ንሰበይትኻ ከም ትግደሰላ ብቓላትካ ጥራይ ኣይኮንካን ትገልጸላ። ብግብሪ ኢኻ ከተርእያ ዘለካ። እቲ ብቓላት ትገልጸላ ኣብ ቦትኡ እናሃለወ፡ እቲ ኣዝዩ ደቀቕቲ ኰይኑ ዝስምዓካ፡ ግን ተደማሚሩ ዓቢ ኣስተአዋጽኦ ዘለዎ ናይ ደቓይቕ ግብርታትካ ዝያዳ ኹሉ ይዛረበልካ እዩ። ንኣብነት፡ እዘን ዝስዕባ 12 ነጥብታት ተተግብረን’ዶ፧ ርእስኻ ፈትሽ።
- ሰበይትኻ ክትደክም እንከላ ጽቡቕ ጌርካ ኣደቂስካ፡ ካብ ከባቢ ክሳዳን ሕቖኣን ጀሚርካ፡ ክሳብ ኣስላፋን ደናጉኣን ጽቡቕ ጌርካ ማዝዋ (massage her) ድኻማ ፈጺሙ ካብኣ በሪሩ፡ ኣብ ገጻ ናይ ፍጹም ዕረፍትን ሓጎስን ምልክት ክትርእየላ ኢኻ።
- ንሰበይትኻ ምስ ቤተሰብካን ኣዕሩኽትኻን መሳርሕትኻን ከተላልያ እንከለኻ፡ ኩሉ ግዜ ሓቚፍካ ኣላልያ። ሙሉእ ውሕስነት እዩ ዝስምዓ። ሰብኣይ ምዃንካ ለኣ ብኹሉ ነገራ ክትምስክረልካ’ያ።
- ምስ ሰበይትኻ ናብ ቤትኩም ኣብ ሳሎን ኮፍ ኣብ ትብሉሉ ግዜ፡ ከባቢ ሕቆኣን (ብፍላይ ከባቢ ዓንዲ ሕቖኣ) ከባቢ ፈርሲ ዳንጋኣን ከብዲ እግራን፡ ተጠንቂቕካ ድረዛ። ንስጋኣ ከም ትግደሰሉ ኢኻ ተርእያ። ጽቡቕ ገይራ እያ ኸኣ ተስተውዕሎ።
- ሕማቕ ዜና ሰሚዓ ወይ ሕማቕ ሕልሚ ሓሊማ ፈሪሃ ከም ዘላ እንተ ፈሊጥካ፡ ኢዳ ስሒብካ፡ ግንቦ ኢዳ እናደረዝካ ኣዕልላ። ኣጆኺ ኣነ ኣለኹ ምሳኺ ስለ ዘስምዓ ካብ ፍርህን ጭንቀትን ክትዓርፈልካ እያ።
- ክዳና ክትቅይር እንተ ርኢኻያ፡ ኣእዳውካ ከባቢ ክልቲኡ ጎሎኣ ኣቐሚጥካ፡ ብኹለንትናኣ ጽብቕቲ ምዃና እናነገርካ ሕቖፋ። ጾታዊ ህዋሳታ ተንሲኦም ኣብ ገጻ ተነዚሖም፡ ፍሉይ ፍሽኽታ ክዘርኡላ እዮም። ሰበይትኻ፡ ኩሉ ግዜ ተሓቛቚፍካ ጽቡቕ ቃላት ምስማዕ ኣይትጸግብን እያ።
- ሰበይትኻ፡ ኣብ ክሽነ ትሰርሕ እንተልያ፡ ሰላሕ ኢልካ ብድሕሪኣ መጺኻ፡ ኣኣዳውካ ናብ ከባቢ ደረታ ኣሕሊፍካ፡ ሓቚፍካ፡ ሰበይትካ ምዃና ሕጉስን ኣዝዩ ፍሉይ ኩርዓት ከም ዝስምዓካን፡ ንገራ። ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ፡ ፍልይቲ ምዃና ስለ ተፍልጣ ዘለኻ፡ ሓይላ ከይደኸመት፡ ቀልጢፋ ስራሕ ክሽነ ብጽፉፍ ክትውድእ ክትርእያ ኢኻ።
- ምስ ሰበይትኻ ምሸት ክትድቅሱ እንከለኹም፡ ኣእዳውካ ኣብ ከባቢ ደረታ ኣቐሚጥካ፡ ጽቡቕ ጌርካ ለጊብካ ሓቚፍካያ ደቅስ። ሙቐታ ወሲኹ፡ ምቾት ተሰሚዕዋ፡ ጥዑም ድቃስ ክትድቅሰልካ እያ። ምትሕቑቛፍኩም ከም ዝለመድኩሞን ከም ዝጥዕመኩምን ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም።
- ሰበይትኻ ነፍሰ ጾር እንተ ዀይና ከብዳ ቅብኣት ክትገብር እንከላ፡ ኣኣጋራ ክትሕጸብ ክትደሊ እንከላ፡ ካልስን ጫምኣን ክትለብስ ክትደሊ እንከላ ንስኻ ኣብ ዝሃለኻሉ ኩሉ ባዕልኻ ግበረላ። በይንኺ ኣይኮንክን ጠኒስኪ፡ ኣነ ኣለኹ ምሳኺ እዩ ዘስምዓ።
- ምስ ሰበይትኻ ክትጽልዩ እንከለኹም፡ ኩሉ ግዜ ብኢዳ ሒዝካ ጸሊ። እዚ ንዓኣ ውሕስነት ከም ዝስምዓ እዩ ዝገብር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ምልክት ሓድነት እዩ። ዝኾነ ኣብ ልብኹም ዝተረፈ ኩራን ቂምን ከም ዘየለ ምልክት እዩ።
- ንሰበይትኻ ክትስዕማ እንከለኻ፡ ኣእዳውካ ብኸባቢ ዳሕረዋይ ክሳዳ (ወተጋ) ኣሕሊፍካ ብምሓዝ ሰዓማ። ኣእዳውካ ኣብ ምዕጉርታ ኣቐሚጥካ ክትስዕማ እንከለኻውን ኣዝዩ ፍሉይ ጥዑም ስምዒት ስለ ዝወርራ፡ በቲ ትገብሮ ዘለኻ ከም ዝተሓጎሰትልካ ኣብ ገጻ ከተንብቦ ኢኻ፡ ወይ ብቓላታ ክትገልጸልካ እያ።
- ሰበይትኻ ኩሉ ግዜ እያ ብኣጻብዕታን ኣእዳዋን ክትጻወት ትደልየካ። ሓቚፍካያ ጥራይ ስቕ ምባል ንዕኣ እኹል ኣይኮነን። ስቕ ኢልካ ኣጻብዕታ ምትንኻፍን ምድራዝን፡ ኣድህቦኻ ብኻልእ ከም ዘይተሰረቕካን፡ ብኣካልን በእምሮኻን ምስኣ ከም ዘለኻ ትገልጸሉ መገዲ እዩ። እዚ እንተ ገበርካን እናማዕበለ እንተ ኸደን ባህታን ሓጎስን ሓዳርካ እናዓበየን እናበለጸን ክኸይድ ከሎ ከተስተማቕሮ ኢኻ። ሰላም!