You are currently viewing 0002 ጭቕጭቕን ዕግርግርን ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ገንዘብ የለን!

0002 ጭቕጭቕን ዕግርግርን ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ገንዘብ የለን!

ምናልባት ኣብ ባንክታት ስለምንታይ ሙዚቃ ዘይውላዕ ኢልኩም ትግረሙ ትህልዉ ኢኹም። ገሌኹም ከኣ፡ ዘየስተብሃልኩሙሉ ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ባንክታትን ፋይናንስያዊ ትካላትን ሙዚቃ ኣይውላዕን’ዩ። እዚ ዝኾነ እቲ ኣብኡ ዘሎ ገንዘብ ናይ ሙዚቃ ድምጺ ስለ ዘይፈቱ ጥራይ ስለ ዘይኮነስ፡ ዝኾነ ዝርብሽ ነገር ስለ ዘይፈቱ እዩ።

ሚልዮነራትን ቢልዮነራትን ኣብቲ እዝንኻኳ ዘደንቁር ድምጺ ዘለዎ ክለባት ኣይትረኽቦምን ኢኻ። እቲ ቦታ ነቲ ዘለዎም ደረጃ ሃብቲ ኣይምጥንን’ዩ። ኣብ ክለባት ክኣትዉ እንተ ኾይኖም ኣብ ዝሑል ሙዚቃ ዘለዎ ናይቲ ኣብ ደገ (ኣዳራሽ) ዘሎ ዕግርግር ዘየእቱ ብsound proof ዝወቀበ ናይ VIP ቦታ ኮፍ ኢሎም ኢኻ ትረኽቦም። ንሱውን ብስራሕ እናዕለሉ፡ ውዕላት እናፈጸሙ፡ እንተ ዘይኮይኑ ክዓብዱ ኣይረኣዩን እዮም። ዕብዳን እንተ ሃልዩዎም፡ ብኻልእ መገዲ እዮም ዘተግብርዎ።

ሰባት ክስዕስዑን፡ በቲ ብርቱዕ ሙዚቃ ክሕጎሱን ክርህጹን እንተ ርኢኻ ግን ብዘይካ እቲ ኣብ ሞንጎኦም ኰይኑ ዘመሓድር ዘሎ ዋና’ቲ ክለብ፡ ኩሎም ገንዘብ ዘይብሎምን ድኻታትን ተኣኻኺቦም ዝጭፍሩን ምዃኖም ጥራይ ኣስተውዕል። ዝበዝሑ ካብዞም ሰባት፡ ደሞዝተኛታት እዮም። እቶም ውሑዳት ከኣ ጽኑዕ ራእይ ዘይብሎምን፡ ዕላማ ህይወቶም ዘይረኸብዎን እዮም። ምናልባት ካባታቶም ርኣዩኒ፡ ርኣዩኒ ዝብል፡ ዕሽር ኰይኑ ብዙሕ ገንዘብ ዘለዎ እንተ ረኺብካ ኸኣ፡ ገንዘቡ ድሕሪ ሒደት ግዜ ክፋትሖ ምዃኑ ፍሉጥ’ዩ። ወይ ከኣ ብሎተሪ፡ ብውርሻ ወዘተ ዝረኸቦ ዘይፈልጦ ገንዘብ ገይሩ ይዓብድ ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ።

ገንዘብ ጸጥታ እዩ ዝፈቱ። ናብቶም ኩሉ ሃብቶም ከርእዩ ዝፍትኑ ዘይኮነ፡ ናብቶም ብህድኣት ብዘይ ድምጺ፡ ስርሖም ዝሰርሑ እዩ ዝሰግር። ገንዘብ፡ ሙሉእ ኣድህቦ ዝህቦ ሰብ እዩ ዝፈቱ። እዚ ገንዘብ እዚ እዩ ሃብቲ ዝበሃል። ካብዚ ወጻኢ ክትጨቓጨቕን ከተዕገርግርን ዝገብረካ ገንዘብ ግን በረኸት ዘይኮነ መርገም እዩ። ኣስተውዕሉ፡ ዝኾነ ዝጨቓጨቑ ዝቋየቑን ዝበኣሱን ስድራ እንተ ርኢኹም፡ ዋላ ብዙሕ ገንዘብ ይሃልዎም፡ እቲ ገንዘቦም መንገብገብ ኣውጺኡ ክነፍሮም ከሎ ክትርእዩዎም ኢኹም። ዘይተጸበይዎ ሕማምን ጭንቀትን ካልእ በላዒ ነገራትን ከቢብዎም ክትርእዩዎም ኢኹም።

ስለዚ ገንዘብ፡ ኣብ ገዛኹም ኣብ ትካልኩም ኣብ ጁባኹም ኣብ ባንክ ሕሳብኩም ባህ እናበሎ ክቕመጥ እንተ ደሊኹም፡ ሰላም ዝሰፈኖ ሃዋህው ኣርእዩዎ። ገንዘብ፡ ሰላም፡ ጸጥታ፡ ርግኣት’ዩ ዝፈቱ። ርቡጽ ሰብ፡ ሸበድበድ በሃሊ፡ ዓጽዓጽ በሃሊ፡ ዕቡድ ሰብ ኣብ ኢዱ ዝቐውም ገንዘብ ኣይሕዝን’ዩ። ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ዓጽዓጽ ትብል እንተ ኾንካ፡ ገንዘብካ ከተርክቦ ክሳብ ዘይትኽእል’ዩ ካባኻ ዝሃድመካ።

ገለ ገለ ሰባት ‘ገንዘብ ይዛረብ’ዩ’ ክብሉ ሰሚዐ ኣለኹ፡ ኣነ ግን እብለኩም ኣለኹ፡ ገንዘብ ይዛረብ ጥራይ ዘይኮነ ይሰምዕውን’ዩ። ብፍላይ ምጭቕጫቕን ምዕግርጋርን ዝዓይነቱ ብርቱዕ ድምጺ ኣወግድ! ሽዑ በረኸት ክደልየካን ክረኽበካን እዩ። ሽዑ ሃብትን ዕረፍትን ተሰሊፉ ናባኻ ክመጽእ እንከሎ ክትርእይ ኢኻ። ሽዑ ሽጋር ዘይብሉ ትሕዝቶ ኣብ ቤትካ ከም ፈራዪት ወይኒ ክሰፍሕ እንከሎ ክትርእዮ ኢኻ! ሰላም!

Leave a Reply