You are currently viewing 0007 ዓሰርተው ሸውዓተ ምኽርታት ንትጉሃት ሰራሕተኛታት!

0007 ዓሰርተው ሸውዓተ ምኽርታት ንትጉሃት ሰራሕተኛታት!

  1. ስለ ዝኣረግካን ዓቕሚ ስለ ዝሰኣንካን ካብ ስራሕ ክትጽልጸልን ናይ ኣሪግካ ኢኻ ምልክት ዝኾነት ጥሮታ ምውጻእን እቲ ዝኸበደ ክፋል ናይ ህይወት እዩ። ልዕሊ 90% ካብቶም ምስ ኣረጉ ካብ ስራሕ ዝጽልጸሉ ልዕሊ 90% ናይ ግዚኦም ኣብቲ ስራሕ ዘሕለፉዎ እዮም። ስለዚ እዮም ስራሕ ምስ ኣቋረጹ ምስ ስድርኦም ግዜ ከሕልፉ ዝኸብዶም። ምስ ሰበይቶምን ደቆምን ፈጺሞም ኣይወሃሃዱን እዮም። ስለዚ እዮም ክሳብ ዝሞቱ ክሰርሑሉ ዝኽእሉ ካልእ ስራሕ ሃሰው ክብሉ ዝነብሩ። ግዜ ከሕልፉሉ ዝኽእሉ ካልእ ስራሕ እንተ ዘይረኺቦም ከኣ ብጭንቀት ዝኣክል ቀልጢፎም እዮም ዝሞቱ።
  2. ካብ ገዛኻ ከይትፍለ። ስራሕ በርቲዕኒ ኢልካ ንሓዳርካ ግዜ ምሃብ እንተ ኸሊእካዮም፡ ኩሎም ደቅኻ ምስ ጎበዙ ዓለም ኣብ ዝቐረበትሎም፡ ነናቶም ኣንፈት ሒዞም ነተን ዝተረፋ ግዜኻ ክትጠዓስ ክትነብር ክገብሩኻ እዮም። ንስራሕካ ቀዳምነት ሂብካ ንሓዳርካን ደቅኻን እንተ ጎሲኻዮም፡ ሓደ መዓልቲ ስራሕካን ሓዳርካን ደቅኻን ኩሎም ክጠልሙኻ እዮም። ስራሕካ ንስኻ ሃሊኻ ኣይሃሊኻ ዝስራሕ ስራሕ’ዩ። ንስኻ ጥራይ ኣይኮንካን ኣብ ቦታኻ ብቑዕ ሰብ፡ ካባኻ ንላዕሊ ጌሩ ከካይዶ ዝኽእል ሰብ ኣሎ። ሓደ መዓልቲ ኸኣ ቦታ ስርሕካ ብኻልእ ተተኪኡ ምስ ረኣኻዮ፡ እቲ ምስ ሓዳርካን ደቅኻን ከተሕልፎ ዝግበኣካ ነቲ ብኻልእ ዝተተክአ ስራሕካ ስለ ዝሃብካዮ ክትጠዓስ ኢኻ። ኣብ ሓዳርካ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ኣብዛ እዋን ኢኻ ናይ ኩሉ ቀዳምነት ሓዳርካ ጌርካ ግዜ ክትህቦም ዘለካ።
  3. ንስልጣን ኢልካ ኣይትጓየ። ብቕዓትካ እናዕበኻ እንተ ኼድካ፡ ስራሕካ ብጽፉፍ እንተ ዓዪኻ፡ ኣብ ግዜኻ እሙን እንተ ዀንካ፡ እኹል’ዩ። ሓላፍነት እንተ ወሰኹኻ ጽቡቕ፡ እንተ ዘይወሰኹኻ ግን ርእስኻ ኣይትጉዳእ። እቲ ሕጂ ትጐዮ ዘለኻ ድሒሩ ብውልቅኻ ክጠቕመካ’ዩ። እንተ ወሓደ ሕጂ ብትጉህነትካን እሙንነትካን ክብረትካ ሓሉ። ብድሕሪኡ ናትካ ስራሕ ክትገብር ከለኻ እቲ ኩሉ ዋጋ ዝኸፈልካሉ ግዜ ክኽሕሰካ እዩ።
  4. ኣብ ቦታ ስራሕ ኰንካ ሓሜት እቲ ዝሓሰረን ዝረኸሰን ስራሕ’ዩ። ስምካን ክብርኻን ክብልለልካ’ዩ። ነቶም ስጋ መሳርሕትኻን ሓለፍትኻን ክበልዑ ዝውዕሉ ሓመይቲ ኣይትጸምበሮም። ሰባት ከልዕሉ እንከለዉ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ስለ ዝመልኡ፡ ብኣሉታ ጥራይ እዮም ዘልዕልዎም፡ ንዓኻውን ካብቲ ክፉእ ሓሳቦም ከዕርቑልካ’ዮም። ብድሕሪኡ ንዕኦም ክትመስል ኢኻ። ንስኻ ካባታቶም ምስ ተፈለኻውን ኣርእስቲ ሓሜቶም ትኸውን ንስኻ ምዃንካ ኣይትዘንግዕ።
