ሰብ ንምንታይ እዩ ዝፈርህ ኢለ ክሓስብ ከለኹ ብዙሕ ነገራት እዩ ኣብ ኣእምሮይ ዝመላለሰኒ። ንኣብነት ሕማም፡ ስእነት፡ ድኽነት፡ ተነጽሎ፡ እርጋን፡ ማእሰርቲ፡ ኣጋንንቲ፡ ስንክልና፡ ስርቂ፡ ክትራን፡ ካብ ተፍቅሮም ምፍላይ፡ መጻኢ፡ ጭንቀት ወይ ጸቕጢ ኣእምሮ ከይትገብር፡ ባእሲ፡ ወዘተ ኩሉ ንሰብ ዘፍርሆ ኣሉታዊ ጎድኒ ህይወት እዩ። ግን እንታይ’ሞ፡ ሰባት ስለ ዝኾንና ብመጠኑ ናይ ኩሉ ፍርሂ ክህልወና ይኽእል ይኸውን’ዩ፡ እዚ ኹሉ ግን ተጠቕሊሉ ናብቲ ንብዙሓት ከፍርሆም ዝኽእል ‘ሞት’ እዩ ዝወስድ። እወ ሞት። ግን ወለድና ጽቡቕ ጌሩ ስለ ዝተረደኦም ንሞት ክንንዕቆ ስለ ዘለና፡ “ከቢድ ሕማም ካብ ሞት ነይሓልፍ!” ዝብል ምስላ ሓዲሙልና ንሶምውን ሓሊፎም።
እዚ ኹሉ ዓይነታት ፍርሂ፡ ካብቲ ኣብ ህይወትና ንምኮሮ ውድቀታትን ናይ ሕማምን ጉስቁልናን ፈተናታት እዩ ዝመጽእ። ንመጻኢኸ እንታይ ውሕስነት ኣለኒ፧ ደይ ከምቲ ዝሓለፍክዎ እዩ ክንብል ከኣ ይገብረና። እዚ ሓሳብ ነታ ብዙሕ ግዜ ጐሲናያ ንሓልፍ ዘይነስተብህለላ፡ ብኣኣ ኸኣ ባህ ክንብል ኢሉ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ ንኸስራ። እዛ መዓልቲ’ዚኣ፡ ‘ሎሚ’ ትበሃል። ብትማሊ እናሓሰብና ንመጻኢና ክንግምቶን ክንጭነቐሉን ንውዕል እንተ ዀንና ፈጺምና ንሎሚ ከይነበርናያ እያ ትሓልፍ። መዋእልና ኸኣ ብፍርሂ ተዋሒጥና ከም ንነብር ንኸውን።
ነስተውዕል፡ ሰብ ብምንታይ እዩ ዝመውት፧ ኢልኩም ንርእስኹም እሞ ሕተትዋ፡ እቲ መልሲ ብሓጺርን ንጹርን፡ ‘በቲ ዝፈርሆ!’ ዝብል መልሲ ኢኹም ትረኽቡ። እዚ ፍርሂ ዝበሃል ነገር፡ እቲ ጸረ ሰናይ ዝኾነ ሰይጣን፡ ናይ ጸልማት ጥራይ ክሰርሕ ዝነብር ድያብሎስ ኣብ ነፍሲወከፍ ኣእምሮ ክስኲዖ ዝነብር ኣንጻር ሓሳብ ኣምላኽ እዩ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ሓንቲ ‘ደገኛ’ ተባሂላ ዝተመስከረላ ብኹለንትናኣ ኸኣ ምልእቲ ዝኾነት ሰበይቲ ኣላ። ንሳ ‘ሓይልን ክብረትን ልብሳ እዩ፡ ነቲ ዚመጽእ መዓልቲ ትስሕቆ።’ ተባሂሉ ተጻሒፉላ ኣሎ። (ምሳሌ 31፡25) ስለምንታይ ግን እዛ ሰበይቲ ከምዚ ኢላ ክሳብ ክንድዚ ርእሰ ተኣማማንነት ኣጥርያ እንተ ኢልና ነቲ ቅድምን ድሕርን ዘሎ ሓሳባት ናይቲ ጸሓፊ እንተ ርኢና ክንርድኦ ንኽእል ኢና። እዛ ሰበይቲ ትፈርሆ ነገር የብላን። ፍርሃት ዝፈጥረላ መጻኢ ስለ ዘየለ እያ ኣብ ሎሚ ዀይና ንጽባሕ ትስሕቆ።
ንምንታይ ትማሊ፡ ጽባሕ፡ ሕማም፡ ሞት፡ መርገም፡ ጉስቁልና፡ እርጋን ወዘተ እናበልና ኣብ ፍርሃትን ሽቚረራን ንነብር፧ ነቲ ክፍራህ ዝግብኦ ኣምላኽ ንፈርህ እንተ ዀንና፡ ካልእ ከፍርሃና ዝኽእል እኮ የለን!’ እግዚኣብሄር ነዚ ሓሳብ ኣብ ልበይ ካብ ዘቐምጦ ሓያለ ኰይኑ ኣሎ። በዚ ሓሳብ መሊአ ኣምላኽ ከም ዝረደኣኒ ኸኣ ኣካይዳይ የቕንዕ። ኩልና ውሽጥና (ሕልናና) ብዝምስክረልና መገዲ፡ ‘ኣነ ንእግዚኣብሄር ዝፈርህ ሰብ’የ፡’ ኢልና ንኣምን እንተ ዀንና። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብፍርሃት ስለ ንቐርብ፡ ኣብ ቅድሚ ካልእ ብትብዓት ክንቀርብ ብቕዓት (ጸጋ) ኣለና ማለት’ዩ። እዚ ዝጎድለና እንተ ዘይኰይኑ ግን፡ ‘ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ‘ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።’ (እብ 4፡16) ንሱ ነቲ ካብ ልብና ምሕረት ንሓተሉ፡ ምሕረት ክገብርን ካባና ብዘይውሰድ ጸጋ ሂቡ፡ ክንጸንዕን ብዘይ ፍርሃት ከም ንነብርን ክገብር ይኽእል እዩ።
እዚ ናብ ዙፋን ጸጋ ክንቀርብ ዝገብረና ትብዓት፡ ናይቲ ባዕሉ ብክርስቶስ የሱስ ዝዓደገና መንፈስ እግዚኣብሄር ኣቦና እዩ። ስለዚ እዩ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን…” ኢሉ ነቲ ክፍራህ ዘለዎ እግዚኣብሄር ፈሪሁ፡ ኣብ ቅድሚ ካልእ ኩሉ ብትብዓት ክቐርብ ምዒዱዎ። (2ጢሞ 1፡6-7)
ስለዚ፡ ሰብ ብምንታይ እዩ ዝመውት እንተ ኢልና፡ ኣይርድኦን እዩ ደኣምበር፡ ‘በቲ ዝፈርሆ’ እዩ። ናብ ሞት ዝጎትት ፍርሂ ሒዝና ካብ ንጐዓዝ፡ ናብ ህይወት ዝስሕብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣብ ልብና ከነንግስ እግዚኣብሄር ወትሩ ንልብና ምስ ኳሕኰሐ እዩ’ሞ፡ ደገ ልብና ከፊትና ፍርሃት እግዚኣብሄር ንምልኣዮ! ተባረኹ!