You are currently viewing 0001 ታሪኽ ኣለቃሕን ተለቃሕን

0001 ታሪኽ ኣለቃሕን ተለቃሕን

ኣብ ሓደ ዓዲ ሓደ ሰብኣይ ነበረ። እዚ ሰብኣይ ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዘድልዮ ነገር ነበሮ’ሞ፡ ብዓቕሙ ግን ክውንኖ ስለ ዘይከኣለ ኣብ ዕዳ ክኣቱ (ክልቃሕ) ንይሩዎ። ናብ ሓደ ኣለቃሒ ከይዱ ኸኣ ልቓሕ ሓተተ። ናይቲ ተለቃሒ ብጾት፡ ነቲ ኣለቃሒ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ስለ ዝነበሩ፡ ካብ ሓልዮት ተበጊሶም ይትረፍካ ይብልዎ ኔሮም እዮም። ንሱ ግን እታ ጉዳይ ንሽዑኡ ተገድሶ ስለ ዝነበረትን እቲ ዕዳኡ ዝኸፍለሉ ግዜ ድማ ነዊሕ’ዩ ኢሉ ስለ ዝሓሰበን፡ ኣብ መጻኢ ዕዳኡ ክኸፍል ምዃኑ ርግጸኛ ኰይኑ ነቲ ገንዘብ ተቐበሎ። ነቲ ውሱን ግዜ ዝነበሮ ጽሑፍ ውዕል ተፈራሪሙ ወደአ። እቲ ግዜ ንውሕ ዝበለ ስለ ዝነበረ ንኽፍርም ብዙሕ ስክፍታ ኣይነበሮን። ብድሕሪኡ ነቲ ገንዘብ ኣብ መዓላኡ ኣውዒሉ እታ ኣብታ እዋን ኣዝያ ተገድሶ ዝነበረት ጉዳይ ሓለፈትሉ።

ግዜ እናሓለፈ ክኸይድ እንከሎ እቲ ኣለቃሒኡ ኣብ ኣእምሮኡ ይመላለሶ ስለ ዝነበረ፡ በብንእሽቶ ገንዘብ የቐምጥን ገለ ውሑድ ድማ ይኸፍልን ነበረ። ከምቲ ዝበልክዎ እቲ ገንዘብ ክመልሰሉ ዘለዎ ግዜ ኣዝዩ ነዊሕ ስለ ዝነበረ ግን ተዛነየ። ግዜን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ ከም ዝበሃል፡ ልቓሑ ክመልሰላ ዘለዎ መዓልቲ ኣኸለት። እቲ ልቓሕ ሙሉእ ብሙሉእ ኣይከፈሎን። ኣለቃሒ መጺኡ ሙሉእ ልቓሕ ትዓጽወሉ መዓልቲ ኣኺሉ እዩ እሞ፡ ‘ሃበኒ’ በሎ። ሽዑ እቲ ተለቃሒ ሓደ ነገር ተረደኦ፡ እቲ ኣለቂሕዎ ዘሎ ሰብ ዘለዎ ዘበለ ኩሉ ወሲዱ ነቲ ዕዳ ክዓጽወሉ እንተ ዘይከኣለውን እታ ናይ መወዳእታ ሳንቲም ክሳብ ዝኸፍል ናብ ቤት ማእሰርቲ ከእትዎ ከም ዝኽእልን ተረደኦ።

ዝገብሮ ስለ ዘይነበሮ ግን፡ “ኣብዛ እዋን’ዚኣ ወላሓንቲ ክኸፍለካ ኣይክእልን እየ፡” በሎ። እቲ ኣለቃሒ፡ “ጸገም የብሉን፡ ደሓን ኣነን ንስኻን ዘዛራርብ የብልናን፡ ባዕልኻ ዝፈረምካሉ ወረቐት ውዕል ስለ ዘሎ፡ ዘለካ ንብረት ኩሉ ክሽየጥ’ዩ፡ ንብረትካ ተሸይጡ ዘለቃሕኩኻ ኩሉ እንተ ዘይከፈሎ ኸኣ ንስኻ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክትኣቱ ኢኻ፡” በሎ። ሽዑ በዓል ዕዳ ብስንባደ ዝገብሮ ጠፍኦ’ሞ ከምዚ በሎ፡ “ቁሩብ እቲ ግዜ ዘይተናውሐለይ፡ ወይ ደፊርካ ደኣ ኣይትበለኒ እምበር፡ እቲ ልቃሕ ክትድምስሰለይ ፍቓደኛ እንተ ትኸውን ጽቡቕ ኔሩ፡ በጃኻ ምሕረት ግበረለይ፡” በሎ። እቲ ኣለቃሒ ብምግራም፡ “ምሕረት!፧ ምሕረት ደኣ ብሓደ ወገን ጥራይ ከምዘርብሕ ኰይኑ መዓስ ይሰርሕ ኰይኑ። ኣነ ንኣኻ ምሕረት እንተጌረልካ ንስኻ ናጻ ክትከውን ኢኻ፡ ኣነ ግን ገንዘበይ ከይረኸብኩ ክተርፍ እየ፡ ስለዚ ኣነ ይህሰ ንስኻ ግን ትረብሕ ኣለኻ ማለት እዩ። ኖኖኖ… ኣነ ካብ ምሕረት ምግባር፡ ፍትሓዊ ኣሰራርሓ’የ ዝመርጽ፡” በሎ። “እወ በቃ ተረዲእኒ ኣሎ፡ ክፍርም ከለኹ ነቲ ዝነበረኒ ግዝያዊ ጉዳይ እምበር ንሓዋሩ ይሓስብ ኣይነበርኩን፡ ስለዚ ከም ድላይካ ግበር፡ ካብ ፍቓድካ ኣይወጽእን እየ፡” በሎ። ኣለቃሒ ነዲሩ፡ “ኣነ’ኮ ኣይኮንኩን ድላየይ ዝገብርን ዘይገብርን፡ እቲ ንስኻ ኢድካ ዘንበርካሉ ውዕል’ዩ፡ ሕጊ’ዩ’ኮ ዝሕዘካ ዘሎ። ነዚ ሕጊ ኸኣ ክንጥሕሶ ኣይንኽእልን ኢና። ግድን እዩ ክኽፈል ዘለዎ።” በሎ። ኣብዛ እዋን’ዚኣ፡ እቲ ኣለቃሒ፡ ስቕ ኢሉ ምሕረት እንተ ጌሩ ፍትሒ ክጉዕጸጽ’ዩ። እዚ ኸኣ ንወለሓደ ኣየርብሕን እዩ።