  5. ምስ ኣስራሕትኻ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ኣይትወዳደር፡ ክትቃጸል ኢኻ። ምስ መሳርሕትኻ ኸኣ ከምኡ ኣይትወዳደር፡ ክትፈኲስ ኢኻ። ስቕ ኢልካ ጥራይ ስራሕካ ስራሕ። ስርሑ ሰሪሑ፡ ንስርሑ ዘዕብን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝሰጋገርን ሰራሕተኛ ጥራይ እዩ ይሰርሕ ኣሎ ዝበሃል። ምስ ኣስራሕትን ምስ መሳርሕቱን ክወዳደር ዝውዕል ኣይዓብይን’ዩ።
  6. ካልኣይ ስራሕ ግድን እዩ ዘድልየካ። ደሞዝካ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ፡ ቀስ እናበለ ክቐትለካ ስለ ዝኾነ፡ ካልእ ባዕልኻ ተካይዶ ስራሕ ፍጠር። ደሞዝካ ውሕስነት የብሉን። ኣብ ግዜ ሽምግልናን እርጋንን ወላሓንቲ ጥቕሚ ዘይብሉ ግዚያዊ ጡጦ እዩ።
  7. ኣብ ባንክ ዘይኮነ ኣብ ቀዋሚ ንብረት እናቖጠብካ ኪድ። እንተ ተኻኢሉ ወርሓዊ ካብ ደሞዝካ ከም ዝቑረጽ ግበር። እዚ ገንዘብ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ንርእስኻ ባዕልኻ ጥሮታ ከተውጽኣ ክሕግዘካ’ዩ። ገንዘብ፡ ካብ ኣብ ባንክ ምቕማጥ፡ ብውሑድ ዓቐን ምውፋር ኣብ ነዊሕ ዓመታት ብዕጽፍታት ይበልጽ።
  8. ዳግማይ ንኸተውፍሮ ደኣምበር፡ ንኽትበልዖን ንኽራይ ገዛን ኢልካ ከይትልቃሕ ተጠንቀቕ። ብዘይካ’ዚ፡ ንለውጢ እንተ ዘይኮይኑ ንዘንጸባርቕ ነገራት ክትዕድግ ኢልካውን ኣይትለቃሕ። ክትልቃሕ ብግዲ እንተ ዀይኑ፡ ንስራሕ ኢልካ ጥራይ ተለቃሕ።
  9. ኣብ ስራሕካ ትረኽቦ ደሞዝን ካልእ ረብሓታትን እቲ ናይ ሽምግልናን እርጋንን ግዜኻ ከረስዓካ ኣይተፍቅደሉ። ደሞዝካን ኣበላትካን ናይታ ንግዜኡ ተገልግላ ዘለኻ ስራሕ፡ ንግዜኡ ዝጸንሕ ረብሓ ጥራይ እዩ። ንስኻ ክሳብ ስራሕ ተቋርጽ ኣይጸንሑን እዮም። ደሞዝ እናተቐበልካ ጥሮታ እንተ ወጺኻ፡ ደሞዝ እናተቐበልካ ጥሮታ ክትወጽእ ከም ዘይነበረካ ከጣዕሰካ ስለ ዝኾነ፡ ናተይ ትብሎ ክትገብር ኩሉ ግዜ ንቑሕ ኩን።
  10. ንርእስኻ እሙን ኩን፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተኣማመን። ካብ ስራሕ ወጻኢ ምስ ኣስራሒኻ ወይ ሓላፊኻ ዝኾነ ርክብ ከይህልወካ ተጠንቀቕ። ንሱ ምስ ተኣለየ ኩሉ ነገርካ ክትከስር ኢኻ። ኣብ ርእስኻ ምትእምማንን ብዝተዋህበካ ዕዮን ገንዘብን ንብረትን እሙን ምዃንን ግን ዋላ ኩሉ ዓይነት ለውጢ ይምጻእ ኣይትጠፍእን ኢኻ።
