ሓደ ግዜ ፓስተር ሰመረ ወልደማርያም እከት (ኣስመራ) ኣብ ኣባሻውል ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ዝመስከረሎም መንእሰያት ይምህሮም ነበረ። ሓደ መዓልቲ ናይታ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ 8፡1-11 ዘላ ኣብ ዝሙት ዝተረኽበት ሰበይቲ’ሞ፡ እቶም ህዝቢ ብእምኒ ዳርባ ክቐትልዋ ሓሲቦምሲ፡ መኽሰሲ ምእንቲ ክረኽቡሉ ግን እንታይ ከም ዝፈርዳ ክርእዩ ናብ የሱስ ዘምጽእዋ፡ ንሱ ግን ብተኣምር ዝኾነ ብልሂ ካብ ሞት ኣድሒኑ፡ ደጊም ከምኡ ዝበለ ጌጋ ከይትፍጽም ኣረዲኡ ዝሰደዳ፡ ምሂሩ ምስ ወደአ፡ ከም ዝተኸታተልዎ ንኸረጋግጽ፡ ‘ብዛዕባ እንታይ’የ ክምህር ጸኒሐ፧’ በሎም። ሓደ ካብኦም ኢዱ ዊጥ ኣቢሉ ከምዚ ክብል መሊሱ:
“ብዛዕባ ሓንቲ ዶና እንዲኻ ከተሐክየና ጸኒሕካ። እታ ዶና ፈንጂ ተኺላ። ሽዑ እቶም ርያል ማድሪድ ሓጀር ጌሮም ክድርብዋ ሓሲቦምሲ፡ ነቲ ሰብኣይ ማኖ ከትሕዝዎ ስለ ዝደለዩ ግን መሲጎም ናብኡ ኣጀይቦማ። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነቶም ማድሪድ ምስ ካልኦት ብዙሓት ጀምዓ ሓጀር መሲጎም ናብኡ ጀዪቦም ምስ ሽየፎም፡ ማራ ተጊጉ። ኩሎም ፈንጂ ዝተኸሉ ከም ዝነበሩ ስለ ዝነቀዮም፡ ‘እስኪ ካባኹም ፈንጂ ዘይተኸለ ሓጀር ይረምየላ፡’ ኢልዎም። ሽዑ ኣጅሊሱ ገለ፡ ሳክት ብኢዱ ኣብ ምድሪ ክኸትብ ጀሚሩ። ብድሕሪኡ እንተ ሸየፈስ ካብተን ማድሪድ ጀምሪካ ምስ ጀምዐአን ሓጀረን ረምየን ረጂዐን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ዶና፡ ‘ኣበይ ድኣ ኣለዉ እቶም ዘጀየቡኺ’ ኢልዋ። ንሳ ኸኣ፡ ‘ከይሸየፍካዮም ኩሎም ሃሪቦም ኢላቶ። ሽዑ ንሱ ኸኣ ወዲ ሹቕ ስለ ዝኾነ በሊ ከይተግድዕና ካልኣይ ግዜ ፈንጂ ከይትተኽሊ ኢሉ ኣፋንዩዋ።” ኢሉዎ ይበሃል። መምህር ሰመረ ነቲ ቋንቋ ጽቡቕ ጌሩ ስለ ዝመልኮ፡ ከየጉደለ ስለ ዝተረደኦ፡ ነቲ ትምህርቲ ጽቡቕ ከም ዝሓዞ ኣረጋጊጹ፡ ንኻልኣይ መዓልቲ ትምህርቲ ቆጸራ ሂቡዎም፡ ጸልዮም መደቦም ወዲኦም ይበሃል። ትርጉም ቃላት ይቕጽል:
ዶና – ሰበይቲ
ከተሐክየና – ከተዕልለና
ፈንጂ – ሓጢኣት (ዝሙት)
ሪያል ማድሪድ – ፈሪሳውያን
ብሓጀር ክድርብዋ – ብእምኒ ዳርባ ክቐትልዋ
ማኖ ከትሕዝዎ – መኽሰሲ ምእንቲ ክረኽቡሉ
መሲጎም – ሒዞም
እቲ ሰብኣይ – የሱስ
ኣጀይቦማ – ኣምጺኦማ
ጀምዓ – ጭፍራ (እኩባት ሰባት)
ጀዪቦም – መጺኦም
ሸየፎም – ረኣዮም
ተጊጉ – ተቖጢዑ (ሓሪቑ)
ፈንጂ ዘይተኸለ – ሓጢኣት የብለይን ዝብል
ነቅዩዎም – ፈሊጥዎም
ሓጀር – እምኒ
ይረምየላ – ይደርብየላ
ኣጅሊሱ – ኮፍ ኢሉ
ሳክት – ሱቕ ኢሉ
ክኸትብ – ክጽሕፍ
እንተ ሸየፈስ – ቅንዕ ኢሉ እንተ ረኣየስ
ጀምዐአን – ሰዓብተን
ሓጀረን ረምየን – እምኖም ኣብ ምድሪ ደርብዮም
ረጂዐን – ከይዶም (ነናብ ጉዳዮም ከይዶም)
ዘጀየቡኺ – ዘምጽኡኺ
ከይሸየፍካዮም – ከይረኣኻዮም
ሃሪቦም – ከይዶም (ሃዲሞም)
ወዲ ሹቕ – መስኪን (መሓሪ)