ምስዚ ኣርእስቲ ብዝተሓሓዝ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ማእከላይ’ ዝብል ቃል እንተወሓደ ብሰለስተ መገዲ ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ቀዳማይ፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሽ ኪዳንን ብሉይ ኪዳንን ዘሰማምዕ (ወንጌል) ማእከላይ። ካልኣይ፡ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ መንጎናን ኰይኑ ዘራኽብ (የሱስ) ማእከላይ። ሳልሳይ ከኣ ማእከል ኩሉ ነገር ምዃኑ ዘረጋገጸ (የሱስ) እዩ። ስለዚ ሓደ ኣካል ማእከላይ እዩ ክንብል እንተ ዀንና፡ ማእከላይ ሓደ ኣካል ጥራይ ኣይኮነን፡ እንተ ወሓደ ማእከላይ ናይ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ካልኦት ኣካላት ክኸውን ኣለዎ።
እዚ ማእከላይ ንምሽምጋል እንተ ዀይኑ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ዘይቃደዉ (ተጻረርቲ) ክቐውም ዝኽእል፡ ንኽልቲኦም ዝፈልጥ፡ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ጽልኢ ኣልዩ ክሽምግል ብቕዓት ክህልዎ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣካላት፡ ሓደ ንጹር ምጉት (dispute) ኣሎ። እዚ ማእከላይ ነቲ ምጉቶም ጽቡቕ ጌሩ ዝፈልጥ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ዝኸውን፡ እቲ ሰብ (በዳሊ) ባዕሉ ኣብ ቅድሚ ተበዳሊ ክቐርብ ብቕዓትን ትብዓትን ዘይብሉ እንተ ዀይኑ ኸኣ ንዕኡ ናብ ተበዳሊ ከቕርቦ ትብዓት ከም ዝህልዎ ክገብር ክኽእል ኣለዎ።
በዳልን ተበዳልን ንምፍታሕ ሽግሮም ክቀራረቡ እንተ ደኣ ኰይኖም፡ እዚ ማእከላይ ተባሂሉ ዘሎ ንኽልቲኦም ዝጸሉ ክኸውን ኣለዎ። ንልቢ ክልቲኦም ከረድእን ከእምንን ዝኽእል ብቕዓት ዘለዎን ንክልቲኦም ወገን ዘዕግብ ኣቃውማ ዝውንን ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ ናብቲ ሕቶ ንመለስ። እዚ ማእከላይ መን’ዩ፧ ከመይ ዝበለ እዩ፧ ብኸመይ መገዲ እዩኸ ነቲ ኣብ መንጎ ዘሎ ጽልኢ (ከልካሊ ቀጽሪ) ኣልዩ ናብ ኣንድነት ከምጽኦም፧
ንኣምላኽን ንሰብን ኣብ መንጎ ኰይኑ ክፈላሊ ዝጸንሐ ሓጢኣት እዩ። (ኢሳ 59፡2) እዚ ኣብ መንጎ ተቐሚጡ ንሰብን ንኣምላኽን ንኸይራኸቡ ዝኽልክል ሓጢኣት ሙሉእ ብሙሉእ ክኣሊ ብቕዓት ዘለዎ ጥራይ ዘይኮነ ክትክኦ ኸኣ ክኽእል ኣለዎ። ሓጢኣት፡ ብብዙሕ መገዲ እዩ ዝግለጽ። እተን ቀንዲ ሓጢኣት ክንፍጽመለን ንኽእል ግን ብሓሳብን ብቃላትናን ብግብርናን እየን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ በዘን ዝስዕባ ነጥብታት ይግለጽ። ዕልወት፡ ምፍራስ ሕጊ፡ ንኣምላኽ ዘይምድላይ፡ ጽድቂ ዘይምግባር ወዘተ፡ እዚ ኹሉ ካብቲ ህያው ኣምላኽ ክፈልየና ዝኽእል ‘ሓጢኣት’ እዩ። ሰብ ብባህሪኡ ብርሃን ክሓሪ እናኸኣለ እንከሎ፡ ካብ ብርሃን ጸልማት ስለ ዝሓሪ፡ ክምከሓሉ ዝኽእል ናይ ባዕሉ ጽድቂ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። (ዮሃ 3፡19) ስለዚ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ክጽሕፈሎም እንከሎ፡ “ኩሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም፡” ኢሉ። (ሮሜ 3፡23) ሰብ ብባዕሉ (ብዘይ ኣምላኽ) ጽድቂ ክገብር ኢሉ ዋላ እንተ ፈተነ፡ እቲ ዝለዓለ ጽድቂ ኢሉ ክገብሮ ዝኽእል፡ ከም ጽዩቕ ጨርቂ እዩ። (ኢሳ 64፡6)
