ስለምንታይ እዮም ብዙሓት ሰብ ሓዳር ዝነበሩ ቀልዓ ወይ ቈልዑ ምስ ወለዱ ዝፋትሑ፧ ኢለ ክሓስብ ከለኹ፡ ድንጽወኒ ጥራይ። እቲ ጠንቂ ብዙሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ግን ሎሚ ሰብኡት ከተስተውዕሉሉ ዘለኩም ሒደት ክገልጽ:
ኣብዚ እዋን ዘለዉ ዝበዝሑ ሰብኡት ኣንስቶም፡ ብናይ ኣእምሮ ጸቕጢ፡ ብኣካላዊ ድኻም፡ ብስምዒታዊ መጉዳእቲ፡ ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን ድሕሪ ሕርስን እንታይ ዓይነት ከቢድ ህይወት ከም ዝሓልፋ ኣይርድኡለንን እዮም። ኣብቶም ናይ ቀደም ኣቦታትውን ጽቡቕ ርድኢት እዩ ነይሩዎም ማለተይ ኣይኮንኩን። ሎሚ ግን ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ግዜ ብብዙሕ መገድታት ኣንስትና ዝሓልፍኦ ዘለዋ ብድሆታትን ሽግራትን ክብደት ህይወትን ክንርደኣለን ዝገብር ሙሉእ ሓበሬታን ትምህርትን እዩ ዘለና። ብዙሓት ሰብኡት ሎሚ፡ ኣንስቶም ኩሉ ግዜ ተጨቓጨቕቲ፡ ኩሉ ግዜ ኣምሰሉ፡ ኩሉ ግዜ ዝኸበደንን ዝተጸልአንን ዘምስላ ደኣምበር፡ እንታይ ይጾራ፡ እንታይ ይጽመማ፡ እንታይ ይሓልፋ ኣለዋ ኣይፈልጡን ዝፈልጡ ኣይመስለንን። ንሳተን ግን ነቲ መስሪተንኦ ዘለዋ ሓዳርን ንደቀንን ከይጉድኡ፡ ነቲ ዋጋ ክኸፍልኦ ስለ ዘለወን እየን እቲ ኩሉ ምልክታት ዘርእያ።
ድሕሪ መርዓ፡ ቅድሚ ውላድ ዘሎ ግዜ ሓዳር ኣዝዩ ጥዑምን ክልቴኻ ጽቡቕ ጌርካ ክትሕጎሰሉ ዝዕድምን ዓድታት እናቐያየርካ ትዘናግዓሉን ግዜ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ካብ ግዜ ጥንሲ ጀሚርካ ክሳብ ውላድ ዘሎ ግዜ ግን ነታ ሰበይቲ ኣዝዩ ከቢድ እዋን እዩ። ሓደ ካብቲ ከቢድ ዝገብሮ ኸኣ ጥንስን ሕርስን ናይ መጀመርታ ተመኲሮኣ ስለ ዝኾነ እዩ። ኣብዚ እዋን እዩ እቲ ዂሉ ተዋስኦ ዝመስል ምቅይያር ባህርያት ዝርአ። ካብቲ ክብደት ናይቲ ግዜ ዝተላዕለ፡ ብዙሓት ሰብኡት፡ ኣብ ግዜ ጥንስን ሕርስን ምዝርራብን ምርድዳእን ዝበሃል ስለ ዘጥፍእዎ፡ ጠንቂ ናይ ምፍልላዮም ይኸውን።
ብዘይካ’ዚ ሰበይቲ ምስ ሓረሰት እቲ ውላድ ኣብ መንጎኦም ኣትዩ ናይ ምፍልላዮም ጠንቂ ይኸውን። ሰበይቲ ብባህሪኣ ሕያወይትን ለዋህን መጥበዊትን ስለ ዝኾነት፡ ምስ ውላዳ ብብዝሒ ግዜ ክትወስድ ምስ ጀመረት፡ እቲ ምስ ሰብኣያ ዝጸንሐ ፍቕሪ ይጎድልን፡ ኣብ ሓደ ሓደ ኣንስቲ ኸኣ ይጠፍእን። ናይዚ መፍትሕ፡ ኣብ ኢድ እቲ ሰብኣይ እዩ ዘሎ። ሰብኣይ ናይ ሰበይቱ ፍቕሪ፡ ስምዒት፡ ጥዕና ወዘተ እናሓለወ ምስ ሰበይቱ ዝነበሮ ናይ ምዝርራብን ብሓደ ግዜ ምውሳድን ከይረስዑ ሓዳሮም ክቕጽሉ እዩ ዝግባእ። ሰብኣይ ብዙሕ ከም ተነጽሎን ዘይምግዳስን ዝመስል ነገራት ካብ ሰበይቱ ክርእይ ይኽእል’ዩ፡ ግን ናብ ደገ ዝወጽእ ዝኾነ ምስጢር ዘይብሉ ኰይኑ እዩ ክርከብ ዘለዎ። ምናልባት ብምምጻእ እቲ ውላድ ዘጋጠሞ ዘበለ ኹሉ ምስ ካልእ ክዘራረበሉ ይኽእል ይኸውን’ዩ። እዚ ግን ኣብ ሓዳሩ ዓቢ ክፍተት ክፈጥር ዝኽእል ሓደገኛ ዕላል እዩ። ናይ ሓዳርካ ጉዳይ ኣባኻን ኣብ ሰበይትኻን ደኣምበር፡ ንወለድኻ፡ ንደቅኻ ነሕዋትካን ኣዕሩኽትኻን ኣይምልከቶምን እዩ።
ስለዚ ኣንስትና ኣብ ነፍሲወከፍ መዓልታት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ግዜ ጥንስን ሕርስን ድሕሪ ሕርስን፡ ኣብ ግዜ ጽግያትን ካልእ ድኻም ዝፈጥረለን ተፈጥሮኣዊ ኲነታት ህይወተንን ዝሓለፍኦን ዝሓልፍኦ ዘለዋን ክንርደኣለን ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ ናትና ግምት እናሃብና ጸቕጢ ክንፈጥረለን ግቡእ ኣይኮነን። ክብርን መጎስን ነዘን ስለ ሓዳረንን ደቀንን ክብላ ኩሉ ህይወተን ዝስውኣ ኣዴታት ይኹን። ህይወትክን ዝሰዋእክን ህያዋን ጀጋኑ ኢኽን። ፈጣሪ ንዓኽን ስለ ዝሃበና ክብሪ ይኹኖ! ሰላም!