“ሰብ፡ ሓደ ግዜ ይውለድ፡ ምናልባት ሓደ ግዜ ይምርዖ፡ ሓደ ግዜ ኸኣ ይመውት። እዚ ሕጊ ተፈጥሮ እዩ።” ዝብል ሓደ motivational speaker እየ በሃሊ ክምህር ሰሚዐ። ሓሶት! ብርእሰ ተኣማማንነት ስለ ዝመሃሮ’የ ሓሶት’ዩ ዝብል ዘለኹ። ነቲ ሓቂ ሰሚዑ፡ ንምድሓኑ ዝኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበለ፡ ዕሽሽውን ስለ ዝበለ፡ ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ እቲ ሓሶት ትምህርቲ ስለ ዝምህር ዘሎ፡ ይጋገይ ኣይኮነን ዘሎ፡ ይሕሱ እዩ ዘሎ። እቲ ትምህርቲ ዓሚቕ ምስጢር ኣለዎ። እዚ ትምህርቲ፡ ብባዕልኻ ክትነብር ትኽእል ኢኻ፡ ንስኻ ኢኻ ናይ ባዕልኻ ኣምላኽ ዝብል ሓሶትን ሰባት ከኣ ዘጥፍእ ዘሎ ብጸለውቲ ሰባት ዝንዛሕ ዘሎ ሓደገኛ ትምህርትን እዩ።
እቲ ሓቂ ግን እዚ እዩ። ሰብ ሓደ ግዜ ጥራይ እንተ ተወሊዱ፡ ምናልባት ሓደ ግዜ ክምርዓው ይኽእል’ዩ፡ ግን ክልተ ግዜ እዩ ዝመውት። ክልተ ግዜ እንተ ተወሊዱ ኸኣ፡ ምናልባት ሓደ ግዜ ክምርዓው ይኽእል’ዩ፡ ግን ሓደ ግዜ’ዩ ዝመውት።
ሰለስተ ዓይነት ሞት እዩ ዘሎ። ኣብዚ ሰለስተ ዓይነት ሞት ከኣ ሰለስተ ደረጃታት ኣሎ። እቲ ቀዳማይ መንፈሳዊ ሞት እዩ። እዚ መንፈሳዊ ሞት ካብ እግዚኣብሄር ተፈሊኻ ምንባር እዩ። እቲ ካልኣይ ከኣ ስጋዊ ሞት እዩ። ብምርጫኻ ስለ ዘይኮነት፡ ካብዛ ሞት እዚኣ ወላሓደ ዘምልጥ የለን። ብስጋ ንዝተወልደ ዘበለ ኹሉ በብመዓልቱ፡ ብማዕረ ትብጽሖ ሞት እያ። ውጽኢት ናይዚ ክልቲኡ ሞት ከኣ ናብ ዘለኣለማዊ ሞት ትሰጋገር። ንዘለኣለም ካብ እግዚኣብሄርን ካብ ክብሩን ተፈሊኻ ትነብር ማለት’ዩ።
መንፈሳዊ ሞት ንኸይትመውት ግን ዳግም ክትውለድ የድልየካ። ካልኣይ ግዜ ምውላድ ማለት’ዩ።
ኣብ ወንጌል ዮሃንስ 3፡1-21 ሓደ ኒቆዲሞስ ዝበሃል ካህን ኣሎ። እዚ ሰብኣይ ናብ የሱስ ብለይቲ መጺኡ “መምህር ኰንካ፡ ካብ ኣምላኽ ተላኢኽካ ከም ዝመጻኻ ንፈልጥ ኣሎና።” ይብሎ’ሞ፡ የሱስ ግና፡ “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡” ኢሉ እዩ መሊሱሉ። ኒቆዲሞስ መምህር እስራኤል ክነሱ ጨኒቕዎ። የሱስ ግን ኣረዲኡ ኣፋንዩዎ። ሰብ ብልቡ ኣሚኑ እዩ ዝጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑ ኸኣ ይድሕን። ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።” (ሮሜ 10፡9-11) እዚ እንተገበርካ ኢኻ ሓደ ግዜ ትመውት፡ ንዘለኣለም ከኣ ህያው ኰንካ ትነብር። ዕድመ ምድሓን ንኹሉ ኣብ ኩሉ እዩ። እቲ ዘድሊ ግና ሓደ ነገር ጥራይ እዩ። ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ከም ናይ ውልቂ (ግሊ) መድሓኒኻ ገይርካ ምቕባል እዩ ዘድሊ።
