You are currently viewing 0007 ካብ ሓዳርኩም ወጻኢ ንኻልእ ሰብ ክትነግርዎ ዘይብልኩም 10 ነጥብታት!

0007 ካብ ሓዳርኩም ወጻኢ ንኻልእ ሰብ ክትነግርዎ ዘይብልኩም 10 ነጥብታት!

አምሓርኛ: ታ’ሞ ከመማቀቅ አስቀድሞ መጠንቀቅ!!!
ENG: Prevention is better than cure!!!
ትግርኛ፡ ከይተደፍአ ወግን፡ ከይተሰብረ ጸግን!!!

ሓዳር፡ ምስጢረ ተክሊል ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ፡ ካብ ሓዳርኩም ወጻኢ ንኻልእ ሰብ ክትነግርዎ ዘይብልኩም ብዙሕ ምስጢራት እዩ ዘሎ። ብኣኹም ቀናእ ሰብ መን ከምዝኾነ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ብጽቡቕ ይኹን ብሕማቕ ሓሳብ ሓዳርኩም ክብትን ዝኽእል ምኽሪ ዝልግሰልኩም ብዙሕ እዩ’ሞ፡ ንባዕልኹም ጥራይ ክትሕዝወን ዘለኩም ምስጢራት እዘን ዝስዕባ’የን:

