ንመጻኢ ጽቡቕ መተንባህታ እትህበና ታሪኽ ከዘንትወልኩም። ከየባተኽና ብዕላማ ንምስራሕ ትጠቕመና ታሪኽ ሓደ ቻይናዊ ሓረስታይ እያ። እዚ ሓረስታይ ኣብ ሓደ ዓቢ ሕርሻ፡ ናይ ኣርቃይ (bamboo tree) ዝተባህለ ተሪርን ነዊሕን ከይቦኽቦኸ ነዊሕ ዓመታት ክጸንሕ (ከገልግል) ዝኽእልን ፍረ ዘሪኡ ከም ኩሉ ሓረስታይ ፍርያቱ ይጽበ ነበረ። እቲ ዘርኢ ከም ኩሉ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ዘሪኡ ማይ ከስትዮ፡ ክኹስኩሶን ክድኲዖን ካልእ ዘድልዮ ዘበለን ክገብረሉ ጀመረ። ሰለስተ ወርሒ ተጸብዩ ወላሓንቲ ለውጢ ኣይረኣየን። ተስፋ ከይቆረጸ እናዓየየ ሽዱሽተ ወርሒ ኰይኑ ወላሓንቲ ዝርአ ለውጢ የለን። ተስፋ ከም ሓረስታይ ከም ዝበሃል፡ ተስፋ ኣይቆረጸን ጥራይ ዘይኮነ ከብቲ ኣቐዲሙ ዘስትዮ ዝነበረ ዝያዳ ማይ ከስትዮ ጀመረ። ከም ኩሉ ሰብ ዘይበቁል ዘርኢዶ ደኣ ይኸውን፧ መሽሚሹ ሞይቱዶ ይኸውን፧ መርገምዶ ኔሩኒ ደኣ፧ ይጋገ ድየ ደኣ ዘለኹ፧ ዝብል ሕቶታት ፈጢሩሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን ሕጂውን ከምዚ እናበለ ትሽዓተ ወርሒ ኰይኑ፡ ወላሓንቲ የለን።
ድሕሪ ነዊሕ ኣዋርሕ፡ ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ኩሎም ሓረስቶት ‘ውጽኢት ንዘይብሉ፡ ማይ ተባኽን ኣለኻ!’ እናበሉ ብሓባር ተላዓልዎ። ሓደ ዓመት ምስ ገበረ’ሞ ኸኣ፡ ሙሉእ ዓዲ ‘ጽሉል ድዩ እዚ ወዲ!’ ክብልዎ ጀመሩ። ካብቶም ክምዕድዎ ዝመጹ እቶም ዘላግጹሉ ይበዝሑ ነበሩ። ክልተ ዓመት ሓሊፉ፡ ኣየዕረፈን፡ ወላሓንቲ ዝርአ ለውጢ ግን ኣይነበረን። በቃ ዓዲ ኩላ ከም ዝዓበደ ርግጸኛ ዀነት። ብመሰረት ገለ ገለ ፈላስፋታት ሓደ ካብቲ ምልክታት ጽላለ፡ ‘ፍልይ ዝበለ ውጽኢት (ረብሓ) ክትረክብ ብምባል፡ ንሓደ ነገር ከየቋረጽካ፡ ደጋጊምካ ምትግባር እዩ’ ዝብል እምነት ኣሎ።
እዚ ትጉህን ብእምነት ዝመልአ ሓረስታይ ቻይና ኸኣ ነዛ ምልክት ብዘይ ጎደሎ ስለ ዘተግበራ፡ ሓቆም’ዮም ደቂ ዓዱ ‘ተጸሊሉ’ዩ!’ ክብሉ የብል እዩ። ዝከኣሎም ክምዕድዎን ክገንሕዎን ጀመሩ፡ ንሱ ግን ንተስፍኡን ንእምነቱን ዝኸውን ደኣምበር ንእኦም ዝሰምዕ እዝኒ ስለ ዘይነበሮ፡ ከምኡ እናበለ ድሮ ሳልሳይ ዓመት በጺሑ። ኣብዚውን ደው ኣይበለን፡ ቀጺሉ፡ ክረምቲ፡ ቀውዒ፡ ሓጋይ፡ ጽድያ እናበለ ብዘይ ዝኾነ ምልክት ሓሙሽተ ዓመት ኰነ። ኩሎም ደቂ ዓዱ ክብልዎ ዘለዎምን ክገብርዎ ዘለዎምን ኩሉ ጌሮም ረብሪቦም ስለ ዝኾኑ፡ ድላዩ ይኹን ኢሎም ሓዲጎሞ እዮም።
ሻድሻይ ዓመት ምስ ረገጸ፡ ሓደ ንጉሆ ካብ ድቃሱ ተንሲኡ ናብ ግራቱ ኣበለ፡ ኣዝዩ ብዘገርም መገዲ፡ እቲ ዘርኢ ጥራይ ዝነበረ ፍረታት፡ ‘ዘርኢ ምዃን ይኣኽለኒ’ ክብል፡ መሬት ቀዲዱ ቆጽሊ ተሓንጊሩ ነቲ ግራት መልኦ። ኣብ ኣዝዩ ሓጺር መዓልታት ከባቢ ሓደ ሜትሮ ኰነ። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ሰሙን እቲ ኣቑጽልቲ ኣርቃይ ምዃኑ ከርኢ ኩሉ ካብ 20 ሜትሮ ንላዕሊ ኰነ። ኣዝዩ ሰፊሕ ግራት ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ከይተሓለለ ልዕሊ ሽዱሽተ ዓመት ዝዓየየ ሰብኣይ ኣዝዩ ዓቢ ሓጎስ ኰነሉ። ምሻጥ ጀመረ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ኣታዊ ከኻዕብተሉ ጀመረ።
ኩሎም ጎረባብቱን ደቂ ዓዱን ነዛ ንሱ በጺሑዋ ዘሎ ንኽበጽሑ እንተወሓደ ሽዱሽተ ዓመተ ከየቋረጹ ንሱ ዝገበሮ ዝበለ ኩሉ እናገበሩ ክግብሩ ኣለዎም ወይ ነቲ ኣዝዩ ተደላዪ ዝኾነ ኣርቃይ ካብኡ ብኽቡር ዋጋ ክገዝኡ ኣለዎም! መልእኽተይ እዚ’ዩ: ተስፋ ምቑራጽ እቲ ዝኸፍአ ሕማም ናይ መንእሰያት እዩ። ካብዚ ሓረስታይ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። ክሳብ ስራሕካ ባዕሉ ኣፍ ኣውጺኡ ዝዛረብ፡ ስቕ ኢልካ ስራሕ። በቃ ስቕ ኢልካ ስራሕ! ‘ንለባም ኣምተሉ እዩ’ሞ…’ በብዘለናዮ ንበርትዕ። ሰላም!