  11. ኣብ ትሕቲ ሰብ ኰንካ ትሰርሓሉን ደሞዝ ትቕበለሉን ግዜኻ ኣሕጽሮ። እንተ ዘይኮይኑ፡ ዕድመኻ ከሕጽሮ’ዩ። ኣቐዲምካ፡ ጥሮታ ምውጻእ ኣይትጽልኣዮ፡ ምኽንያቱ እንተ ፈቲኻ እንተ ከይፈተኻ ሓደ መዓልቲ ጥሮታ ምውጻእካ ኣይተርፈካን’ዩ። ንመዋእል ዝሰርሕ ሰብ የለን። ሕጉስ ዝተረፈ ህይወት ከተሕልፍ፡ ኣብ 40 ክሳብ 50 ዓመት ዘሎ ዕድሜኻ ባዕልኻ፡ ናብ ካልእ ናይ ባዕልኻ ስራሕ ከም ትሰጋገር ግበር። እንተ ዘይኰይኑ ኩሎም ኣስራሕቲ ሓንቲ ኣብ ኩሎም ትርከብ ባህሪ ኣላቶም። ጉልበትን ጥበብን፡ ብቕዓትን፡ ተውህቦን፡ ተመኩሮን ሰባት ጦቢቦም ኣይጸግቡን’ዮም። ናትካ ምስ ወድኡ ናብ ካልእ እዮም ዝሰግሩ። ስለዚ ንቕሓሉ።
  12. ናይ መንግስቲ ወይ ናይ ትካል ገዛ ክህልወካ ጽቡቕ እኳ እንተ ኾነ፡ ናትካ ቤት ክህልወካ ግን ዝመስልዎ የለን። ካብቲ እቶም ትሰርሓሎም ትካል ዝሃቡኻ ገዛ ትወጻሉ ግዜ ኣሎ፡ ካብ ገዛኻ ግን ዘውጽኣካ የብልካን። ካብቲ ስራሕካ ዝሃቡኻ ገዛ፡ ኣብታ ናይ ኣፍራይነት ብቕዓትካ ዘጉደልካላ መዓልቲ ወይ ዝኾነ ንሳቶም ዓብዪ እዩ ዝበልዎ ጌጋ እንተ ፈጺምካ ኢኻ ትወጽእ። ካብ ቤትካ ግን ድኸም፡ ተጋገ፡ ብዘይካ ሞት ካልእ ኣይፈልየካን እዩ። ንሱ ኸማን ናብ ደቅኻ ይሰጋገር እምበር ዝወርሰካ የለን።
  13. ካብ ስራሕካ ወጺኻ ናይ ሓዳርካ ኣመት ጥራይ ግበር፡ እታ ናይ መጻኢ ክትጽብቐልካ ትደልያ ቤት ባዕልኻ ኢኻ ትሃንጻ። ድሕሪ ናይ ስራሕ ሰዓታትካ ትውስኖ ውሳኔታት ኣብ ግዜ እርጋን ሽምግልናን ከተሕልፎ ዘለካ ግዜ መንጸፍ እዩ። ድሕሪ ናይ ስራሕ ሰዓታትካ ኩሉ ግዜ ኣብ ምዝንጋዕ ተሕልፎ እንተዀንካ፡ መጻኢኻ ተጸልምት ከም ዘለኻ ክርደኣካ ኣለዎ። ሕጂ ምስ ሓይልኻ እንከለኻ ዋጋ ዘይከፈልካሎምን ግዜ ዘይሃብካዮምን ሰበይትኻን ደቅኻን ምስ ኣረግካ ግዜ ኣይህቡኻን’ዮም፡ ኣየልዕሉኻንውን’ዮም። ኣተዓባብያኦምን እቲ ዘርኣኻዮም መገድን ምስ ሸምገልካ ክትዓጽዶ ኢኻ። ጽባሕ ንጉሆ፡ ኢድካ ሓፍ ኣቢልካ ዘይትኽእለሉ፡ ግዜ ክመጽእ’ዩ። እርጋን ካብ ሞት ይኸብድ። ኣብዚ ናይ እርጋን ግዜ እቲ ክሳብ ኣብ ዝብጻሕ ዝበጽሕ ግዜ ዝሃብካዮን ዝደገፍካዮን ጥራይ እዩ ክድግፈካ ዝኽእል። ንሱ ኸማን ውላድካ ስለ ዝኾነን ብትግሃት ንዕኡ ተወፊኻ ስለ ዘዕበኻዮን እዩ።
