You are currently viewing 0004 ጣጣ ዘገልገለት መኪና (Second hand) ምግዛእ

0004 ጣጣ ዘገልገለት መኪና (Second hand) ምግዛእ

ሳሚ: ቐዲሞም ብዙሓት ሰባት ብዘይ ግቡእ ኣገባብ ዝዘወርዋ ዘገልገለት መኪና እንተ ገዚእካ፡ ድሕሪ ምግዛእካውን ንስኻ ጥራይ ከም ዘይትዝውራ ትፈልጥዶ፧
ሙሴ: እዋእ ጥዑይ ድዩ እዚ ወዲ፧ እንተ ገዚአያ ደኣ እንታይ ኣምሲሎም’ዮም ካልኦት ዝዝውርዋ።
ሳሚ: ይዝውርዋ’ምበር፡ ከማን ዝበዝሐ ግዜ ሜካኒክ እዮም ክዝውርዋ። መቸም ኣብ ጋራጆም እንተ ኣትያ፡ ከይዘወሩ ክመልሱልካ ኢልካ ኣይትጽበይን ትኸውን።
ሙሴ: እወ ሜካኒክ ደኣ ግድን።
ሳሚ: እሞ እሱ እኳ’የ ዝብለካ ዘለኹ፡ ባዕሎም ዘበላሸውዋ ስለ ዝኾነት፡ ደጋጊማ ናብኦም ከም ትመላለስ እዮም ዝገብርዋ። ዝበዝሐ ግዜ ኸኣ ምስኦም ክትሓድር’ያ።
ሙሴ: እዋእ እንታይ ትብል ወደይ፧ ክትሓስረልካ ኢልካ ገዚእካስ እዚ ኹሉ ሽግር፧!
ሳሚ: እሱ ጥራይ ኣይኮነን፡ ገንዘብካን ኣእምሮኻን ጥርሑ ክሳብ ዝተርፍ ናብኦም እናተመላለሰት ጦቕ’ያ ተብለካ።
ሙሴ: ኣታ ሳሚ ዓርከይ፡ ኣጠራጢርካኒ’ምበር።
ሳሚ: ኣነ ምጥርጣር ጥራይ ኣይኮንኩን ዝደሊ ዘለኹ፡ ትትረፈኒ ክሳብ ትብል ምኽረይ ካብ ምልጋስ ኣይዓርፍን’የ። ምኽንያቱ ሜካኒክ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኤሌክትሪሻን፡ ባትላሜራ፡ ታፕሰርያ፡ ዋላ እቶም ቅድሚ ሕጂ ድዋዕዋዕ ዘበልዋ፡ ክዝውርዋ ክደልዩ እዮም።
ሙሴ: እዋእ ሕጅስ ኣብዚሕካዮ’ምበር። ከመይ ኢሎም’ዮም እቶም ዝሸጥዋ ዝዝውርዋ፧
ሳሚ: ኣየ ሞስ ዓርከይ፡ ከም ገለ እንተ ዀይና፡ ኣብ ጋራጅ ክትሓድር’ያ ሓቀይ፧
ሙሴ: እወ።
ሳሚ: እሞ፧ እቶም ናይ ቀደም ዋናታታ ኣብቲ ጋራጅ ክርእዩዋ እዮም። ብድሕሪኡ ናፍቖቶም ከውጽኡ ክደልዩ’ዮም። እቶም ሜካኒክ ከኣ ከፍቅዱሎም’ዮም። ንሳ ኸኣ ብልሽት ስለ ዘለዋ ዋና ኣለኒ ገለ ኣይትብልን’ያ። ሱቕ ኢላ እያ ትዝወር። ሕጂኸ ተረዲእካዶ፧
ሙሴ: እዋእ ከምኡ ኸኣ’ሎ፡ ወሪድና ንሕና እዚታት መዓስ ንፈልጦ ዀንና።
ሳሚ: እወ፡ ገርሂ ስለ ዝኾንካ እኳ እየ፡ ኩሉ ዘርዚረ ዝነግረካ ዘለኹ። ከይትስምበድ እምበር ኩሉ ግዜ ትበላሾ ዘገልገለት መኪና እንተ ገዚእካ፡ ካልእውን ብዙሕ ጸገም’ዩ ዘሎ።
ሙሴ: ኣታ እንታይ ኢኻ ትብል፧ እስኪ ሓንቲ ካብቲ ብዙሕ ንገረኒ።
ሳሚ: ሓደ ሓደ ግዜ እንታይ ከጋጥመካ’ዩ መስለካ፡ መኪናኻ ምሳኻ ከላ ከይተረፈ ብዙሓት ሰባት ምልክት መብራህቲ ወይ ክላክ ክገብሩላ ከለዉ ክትርእዮም ኢኻ።
ሙሴ፡ እዋእ፡ እዚኸ ንምንታይ ምዃኑ’ዩ፧
ሳሚ: ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ፡ ክርእይዋ ክርእይዋ ስለ ዝዝክርዋ፡ ናፍቖቶም ከውጽኡ’ዮም ዝደልዩ።
ሙሴ: እሞ’ንታይ፧
ሳሚ: ኣታ እንታይ ኢኻ’ስኻ፡ ኣይርደኣካን ድዩ፧ ብዛዕባ መኪና ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ!!!
ሙሴ: ብዛዕባ እንታይ ደኣ፧
ሳሚ: ብዛዕባ ዓለም ዘይጸገበት ሰበይቲ ምምርዓው እየ ዝዛረብ ዘለኹ።

ትርጉም: እዛ ዘገልገለት (second hand) መኪና፡ ብዘይ ንቡር ኣገባብ ምስ ብዙሓት ሰብኡት ዝዞረት፡ ጌና እቲ ዕብዳን ዘይወጸላ ሰበይቲ እያ። እቲ ምግዛእ ከኣ ምምርዓው እዩ። እቲ ጋራጅ ከኣ ባራትን ክለባትን እዩ። እንተ ተበላሽያ ማለት ከኣ እቲ ዝነበራ ሕማቕ ባህሪ እንተ ዘይገዲፋቶ ማለት’ዩ። እቶም ሜካኒክ ኤሌክትሪሻን ባትላሜራን ታፐሰርያን ከኣ ኣብቲ መዕበዲ ቦታታት ዝርከቡ ሰባት እዮም። እቶም ኣብ ጋራጅ ምስ ኣተወት ይኹን እናዘወርካያ ከለኻ ክዝውርዋ ዝደልዩ ኸኣ ጌና ምስኣ ክዞሩ ዝደልዩ ንሳ ኸኣ ኣንፈት ትህቦም ዓይነት ሰባት እዮም። ምኽንያቱ ጌና ናይ ዓለም ነገር ኣይወጸላን ዘሎ። ሕጂ ደጊምካ እታ ዝርርብ ኣንብባ…

Nota Bene: ዘገልገለት (second hand) መኪና ‘ዓይነት’ ኣለወን። ናብ ጋራጅ ዘይሓድራ፡ ጥዑያት ከኣ ኣለዋ! ብዛዕብአን ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ። ሰላም!

Leave a Reply