You are currently viewing 0003 ኣብ ኣፍሪቃ ስለምንታይ እዩ ናይ መንግስቲ ፕሮጀችታት ዕዉት ዘይከውን፧

0003 ኣብ ኣፍሪቃ ስለምንታይ እዩ ናይ መንግስቲ ፕሮጀችታት ዕዉት ዘይከውን፧

ቀደም እንታይ ይበሃል ኔሩ መስለኩም፡ ዝጸዓረ እዩ ዝዕወት፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከኣ ጻዕሪ ዘይኮነስ ጥበብ ዝተሓወሶ ትግሃት ክበሃል ጀሚሩ፡ ሕጂ ግን ዓለም ግዲ ትኣርግ ኣላ ዀይና፡ እቲ ኣበሃህላ ጠቕሊልና ክንቅይሮ ዝገብር ብዙሕ ነገራት ንርኢ ኣለና። ብሓቂ፡ ዓለም ትኣርግ ኣላ ዘብለካ ብዙሕ እዩ። መወዳእታኣ ዝበጽሐ ክትመስል ብዙሕ ነገራት እናተሓዋወሰ ይኸይድ ኣሎ።

እቲ ግዜ ከምዚ እዩ ዘሎ። ሓደ በዓል ስልጣን ናይ ሓንቲ ከተማ፡ ናይ ህንጻ እምብሬዛ (ኮንትራክተር) ክቖጽር ደልዩ። ወረቐት (ፕሮፎርማ) ዘርግሐ። ሰለስተ ተኾናተርቲ ኸኣ ነቲ ዝተዋህቦም ወረቐት መሊኦም ኣብ ፖስታ ዓሺጎም ሃብዎ።

ናይቲ ቐዳማይ ከፈታ’ሞ፡ 15 ሚልዮን ዝውድእ ፕሮጀክት ከም ዝኾነ ኣንበበ። ናይቲ ካልኣይ ፖስታ ምሰ ከፈቶ ኸኣ ናይ 25 ሚልዮን ዝውድእ ፕሮጀክት ምዃኑ ኣንበበ። ናይቲ ሳልሳይ እንተንበቦ ኸኣ ናይ 35 ሚልዮን ዝውድእ ፕሮጀክት ምዃኑ ኣንበበ።

እቲ በዓል ስልጣን ክሳብ ክንድዚ ፍልልይ ዘለዎ ዋጋ ብምርኣዩ ተገሪሙ፡ ንሰለስቲኦም ቆጺሩ፡ በበይኖም ገይሩ፡ ‘ከመይ ከመይ ጌርኩም ኢኹም ክትሰርሕዎ፧’ ኢሉ ሓተቶም። እቲ ቀዳማይ፡ እቲ ዝርዝር ብኸምዚ ኣቐመጠሉ፡ እቲ 5 ሚልዮን ናይ ሓጻዊንን ሑጻን ስሚንቶን እዩ፡ እቲ 5 ሚልዮን ከኣ ናይ ሰራሕተኛታትን ናይ መወዳእታ ቅርጺ መትሓዚ (finishing) እዩ፡ እቲ ዝተረፈ 5 ሚልዮን ከኣ፡ ናይ ግብሪ መንግስትን መኽሰበይን እዩ በሎ።

እቲ ካልኣይ ከኣ፡ ‘ብትሕዝቶኡ ቀዳማይ ደረጃ ዝኾነ ንብረት ኢና ንሰርሖ፡ ስለዚ እቲ ዓሰርተ ሚልዮን ናይ ሓጻዊንን ናይ ስሚንቶን ሑጻን ጆያን ካልእን እዩ። እቲ ካልኣይ ዓሰርተ ሚልዮን ከኣ ናይ ሰራሕተኛታትን ናይ መወዳእታ ቅርጺ መትሓዚ እዩ፡ እቲ ሓሙሽተ ሚልዮን ከኣ ናይ ግብሪ መንግስትን መኽሰበይን እዩ፡’ ኢልዎ ወጸ።

እቲ ሳልሳይ ከኣ፡ ‘እቲ 10 ሚልዮን ንዓኻ እዩ፡ እቲ 10 ሚልዮን ከኣ ንዓይ እዩ፡ በቲ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሚልዮን ጌረ ኸኣ ነቲ ቀዳማይ ዝሓተትካዮ እቖጽሮ፡’ ኢልዎ ኽወጽእ ክብል፡ እቲ በዓል ስልጣን ‘እቲ ኩንትራት ንዓኻ ሂበካ ኣለኹ፡’ እብሎ’ሞ ተፈራሪሞም ይውድኡ። እቲ ተኾናታሪ (ሰራቒ) ‘በቃ ካልእ ስራሕ ክርከብ ከሎ ክንተሓጓጎስ ኢና፡’ ኢልዎ ይወጽእ።

ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ “ቀልጢፍካ ክትህብትም እንተደሊኻ፡ ቀበሌ ስራሕ፡” ዝበሃል ኣበሃህላ ኣሎ ኢሎምንስ ኣይኣመንክዎምን ኔረ። ቅንይ ምስ በልኩ ግን ኩሉ ክበርሃለይ ጀሚሩ። ብኸምዚ ዝበለ ዓመጽ ዝመጽእ ብዝሒ ገንዘብ ግን ሃብቲ ኣይኮነን። ብዙሕ ገንዘብ ኣለካ ኢኻ ትበሃል እምበር ሃብቲ ዝብል ቃል ኣይመግለጺኡን እዩ። እዚ ካብ ህዝቢ ዝተመንጠለ፡ ናይ መርገም ገንዘብ እዩ። እቲ ህዝቢ ይጽዕር፡ ክፉኣትን ሰበስልጣንን ከኣ ኩሉ ደሞዞምን ቀለቦምን ይምንጥልዎም።

እሞ እንታይ ንግበር፧ ስራሕ ክትሰርሕ እንከለኻ፡ ብጽቡቕ ዘጠምተካ ነገር ምግባር ጽቡቕ እዩ፡ ንኣብነት ጥበብ፡ ጸዓት፡ ፍልጠት፡ ተመኩሮ፡ ትሕትና፡ ኣብ ግዜኻ እሙን ምዃን ክርስዓ ዘይብለን ብጣዕሚ ኣገደስቲ ነጥብታት እየን። ንኹለን ዝጥርንፈአን ግን ቅንዕናን እሙንነትን እየን። እዘን ክልተ ዳሕረዎት ዘይብሉ ሰብ እተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ክህልዎኦ ኣይክእላን እየን። ስለዚ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ፡ ካብ ኣፍ ህጻናትን ኣዴታትን ዓበይትን ነኣሽቱን ዝምንጥሉ ጐሓላሉ ነስተውዕለሎም። ኣብ ኩሉ እዮም ዘለዉ። ኣብ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ ኣለዉ፡ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣለዉ፡ ኣብ ናይ ውልቂ ትካላት ኣለዉ፡ ኣብ ናይ ሃይማኖት ትካላትውን ኣለዉ። ነዛ ትኣርግ ዘላ ዓለም፡ መሊሶም እርጋን ዝውስኹ ሰብ ልሙጽ ሕልና ከነጥፍእ ናይ ነፍሲ ወከፍና ግቡእ እዩ። ሰላም!

Leave a Reply