You are currently viewing 0006 ፍልልይ ሃብታምን ድኻን

0006 ፍልልይ ሃብታምን ድኻን

ሓደ ግዜ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ስለምንታይ ኢኻ ሓደ ድኻ ዀይኑ ትሑትን ምቕሉልን ወዲ ንጓልካ ምስ ሓተታ ንኸይትምርዓዎ ከልኪልካ፧ ድኽነት ጭውነትዶ ኣይኮነን፡ ኣበሳ ኣለዎ ድዩ፧ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ ከምዚ ክብል መለሰ:

“መጀመርታ ክርደኣካ ዘለዎ፡ ብገንዘብ ዝዘቕበበ ናይ ባንክ ሕሳባት ስለ ዘለካ ሃብታም ኢኻ ማለት ኣይኮነን። እዚ ብዙሕ ገንዘብ ኣለዎ እዩ ዘብለካ እምበር ሃብቲ ኣይኮነን። ሃብቲ ወይ ካብ ባዶ ተበጊስካ ወይ መበገሲ ረኺብካ ብግቡእ ከተመሓድሮ ትኽእል ብዙሕ ገንዘብ ምድላብ እዩ። ወይ ከኣ ብዙሕ ገንዘብ ሃልዩካ ኣብ መማዓልኡ ናይ ምውዓል ብቕዓት ክህልወካ እንከሎ እዩ ሃብቲ ዝበሃል። ንኣብነት፡ ሓደ ናይ ሚልዮናት ሎተሪ ዝተዓወተ ሰብ ሃብታም እዩ ክትብሎ ኣይከኣልን እዩ። ብዙሕ ገንዘብ ዘለዎ፡ ኣብ ድኽነት ዝነብር ሰብ እዩ። ስለዚ እዮም ልዕሊ 90% ሎተሪ ዝበጽሖም ይኹኑ ብውርሻ ሚልዮናት ዝተቐበሉ ሰባት ድሕሪ ሒደት ዓመታት ኣብታ ዝነበርዋ ስእነት ዝምለሱ።

ብኣንጻሩ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ኣዝዮም ብዙሓት ኣብ ውሽጦም ሃብቲ ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ሰባት፡ ዋኒን ክህልዎም ሓርኮትኮት ክብሉ ዝረኣዩ ኸኣ ኣለዉ። ዋላ ብዙሕ ገንዘብ ኣይሃልዎም፡ ነቲ ፋይናንስያዊ ህንጻኦም ይሃንጽዎ ስለ ዘለዉ፡ ካብቲ ናይ ሃብቲ ሓዲድ ከም ዘይወጹን ኣብ መወዳእታ ኸኣ ከም ዝውንንዎን ርኡይ ነገር እዩ። ብሓጺሩ፡ ሃብታም ንኽህብትም ክስዋእ ድሉው እዩ፡ ድኻ ግን መስዋእቲ ኣይፈቱን’ዩ! ንኣብነት ሓደ ንእሽተይ መንእሰይ፡ ቀጻሊ ሓድሽ ነገር ክፈልጥ፡ ርእሱ ክገትእ፡ ክመሃር፡ ክስልጥን፡ እንተ ርኢኻዮ ንሱ’ዩ ሃብታም።

ካልእ፡ ‘ብሰንኪ መንግስቲ እኳ ኢና፡ ብሰንኪ ወለደይን ቤተሰበይን እኳ እየ ከምዚ ኰይነ፡ ኩሎም ሃብታማት ሰረቕቲ እዮም፡ ብዋጋ ድኻታት እዮም ዝነብሩ፡’ እናበለ ዘማርርን፡ ንመንግስትን ሃብታማትን ዝነቅፍ መንእሰይ እንተ ርኢኻ ኸኣ ንሱ’ዩ ድኻ። ሃብታም ንኽብገስ ሓበሬታን ስልጠናታትን ትምህርትን ጥራይ እዩ ዘድልዮ። ድኻ ኸኣ ንኽብገስ ካልኦት ሃብታማት ወይ መንግስቲ በንዘብ ክህቦ እዩ ዝጽበ። ስለዚ፡ ጓለይ ድኻ ወዲ ኣይትምርዓውን እያ ክብል ከለኹ፡ ብዛዕባ ብዝሒ ገንዘብ ዘለዎን ዘይብሉን ኣይኮንኩን። ኣነ እቲ ወዲ፡ ሰብኣይ ክኸውን ይኽእል ድዩ ኣይክእልን እየ መዚነ ዘመርዕዋ። ሃብቲ ከኻዕብት ተበግሶ እንተልዩዎ ኣይቃወምን’የ።