  14. ደሞዝተኛ እንከለኻን ኣብ ኣገልግሎት እናሃለኻን ዝኾነ ፕሮጀክት (መደብ ውልቃዊ ስራሕ) ጀምር። ባዕሉ ክጐዪ ዝኽእል ፕሮጀክት ግበሮ። ክሰርሓልካ እንተ ዘይከኣለ፡ ክሳብ ዝቐንዓካ ስቕ ኢልካ ካልእ ትልምታት ኣውጽእ። ምስ ቀንዓካ፡ ካብ ዋናታት ናይ ስራሕካ ዝሰጉኻ፡ ባዕልኻ ክትፋኖ ከም ትደሊ ንገሮም። ናትካን ባዕሉን ዝንቀሳቐስ ስራሕ ንዕድሜኻ ሙሉእ እዩ ዘናብረካ፡ ደሞዝ ግን ክሳብ ትኣርግ ጥራይ፡ ብቕዓትካ ብኻልእ ክሳብ ዝትካእ ወይ ክሳብ ብቴክኖሎጂ ዝልወጥ እዩ ዘጻንሓካ። ኣብዚኣ ክትጋገያ ዘይብልካ ናይ ባዕለይ ስራሕ ክጅምር’የ ኢልካ ኣቐዲምካ ስራሕ ከይትሓድግ። እቲ ስራሕ ደሞዝተኛ ከለኻ ጀምሮ፡ ብድሕሪኡ ጽቡቕ ከም ዝተበገሰን ከናብረካ ይኽእል ምዃኑን፡ እናዓበየ ከም ዝኸደልካ ምስ ኣረጋገጽካን ጥራይ እቲ ደሞዝ ትኽፈለሉ ስራሕካ ሕደጎ። ዝበዝሑ ሰባት እዚ እዮም ዝጋገዩ። ናይ ባዕሎም ስራሕ ክጅምሩ ኢሎም ኣብ ትሕቲ ትካላት ኰንካ ምስራሕ የቋርጹ እሞ እቲ ክጅምርዎ ዝሓሰቡ ስራሕ ምስ ዘይቀንዖምን ምስ ዘኽስሮምን ይስበሩ።
  15. ናይ ጥሮታ ገንዘብ፡ ገዛ ምስርሒ ኣይኮነካ፡ ትካል መኽፈቲ ኣይኮነካ፡ ዋላ ንወፍሪ ኣይኮነካን’ዩ። ናይ ጥሮታ ገንዘብ፡ ወርሒ ወርሒ ከይትመውት ንኽትነብር እናቖጠብካ ንናይ ወርሒ ቀለብካ እየን ክኾና ዝኽእላ። ርእስኻ ክትክእል ጥራይ እየን ዝጠቕማኻ እምበር፡ ንቖልዑ ክትድግፈለን ኣይትኽእል፡ ሓዳር ክትኣልየለን ኣይትኽእል። ስለዚ ንዕአን ምጥማት ኣቋሪጽካ ብትግሃትካ ናይ ባዕልኻ ምንጪ ኣታዊ ወይ ኣታዊታት ከኻዕብተልካ ዝኽእል ኣመንጩ።
  16. መምሃሪ ኣይግበርካ፡ መምሃሪ’ንከ ኣይኽላእካ ከም ዝበሃል፡ ካብ ስራሕ ምስ ተሰጐግካ፡ ንናይ ኮሌጅ ተማሃሮ፡ ናይ ‘ዘይተዓወቱ ሰባት’ ናይ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣብነት ኢኻ ትኸውን እምበር፡ ባህ እናበለካ ትነብሮ ጥዑም ህይወት ኣይትመርሕን ኢኻ። ነቶም ከማኻ ዝበሉ ደሞዝተኛታት ከኣ ጽቡቕ ኣብነት ኢኻ ትኾኖም። ብፍላይ ነቶም ዘስተውዕሉ፡ ኣቐዲሞም ባዕሎም ደሞዝተኛነት ሓዲጎም ናቶምን ባዕሎም ዘካይድዎ ስራሕ ንኽኸፍቱ ኢኻ ተነቓቕሖም። ስለዚ ኣቐዲምካ ንስኻ ንባዕልኻ ንቕሓላ።
  17. መበገሲ እንተልዩካ፡ ቅድሚ ኹሉ ገዛ ስራሕ፡ ካልእ ኩሉ ዝስዕብ’ዩ። ኩሉ! ዕድሜኻ ብዘየገድስ፡ ቀዳምነት ዝስራዕ ገዛ እዩ። ወርሓዊ ክራይ እናኸፈልካ ንባዕልኻ ኣይትሳቐ። ንሓዳርካን ደቅኻን ወርሒ መጸ ዝሳቐቑሉ ዘይኮነ፡ ናትና ዝብልዎ ዝዓርፉሉ ገዛ ግበረሎም። ዘይተመርዓኻ እንተ ዀንካ፡ ንዓኻን ነቶም ኣብ መጻኢ እተፍርዮምን ዝኸውን ቤት ክህልወካ ክኽእል ኣለዎ። ሰላም!

Leave a Reply