ብሓጺሩ እቲ ዝርርብ ከምዚ እዩ ኔሩ፡ “ልቓሐይ እንተ ዘይሰሪዝካለይ ምሕረት ዝበሃል ነገር የለን ማለት’ዩ፡” ይብል እቲ ተለቃሒ። እቲ ኣለቃሒ ኸኣ፡ “ምሕረት እንተጌረልካ ሕጊ የፍርስ ኣለኹ ማለት’ዩ” ይብል። ስለዚ እዚኦም ክልቲኦም ሰባት ክተዓረቑ እንተደኣ ኰይኖም፡ ኣብ ዘይከኣል ደረጃ በጺሕና ኣለና ማለት’ዩ። ንኽልቲኦም ዘዕግበልና ኣካል የድልየና ማለት’ዩ። እቲ ሓደ ኣይከኣለን፡ እቲ ሓደ ኸኣ ክህሰ የብሉን። ሕግን ምሕረትን ከኣ ፈጺመን ተሰማሚዐን ኣይፈልጣን’የን። ሕጊ እናፈጸምካ ምሕረት እናገበርካ ክትከይድ ኣይከኣልን እዩ።

ሓደ መገዲ ግን ኣሎ። ንኽልቲአን ዘሰማምዐን፡ ንኽልቲኦም ዘርብሕ፡ ንኻልእ ግን ዋጋ ዘኽፍል መገዲ እዩ። ነቲ ተለቃሒ ሓደ ናይ ቀደም ዓርኩ ክሕግዞ መጸ። ህይወቱ ኣብ ከምዚ ዓይነት ጉዳይ ከእቱ ስለ ዝፈተወ ዓሻ የምስሎ ይኸውን እዩ። ይኹን ደኣምበር ስለ ዘፍቅሮ ካብ ስቕ ኢሉ ምርኣይ ክሕግዞ ይመርጽ። እዚ ናይ ቀደም ዓርኪ፡ ነቲ ኣለቃሒ ከምዚ በሎ፡ “እዚ ዓርከይ ምሕረት ክሓተካ እንከሎ ስለ ዝተሸገረን ኣብዛ እዋን ክኸፍለካ ስለ ዘይከኣለን’ዩ። ምሕረት ሓቲቱካ እምቢ ካብ በልካ ግን፡ እቲ ገንዘብ ኩሉ ኣነ ክኸፍለካ’የ፡ ነዚ ዓርከይ ከኣ ኩሉ ዘለዎ ዘበለ ኣይትትንክየሉን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ኣይዳጎንን፡” በሎ’ሞ በዚ ተሰማሚዖም ወድኡ።

ሽዑ እቲ ሕያዋይ ዓርኪ፡ ገጹ ናብ ተለቃሒ ጠውዩ፡ “ዓርከይ፡ እሞ ሕጂ ኣነ ከፊለልካ ኣለኹ፡ ንዓይ ከም ኣለቃሒኻ ትርእየኒ ዲኻ?” በሎ “እወ! ካብ ንብረተይ ምሕራጅን፡ ካብ ቤትማእሰርትን እኳ ኢኻ ተድሕነኒ ዘለኻ፡ ካብዚ ዝዓቢ ክድግፈኒ ዝኽእል የለን፡ ከመይ ደኣ ዘይቅበለካ፡” በሎ። “በል ሕራይ፡ እቲ ሕጂ ዝኸፍለልካ ዘለኹ ልቓሕ ንዓይ ክትከፍለኒ ኢኻ፡ ኣነ ኸኣ ከመይ ጌርካ ከም ትኸፍለኒ ውዕል ከዳሉ እየ። ኣይትእሰርን ኢኻ፡ እቲ ኣከፋፍላ ግን ቀሊል ኣይኮነን፡ ከይትስንብድ ከኣ ዘይከኣል ኣይኮነን። ምሳይ ኰንካ ትኽእሎ ኢኻ” ብምባል፡ እቲ ኣለቃሒ ገንዘቡ ሂቡ፡ የፋንዎ’ሞ እቲ ተለቃሒ ዓብዪ ዕረፍቲ ይስምዖ። ዝኾነ ዝተሃሰየ ሰብ ኣይነበረን፡ ሳላ እዚ ማእከላይ ብዘይ ወላሓደ ዓመጽ ክልቲኦም ዓጊቦም፡ ሕጊ ብዘይምጉዕጻጽ ኩሉ ዕዳ ተኸፊሉ፡ እቲ ተለቃሒ ኸኣ ድሒኑ። እዚ እሙንን ወሳንን ዓርኪ የሱስ’ዩ! ሰላም!

ካብ መጽሓፍ “የሱስ!” ብሰናይ ሙሉእብርሃን

Leave a Reply