ስለዚ፡ እቶም ኣብ ዘይገዛኹም ዝጸናሕኩም፡ እንኳዕ ናብ ገዛኹም ብሰላም ተመለስኩም፡ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ውራይ እንተ ዘይገበሩ፡ እቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ቅዱሳን መቡኦም ኰይኖም ጽቡቕን ሓጎስ ዝመልኦን ውራይ ይገብሩ ስለ ዘለዉ በዚ ባህ ይበልኩም።
እንተ እቶም ኣብ ዘይገዛኹም ኰንኩም ውራይ ሰይጣን ተጸብቑ ዘለኹም ግን ጽባሕ ንጉሆ እዛ ጠላም ዓለም ምስ ጠለመትኩም፡ ደርፊ ገሊኦም (ዓለም ክራይ ገዛ…) ከይትደርፉ ግዜኹም ኣስተውዕሉሉ። እግዚኣብሄር (እቲ ናይ ኩልና ኣቦ) ንኹልና ካብ ዘዝጸናሕናዮ ኣኻኺቡ ኣብ ገዛና ጠርኒፉና ኣሎ። እዞም ግዜ ዘሎ ኰይኑ ዝስመዓኩም፡ ‘ኣበይ ጸኒሕኩም’ ኢኹም ከይትበሃሉ እዚ ግዜ ተጠንቀቑሉ። ‘before its too late!’ ይብሉ እንግሊዛውያን፡ “ክፉእ መዓልትታት ከይመጸ፡ ባህ ኣይበለንን እትብሉሉ ዓመታት ከኣ ኸይቀረበ ኸሎ፡ ብመዓልትታት ንእስነትኩም ንፈጣሪኹም ዘክርዎ።” (መክ 12፡1)
ጾር ደቂ ህዝበይ እዩ እዚ ዘጽሕፈኒ ዘሎ። ብዙሓት ስነጥበበኛታት ኣብ ቤቶም ከም ዝተመልሱ ፈሊጠ ኣለኹ፡ ግን ብዙሓት ስለ ዘየዕገቡኒ፡ ኩሎም ናብ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣቦናን፡ ናብ ጸጋ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን፡ ናብ ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ክመጹ ናይ ወትሩ ጸሎተይ እዩ። እቲ ዕድመ ምድሓን ብሕድገት ሓጢኣት ንኹሉ እዩ። እግዚኣብሄር ኣይፈላልይን እዩ፡ “ጽድቂ ኣምላኽ ብምእማን ብየሱስ ክርስቶስ ንዚኣምኑ ዂላቶም እዩ፡ በዚ ሌላን ጒሌላን የልቦን።” (ሮሜ 3፡22) እቲ ዘድሊ ግና ሓደ ነገር ጥራይ እዩ፡ “ነታ ንሓዋሩ ካባኻ ዘይውሰድ ግደ (ሓቂ) ሓሪኻ፡ ብእኣ ምምልላስ።
እዞም ክጥዕመኩም ብኢድኩም ክውዕየኩም ብማንካ ዝኾንኩም ከኣ ወለቕ ዘለቕ ግደፉ። ሕጂ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ቤትኩም ከም ዘለኹም ፍለጡ፡ ክትኣትዉ ክትወጹ ሙሉእ መጓሰ ክትረኽቡ ኢኹም። እግዚኣብሄር፡ እቲ ኣቦይን ኣቦ ኩልናን፡ ንኹልና ኣእምሮና ይኽፈት። ኣሜን!