  1. ድኻም ናይ መጻምድኹም ንዝኾነ ሰብ ኣይትንገሩ፡ ዝበዝሑ ሰባት ንመጥቃዕትን መሊስካ ንምድኻምን እዮም ክጥቀሙሉ እምበር ጎደሎኹም ኣይምልኡልኩምን እዮም።
  2. ኣሓተይ፡ ሓደራኽን፡ ሰብኣይክን ብኽንደይ ዝኣክል ገንዘብ ሓዳርክን ከም ተመሓድራ ንዝኾነ ሰብ ኣይምልከቶን እዩ። ምናልባት እንተ ተሓቲትክን ንኽትምልሳሎም ኣገደስትን ብቑዓትን ሰባት እዮም ኢልክን እንተ ኣሚንክናሎም ጥራይ፡ “ካብቲ ዝጽበዮ ንላዕሊ እዩ ዘንብረኒ፡” ብምባል መልሳ። መጠን ብዝሒ ገንዘብ ምርቋሕ ንዝኾነ ካልእ ሰብ ኣይምልከቶን እዩ። ብዛዕባ ገንዘብ ምስ ሰብኣይክን ጥራይ ተዘራረባ።
  3. ሰብኡት ሓደራኹም፡ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ናይ ሓዳርኩም ምሰ ኣዕሩኽኹም ኣይተዕልሉ። እዚ እቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ክተርፍ ዘለዎ ቀዳማይ ምስጢር እዩ። እቶም ከተዕልሉዎም ዝደልዩ ፈጺሙ ከም ዘይምልከቶም ኣረድእዎም።
  4. ሓደራኹም ሰብኡት፡ ጌጋታት ንሓዳርኩም ኣብ ሓደጋ ከእቱ ስለ ዝኽእል፡ ናይ ሕሉፍ ይኹን ህሉው ጌጋታት ሰበይትኹም ንዝኾነ ሰብ ኣይትንሩ። ከመይ ኣላ ኣብ ሓዳራ፡ ነዴኹምውን ከይተረፈ ኣይምልከታን እዩ። እንተ ኸቢድኩም ጥራይ ወይ ዝኾነ ዘይበጻሕኩሞ ክትፈልጥዎ ትደልዩ እንተ’ልዩ ነቦኹም ኣማኽሩ። ደቀንስትዮ ኸኣ ነዴኽን። ኣዴኻ ንሰበይትኻ ሓማታ ምዃና ኣይትረስዕ።
  5. ኣሓተይ፡ መሓዛኽን ብዛዕባ ናይ ሰብኣይክን ባህርያት ክፈልጣ ኣይምልከተንን እዩ። ድኹም ጎኑን ጽቡቕ ጎኑን፡ እንታይ ይፈቱን ንመሓዛኽን ምንጋር ኣቋርጽኦ። ነቲ ተኽብራኦ ሰብኣይክንን ንሓዳርክንን ባዕልኽን ኢኽን ክትሕልዋኦን ክትከባኸባኦን ዘለክን። ኣብ ውሽጥኽን ክተርፍ ዘለዎ ኸኣ ኣብ ውሽጥኽን (ኣብ ሓዳርክን) ክተርፍ ኣለዎ።
  6. ምስ መጻምድኹም ክሳብ ክንደይ ትበኣሱ፡ ክሳብ ክንደይ ትጨቓጨቑ ንዝኾነ ሰብ ኣይትንገሩ። ንስኹም ብውሽጢ ጎደሎታትኩም እናመላእኩም፡ ጉድለታትኩም እናሸፈንኩም፡ ጨጓር ንውሽጢ ጌርኩም፡ ብደገ ግን ንኻልእ ሰብ፡ እቲ ጸጽብቑ ጥራይ ኣርእዩዎ። ኣብ መንጎኹም ዘሎ ዘይምርድዳእ ባዕልኹምን በይንኹምን ጥራይ ኢኹም ክትፈትሕዎ ትኽእሉ።
  7. እንተ ተበኣስኩምን ነንሕድሕድኩም እንተ ተቛየቕኩምን ንኣምላኽ ደኣምበር ዋላ ንመንፈሳዊ ኣገልጋሊኹም ኣይትንገርዎም። ብፍላይ ገለ ገለ ሓላፍነት ዘይስምዖም ኣገልገልቲ ኣብ ስብከቶም እዮም ክጥቀሙልኩም እምበር ኣይረድኡኹምን እዮም። እቲ እንኮ ክረድእ ዝኽእል ፈጣሪ ጥራይ እዩ! በይንኹም ኰንኩም ከይኮላለፍኩም፡ ዝሕባእ ከይሃለወኩም ንገርዎ።
  8. ኣንስቲ ኣሕዋተይ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቦኦም ሕማቕ ስእሊ ብምቕማጥ ክጸልእዎ ስለ ዝኽእሉ፡ ናይ ሰብኣይክን ሕማቕ ባህርያቱን ዝበደለክንን ካብ ዘበለ ዋላ ሓንቲ እኳ ትኹን ንደቅኽን ኣይትንገርኦም። ዝበዝሐ ናይ ሓበሻ ሽግር ካብዚ እዩ ዝብገስ። ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ኣዴታት ሰብኡተን ዝገበርወን ንደቀን ይነግርኦም እሞ፡ ደቆም ወገን እናሓዙ ይዓብዩ። ምስ ዓበዩ ኸኣ ወገኖም ኣነጺሮም፡ ኣብ ልዕሊ ኣቦኦም ዘለዎም ጽልኢ የነጽርዎ።
  9. ሰብኡት ከኣ፡ ‘ሰበይተይ እምንቲ’ያ፡’ እናበልኩም ንኻልእ ሰብ ኣይትዛረብ። እሙንነተን ንዓኹም ጥራይ ግበርዎ። ሰብ ማለት ብባህሪኡ ህልኸኛን ካብ ብርሃን ጸልማት ዝሓሪን ክፉእ ስለዝኾነ፡ ክሳብ ዝከኣሎ ጌሩ ንሓዳርካ ኣብ ፈተና ከእትዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ እቲ ናይ ጸልማት ስራሕ ኣብ ቤትኩም ክኣቱ ዘይትደልዩ እንተ ዀንኩም፡ ብዛዕባ ሰበይትኹም ምስ ካልእ ምዕላል ኣየድልየኩምን እዩ። ሰላም!

Leave a Reply