You are currently viewing 0006 ኣብ ጸወታ ኲዕሶ እግሪ ካብ ጸወታ ወጻኢ ወይ ኦፍሳይድ ምዃንን ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያንን

0006 ኣብ ጸወታ ኲዕሶ እግሪ ካብ ጸወታ ወጻኢ ወይ ኦፍሳይድ ምዃንን ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያንን

ክርስትያናዊ ህይወት ልክዕ ከም ጸወታ ኩዕሶ እግሪ እዩ። ኩሉ እቲ ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዝርአ ጽቡቕ ነገራትን ጌጋታትን ሕማቕ ነገራትን ኣብ ህይወትና ክንቃንየሉ ዝኽእል ተምሳሌት ኣለዎ። ንሎሚ ሓንቲ ካብቲ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ንወገን ጋንታ ካብ ዘሸግሩን ኣብ ቤተክርስትያን ድማ ኣገልግሎት እግዚኣብሄር ዝኾላልፍን ኣገዳሲ ነጥቢ ከስዕበልኩም:

ካብ ጸወታ ወጻኢ ምዃን: እዚ ብልምዲ ኦፍሳይድ ኢልና ንጽውዖ ጌጋ፡ ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ሽቶ ከተመዝግብ ኢልካ፡ ወገንካ ከተሐጉስ ምፍታን’ዩ፡ ብፍላይ ከኣ ንኣሰልጣኒኻን ወናኒ ጋንታኻን፡ ደገፍትኻን። ካብ ጸወታ ወጻኢ ምዃን፡ ስስዕቲ ብዝተሓወሶ ኣካይዳ፡ በይንኻ፡ ኩዕሶ ከይሓዝካ፡ ንተኸላኸልቲ ሓሊፍካ፡ (ኲዕሶ ክትመጸካ እናተጸበኻ) ናብ ከባቢ ልዳት ኣንጻር ጋንታ ብምጉያይ እዩ ዝፍጸም። ኣብዚ ከባቢ እንከለኻ ካብ ደቂ ጋንታኻ ኩዕሶ ምስ እትቕበል፡ ኩዕሶ ናብ ሰኪዐት ኣንጻር ጋንታ ጸንብራ፡ ኣይትጸንብራ ብዘየገድስ ብደያኑ ካብ ጸወታ ወጻኢ (ኦፍሳይድ) ተባሂልካ ኩዕሶ ናብ ኣንጻር ጋንታ ክትወሃብ እዩ ዝውሰን።

እዚ ኣብ ህይወት ክርስትና ክንርእዮ ከለና፡ ኣብ ዘይቦታኻ ዀንካ ከተገልግል ምፍታን እዩ። ድሒንካ ኢኻ፡ ውሉድ እግዚኣብሄር ኢኻ፡ ግን ኣቦኻ (መንፈስ ቅዱስ) ኣብ ዘይበለካ፡ ቦታ ኰንካ ምዕያይን ዕዮ እታ ብገዛእ ደም የሱስ ዝተጠርየት ቤተክርስትያን ንድሕሪት ምጉታትን እዩ። ንጸላኢ ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ክትረግጾ ዝተጻሕፈልካ ቃል እዩ፡ ግን ኣብ ቦታኻ ኰንካ፡ ህድእ ኢልካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃኑ እናስተብሃልካ፡ በቲ ሕጊ ኣገልግሎት እናተመራሕካ፡ ደኣምበር፡ ተሃዊኽካን ሰሲዕካን ዝግልገል ኣገልግሎት ክርስትና የለን።

ኣቦኻ ብኣገልግሎትካ ባህ ክብሎ፡ ብጽቡቕ ውህደት ምስ ኣሕዋትካን መገላግልትኻን ምስ እትዓዪ እዩ። እዚ ክብል ከለኹ ግን፡ ካብ ጸወታ ወጻኢ (ኦፍሳይድ) ኰንካ ማለት ውሉድነታካ ተመንጢልካ፡ ህይወትካ ከሲርካ ማለት ኣይኮነን፡ እቲ ጸወታ (እቲ ዕዮ) ይቕጽል እዩ፡ ከምቲ ዝግበኦ ግን ኣይከናወንን። ብኸምዚ ዝስዕብ እንተረኣናዮ ክርደኣና እዩ፡ ኣብ ቤተክርስትያን ብዙሕ ኣገልግሎት’ዩ ዘሎ። ኩሉ ኣባል ቤተክርስትያን ከኣ ኣገልጋሊ ክርስቶስ’ዩ፡ ኣብ ዘይቦታኻ ኰንካ ከተገልግል ምብሃግን ምጉያይን ግን፡ ቤተክርስትያን ግቡእ ኣገልግሎታ ንኸይተካይድ ዝዕንቅጽዋን ንድሕሪት ዝጎትትን እዩ’ሞ፡ ንጠንቀቕ፡ ቦታና ነለሊ።

እዚ ነቶም ብፎርፋይት ዝሰዓሩ ኣይምልከትን እዩ። ነቶም ኣብቲ ጸወታ ዝኣተዉ (ሕሩያት) እዩ ዝምልከት። እዚ ነቶም ንጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኦም ዝተቐበልዎ ዳግም ዝተወልዱ ክርስትያናት ጥራይ ይምልከት። “ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ።” (ዮሃ 3፡18)

“ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሎሚ ኺብሃል ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዓዱ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናዓሸዎ ኸይተርር እሞ፡ ምናልባት ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህሉ፡ ተጠንቀቑ።” (እብ 3፡12-13) እዚ ቃል እዚ መጀመርታ ንርእሰይ (ንባዕለይ) እየ ዝብሎ ዘለኹ፡ ቀጺለ ኸኣ ንዓኹም። እዛ ትቕጽል ጥቕሲ ከነንብባን ከነስተንትናን ባህ ይብለኒ፡ ተባረኹ። “ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ ኣሎኒ፡ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ።” (ፊሊጲ 3፡13-14)

Leave a Reply