲሕካ፡ ደሞዝተኛ ክትከውን ተቖጸር። ምኽንያቱ ንስድራኻ ንከባቢኻ፡ ብዓቢኡ ንሓዳርካ ናይ ነዊሕ ፍታሕ ከተምጽእ ዘይኮንካ ትደሊ ዘለኻ፡ ንሎሚ ዝኸውን ዝብላዕ ኢኻ ትደሊ ዘለኻ። እዚ ኣብ ዝኾነ ገዛ ኣይትስእኖን ኢኻ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ህይወትካ ክበልዖ’ዩ። ደሞዝተኛ ምዃን፡ ሎሚ በሊዕካ፡ ጽባሕ ክትወጾ ዘይትኽእል ከቢድ ሽግር እዩ ዘዳልወልካ።

ብደሞዝ ወድኻ ይኹን ጓልካ ምስ ኣኸሉ ከተመርዕዎም ኣይትኽእልን ኢኻ። እግዚኣብሄር ረዲእና ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ጽቡቕ ርድኢት ዘለዎ ሕብረተሰብ ኢና ተፈጢርና። ነፍሲወከፍ ቤተሰብን ካልኦት ፈተውትን፡ እቲ ሓደ ናይ ጣፍ፡ እቲ ሓደ ናይ ሕሩድ፡ እቲ ሓደ ናይ ባድላ፡ እቲ ሓደ ናይ ቬሎ፡ እቲ ሓደ ናይ ካሜራ፡ እቲ ሓደ ናይ መናፈሻ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ናይ መኪና ወዘተ ስለ ዝዓጽዉልና እዩ እምበር ብደሞዝ ከመይ ጌርና ደቅና ከነመርዑ፧ ኣይከኣልን’ዩ! ስለዚ ኣብ ባዕልኻ ኣውፍር፡ ርእሰማል ከም ዝህልወካ ግበር፡ ናትካ ስራሕ፡ ናትካ ትካል ፍጠር፡ ክሰር፡ ሓደ መዓልቲ ኸኣ ካብ ኩሉ ክሳራታትካ ተማሂርካ ትኸስብ፡ ውደቕ፡ ሓደ መዓልቲ ኸኣ ብጽቡቕ ኣተሳስኣ ትትንስእ። ህይወትካን ስድራኻን ከባቢኻን ኩሉ ብኣኻ ተለዊጡ ክትርኢ ኢኻ። ኣብቲ ንግዜኡ ጥራይ ናብራኻ ከተካይደሉ ዘኽእለካ፡ ሓደ ሓደ ግዜውን ክራይ ገዛውን እኳ ክዓጽወልካ ዘይክእል ደሞዝ ኣይትደረት። ሰላም!

Leave a Reply