ኣይትሓዘለይ ደኣምበር፡ እንተስተውዒልካ ዝበዝሐ ግዜ ሓጺር ውሳኔ ዝውስኑ ሰባት ድኻታት’ዮም። ገንዘብ ብኣቋራጭ ስለ ዝደልዩዎ፡ ሓጺር ውሳኔ ወሲኖም ኣብ ሓደጋ ይኣትዉ። ኣብ ቅድሚ ገንዘብ ክቖሙ ከለዉ ኣእምሮኦም እዮም ዝስሕቱ። ስለዚ እዮም ዝሰርቁን፡ ዝኸትሩን ዘደናግሩን ዝልምኑን። ገንዘብ ብኣቋራጭ እንተ ረኺቦም፡ ካብ ሰማይ ወይ ካብ ኣምላኽ ዱብ ዝበለሎም ኰይኑ እዩ ዝስምዖም። ምናልባት ገንዘብ’ምበር፡ ሃብቲ ከምኡ ዓይነት ባህሪ የብሉን።

ሓደ ነዚ ዝብለካ ዘለኹ ሓሳብ ዝድርዓልና ዕላል ከዕልለካ። ሓደ ግዜ ሓደ ናይ ባንክ ዋርድያ፡ ሓንቲ ገንዘብ ዝመልአት ቦርሳ ይረክብ እሞ ናብቲ ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ባንክ ከይዱ የረክቦ። ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት፡ “ዓሻ፡ ኣምላኽ ደኣ ካብዚ ንላዕሊ ከመይ ዝበለ በረኸት ክቕርበልካ ትደሊ፧” እናበሉ ክጸርፍዎ ጀሚሮም። ንሱ ግን ውሽጡ ሃብቲ ስለ ዝመልአ እዩ ከምኡ ገይሩ። እታ ቀዳመይቲ መገዲ ሃብቲ እሙንነት እያ። እዚ ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ ዝነብር ዋርድያ ባንክ፡ ነቲ ማናጀር ከምቲ ስርሑ፡ ከምኡ እሙንነቱ ኣርእዩዎ።

ብድሕሪኡ፡ ድሕሪ’ዚ ናይ ሓደ ዓመት ስልጠና ወሲዱ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ባንክ ወረቐት ኣታውን ወጻእን መዝጊቡ ዝቕበልን ዝህብን (cashier) ኰይኑ ተቖጺሩ ክሰርሕ ጀሚሩ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኣብ ውሽጣዊ ምሕደራ ክሰርሕ ጀሚሩ። ድሕሪ 10 ዓመት፡ ናይቲ ዓብይ ባንክ ሓንቲ ጨንፈር ኣካያዲ ስራሕ ኰይኑ ክሰርሕ ጀሚሩ። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ትሕቲኡ ዓሰርተታት ሰራሕተኛታት ዘመሓድር ኣካያዲ ስራሕ ኰይኑ ማለት’ዩ።

ብደሞዙን ዓመታዊ ሞቕሽሹን ብናይ ተወሳኺ ስራሕ ኣታዊታቱን ኮሚሽናቱን ካብቲ ኣብታ ቦርሳ ዝነበረ ገንዘብ ተዓጻጻፊ ዝኾነ ኣታዊ ክረክብ ጀሚሩ። “ሓቀኛ ሃብቲ ኩነተ ኣእምሮ እምበር፡ ብዝሒ ገንዘብ ምህላው ጥራይ ኣይኮነን!” ስለዚ እሙን ሰብ፡ ትጉህ ሰብ፡ ንቑሕን ኩሉ ግዜ ድማ ንኽዓቢ ዝጽዕትን እንተ ዀይኑ፡ እዚ ሰብ’ዚ ዋላ ገንዘብ ኣይሃልዎ ንዓይ ሃብታም እዩ።”

“ንሰብኣይ፡ ሓደ ካብቲ ሰብኣይ ዘብሎ ሃብቲ እዩ። ንኣብነት ኣነ፡ ድኻ ወዲ እምበር፡ ድኻ ሰብኣይ ርእየ ኣይፈልጥን’የ!” @senaymulue

Leave a Reply