ናይዚ ኩሉ ሓጢኣት ዓስቢ ኸኣ ሞት እዩ። ሞት ማለት ከኣ ንሓዋሩ ካብ ኣምላኽ ምፍልላይ ማለት እዩ። ስለዚ እዚ ማእከላይ ዝበሃል ዘሎ፡ ነዚ ዓስቢ እዚ ክወስድ ዝኽእል ወይ ክመውት ድሉው ዝኾነ ክኸውን ኣለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ኪዳን እተገብረ ኣበሳ ንምድሓን ዚኸውን ሞት ምስ ኰነ፡ እቶም ጽዉዓት ነታ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሉ፡ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን ዘድለየ። (እብ 9፡15) እዚ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን፡ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ይበሃል! ገንሸል ክኸውን ከኣ ክብሩ ሓዲጉ መጺኡ።
እዚ ገንሸል’ዚ ብዘይ ፍታው ናይቶም በደልቲ እዩ ዝሞተሎም ዘሎ። ጌና ድኹማት እንከለና፡ ጌና ዓመጽቲ እንከለና፡ ጌና ሓጥኣን እንከለና፡ ዝገደደ ኸኣ ጌና ጸላእቱ እንከለና ሞይቱልና። ምስ ኣቦ፡ ምስቲ ዘፍቀረና ኸኣ ማእከላይ ኰይኑ ኣተዓሪቑና። (ሮሜ 5፡6-10) ኣብዚ እዩ እቲ ማእከላይ ብፍታው እቲ ተበዳሊ፡ ማእከላይ ክልተ ኰይኑ ዝግለጽ። ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ክጽሕፍ እንከሎ ከምዚ ኢሉ፡ “ማእከላይሲ ማእከላይ ሓደ ኣይኰነን፡ ኣምላኽ ግና ሓደ በይኑ እዩ።” (ገላ 3፡20) ደጊሙ ንጢሞቴዎስ ከኣ ብንጹር፡ “ማለት፡ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ!” ኢሉ ጽሒፍሉ። (1ጢሞ 2፡5)
ብዘይካ’ዚ፡ የሱስ ዓርኪ ደቀ መዛምርቱ ምዃኑ ብምኽንያት’ዩ። “ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም። እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ።” (ዮሃ 15፡14-15) የሱስ እቲ ዓርኪ ደቂ መዛምቱ፡ ምኽንያት ናይቲ ዓርኮም መኾኒኡ፡ ኣብዚ ቃሉ ኣነጺሩሎም ኣሎ። “ኣብ ሞንጎኹምን ኣብ ሞንጎ ኣምላኽን ማእከላይ ኰይነ ካብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም…” ብዝብል ቃል ኣነጺሩዎ ኣሎ።
እዚ ዓርክናን ማእከላይን ዝኾነ መድሓኒና፡ ኣብ መንጎ ዀይኑ ምስቲ ዘፍቀረና ኣምላኽ ክሽምግለና ፍቓደኛታት እንተ ዘይኰንና፡ እቲ ሙሉእ ሓላፍነት ናይ ውልቅና ንወስድ ባዕልና ኢና። ስለዚ ንዓና ካብቲ ዝነበርናዮ ዓዘቕቲ ሓጢኣት ከውጽኣናን እንእወዶ ዕዳ ኩሉ ኣልዒሉ (ባዕሉ ከፊሉ) ሓራ ዝገብረና የሱስ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘሎና፡ በዚ ባህ ክብለና ይግብኦ እዩ። እዛ ትስዕብ ጥቕሲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ህይወትና ኣካይዳ ከነስተንትና ደስ ይብለኒ፡ “የሱስ ከኣ በሎ፡ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።” (ዮሃ 14፡6)
ካብ መጽሓፍ “የሱስ!” ብሰናይ ሙሉእብርሃን