You are currently viewing 0009 ኩዕሶ እግሪ ስርዓት ኣለዎ፡ ክርስትና ኸኣ ስርዓት ኣለዎ

0009 ኩዕሶ እግሪ ስርዓት ኣለዎ፡ ክርስትና ኸኣ ስርዓት ኣለዎ

ኩዕሶ እግሪ ብመሪሕነት ዳኛ፡ ብፊስካን ብጫን ቀይሕን ካርድ ስርዓት ክሕዝ ከሎ፡ ክርስትና ሜዳ ኸኣ፡ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ፡ ዝምራሕ ህይወት እዩ።

ብቐይሕ ካርድ ምብራርን፡ ሽቶ ምምዝጋብን ሓጎስካ ምጽንባልን ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ይርአ፡ ኣብ ህይወት ክርስትና ኸኣ፡ በቲ ሓይሊ ዝህበካ ክርስቶስ ሰዓሪ ምዃንን፡ ብሰይጣንን ብዓለምን ብስጋን ተሳዒርካ ካብ ሜዳ ምውጻእን ኣሎ። እዚ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ህይወት እዩ። ከምቲ ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ እናተሸናዳሕካ ዳኛ ስቕ ኢሉ ዘይርኤካ፡ ሓንሳእ ንክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኻ ስለ ዝተቐበልካ፡ መሰል ውሉድነት ስለ ዘሎካ፡ ስርዓት ብዘይብሉ መንገዲ፡ ከም ድላይካ እናኸድካ ትድሕን ማለት ኣይኮነን።

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 1ቈረ 3፡17 ከምዚ ኢሉ ኣሎ፡ “ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም።” እዚ ክብል ከሎ ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ተቐቢሉ ዘሎ ሰብውን ደኣምበር፡ ንመሳደድቱ ወይ ንተቓወምቱ ጥራይ ኣይኮነን። ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ይብል ቀጺሉ እቲ ሃዋርያ፡ ‘ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።’ ብምባል ይምህረና።

እቲ ኣባና ዘሎ መንፈስ፡ ኣካል ኣለዎ። ከምቲ ንሕና ትጉህዮ ንሱውን ይጉሂ’ዩ፡ ከምቲ ንሕና ንሕጎሶ ንሱውን ይሕጎስ። ስለዚ እቲ ንመዓልቲ ምድሓን ዝተሓተምኩሙሉ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ብተደጋጋሚ እንተ ጐሃየ ኸኣ፡ ካባኹም ናይ ምእላይ ተኽእሎ ኣለዎ። ኣምላኽ ናይ ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ፡ ከምቲ ሕብረትና ምስ ኣምላኽን ምስ ወዱን ዝኾነ ዓይነት ሰብ ኰንና ክንመላለስ እዩ ዝደሊ። ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፡ ንሕና መዓይይቲ ዄንና፡ ንምዕደኩም ኣሎና። ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ’ሞ፡… ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ። ይብል እቲ ጥርዚ መልእኽቲ።

ምኽንያቱ “እቲ ብፍልጠት ክብሩን ደግነቱን ዝጸውዓና ኣምላኻዊ ሓይሉ ንህይወትን ንፍርሃት እግዚኣብሄርን ዚኸውን ኵሉ ኻብ ዚህበና፡ ብእኡ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ዝረኸብና፡ ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ ኻብ ዘሎ ጥፍኣት ወጺእና፡ ተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ፡ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ፡ ኣብቲ ደግነትውን ፍልጠት፡ ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፡ ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፡ ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ። እዚ ነገርዚ እንተ ኣሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሐድገኩምን እዩ። እቲ እዚ ነገርዚ ዜብሉስ፡ ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ ምጽራይ ዝረስዔ፡ ዕዉር፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዚርኢ እዩ። ስለዚ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንጽውዓኹምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉ። እዚ እንተ ገበርኩምሲ፡ ከቶ ኣይከተንደልህጹን ኢኹም። ከምኡውን ናይቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ኪውሀበኩም እዩ።” (2ጴጥ 1፡3-11)

ኣብ ጸወታ ኲዕሶ እግሪ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ፍዂስ ዝበለ መጉዳእቲ እንተ ፈጺምካ ኢኻ ብጫ ትወሃብ። ተወሳኺ ከምኡ ዝበለ መጉዳእቲ እንተ ፈጺምካ ኸኣ ካልኣይ ብጫ ይወጸልካ እሞ፡ ተደሚሩ፡ ካብ ጸወታ ከም ትባረር ትኸውን። ወይ ብፍላጥ ሓደ ግዜ ከቢድ ዝኾነ መጉዳእቲ እንተ ፈጺምካ ኸኣ ቀጥታ ቀይሕ ካርድ ይወጸልካ እሞ፡ እቲ ጸወታ ምእንቲ ብሰላም ክቕጽል ንስኻ ካብ ጸወታ ወጻኢ ኰንካ ከም ትዕዘቦ ትግበር። ወይ ነታ ዘላ ጸወታን ንዝቕጽል ክልተ ሰለስተ ጸወታታትን ንጋንታኻ ወኪልካ ከም ዘይትጻወት ይውሰን። ነዚ ውሳኔ ኸኣ ከይፈተኻ ኢኻ ትቕበሎ። ስለዚ ጸወታ ኲዕሶ እግሪ እኳ ከምዚ ዝበለ ስርዓት ሓቚፉ ዝኸይድሲ ክርስትና ሜዳኸ ደኣ ከመይ ንዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ስርዓታት ዘይህልዎ፧

እቲ ኣብ ምድሪ ከም ውሉድ ኣምላኽ ክንገብሮ ዘለና ክንገብር ንጋደልን ንተግህን እንተ ዀንና፡ እቲ እግዚኣብሄር ንዓና ዝገብሮ ኸኣ ኣይክልከልን እዩ። ጴጥሮስ ሓደ ካብቶም ንቑሓት ደቀመዝሙር ክርስቶስ እዩ ነይሩ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዝጸሓፈ ኸኣ ንሱ እዩ። ስለዚ ንሕናውን ናብቲ ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ብምልኣት ክወሃበና፡ ምድሓንና ንዕቅበሉ፡ ንክርስቶስ ዝመስል ህይወት ክንነብር እዩ እዚ ዝጸሓፈ። ብቐይሕ ካርድ ካብ ምብራር የድሕነና፡ ሽሙ’ኳ ኩፉእ። እግዚኣብሄር ይባርኽኩም!

Leave a Reply