You are currently viewing 0002 ኣብ ህይወት ሙሉእ ሰለስተ መንግስታት እየን ዘለዋ…

0002 ኣብ ህይወት ሙሉእ ሰለስተ መንግስታት እየን ዘለዋ…

ሰለስተ መንግስቲ ኣለዋ፡ ንሳተን ከኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ፡ መንግስቲ ምድሪ፡ መንግስቲ ሰይጣን ይበሃላ። እታ መንግስቲ ምድሪ በተን ክልተ እያ ትዝወር (ብሓዲአን)። እዚ ከኣ ምልክት ናይ መንፈስ፡ ነፍሲ፡ ስጋ እዩ። መንፈሳዊ ሰብ እንተኾንካ፡ ምስታ መንግስቲ ኣምላኽ ቀጥታዊ ዝኾነ ርክብ እዩ ዘለካ። በዚ ርክብ ከኣ ህይወትካ ተማእዝን፡ ኩሉ ካብ ሰማይ ይኾነልካ። ኣብዚ ምድሪ ዝተወሃብካዮ ስልጣን ክትጥቀመሉ እንተኾንካ ግን ክትዓጥቆ ዘለካ መንፈሳዊ ዕጥቂ ኣሎ፡ እዚ ዕጥቂ እዚ ነቲ፡ ኣምላኽ ዝመደበልካን ተልእኾታትካን እትፍጽመሉ ዕጥቂ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ፖሊስ ትራፊክ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኑን፡ ከይተኸድነን፡ መኪና እናዘወርካ ደው በል ከብለካ እንከሎ፡ እንታይ ትገብር ርዱእ እዩ። ስልጣንካ ኸኣ ብዘይ እቲ ዕጥቂ ክትጥቀመሉ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ሓደ ምኽሪ ኣለኒ፡ “ነፍሲወከፍ ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ክርስትያን ሰይጣን ክገብሮ ዘይክእል ክገብር’ዩ ተመዲቡ።” እታ ናይ ሰይጣን መንግስቲ ኣድህቦኻ ኩሉ ግዜ ኣብ ትእምርትን ተኣምራትን ክትገብር እያ ትስሕበካ። ህይወትካ ብትእምርትን ተኣምራታትን ጥራይ ዝተኸበበት እንተኾይና ግን ኣብ ሓደጋ ከምዘለኻ ኣይትዘንግዕ። እሱ፡ ሰይጣንውን ስለ ዝኽእሎ፡ ኣብ ቅድሚ መንግስቲ ኣምላኽ ግዛዕ ኣይኮነን። ሰይጣን ናይታ ኣብ ሰማያት ዘላ ኣብ ውሽጢ ነፍሲወከፍ ክርስትያን ከኣ ማሕደር ረኺባ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ስራሕ ጥራሕ እዩ ክሰርሕ ዘይክእል እምበር፡ ኩሉ ዓይነት ተኣምራታት ክገብር ይኽእል እዩ፡ ንርእዮ ኸኣ ኣለና።

መንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ እያ ትዓዪ። ናይታ መንግስቲ ሓይሊ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ስለዚ ካብተን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ሰለስተ መንግስታት እታ መንግስቲ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ጥራይ እያ ትዓዪ። ነታ ናይ ምድሪ መንግስቲ ኸኣ በቶም መንፈሳዊ ምስ መንፈሳዊ እናሰማምዑ ዝምርሑ ኣገልገልቲ ጽድቂ ጌራ ናብቲ ንዘለኣለም ዕረፍትን ሰላምን ፍቕርን ፍርሃትን ትመርሓ። እዚ ግን ነቶም መወዳእታኦም ጥፍኣት ዝኾኑ፡ ኣምላኾም ከብዶም፡ ክብረቶምውን ኣብ ነውሮም፡ ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ ዝኾኑ፡ ነቶም በታ ናይ ሰይጣን መንግስቲ እትምራሕ ዓለም ክሰርሑ ዝነብሩ (ዝመረጹ) መራሕትን ህዝብን ኣይጥዕሞምን እዩ።

መንግስቲ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ክትዓዪ እንከላ፡ እታ መንግስቲ ሰይጣን ከኣ ብኣጋንንቲ (ርኹሳት መላእኽቲ) እያ ትዓዪ። ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ ከኣ እቶም ቀንዲ መሳርሒኣ እዮም። ስለዚ ነታ ኣብ ምድሪ ዘላ መንግስቲ ብግዝያውን ሽዓ ዝሓልፍን ርኹስ ረብሓታት ኣደንዚዛ እያ ጉዳያ ተቃንዕ። ነስተውዕል፡ እዚ ጥቕሲ ረዚን ንዘለኣለም ዝነብር መልእኽቲ እዩ ዘለዎ፡ “ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥመቕ ክሳብ ሎሚ መንግስተ ሰማያት ብሓይሊ ትደፍእ ኣላ፡ ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ ኣለዉ።” (ማቴ 11:12)

ኣብ ህይወት ውልቀ ሰብ እንተመጺእና ኸኣ ንሱ እዩ፡ ነፍሲ ሰብ ወይ ብስጋዊ ትምኒታትን ስምዒታትን ወይ ከኣ ብመንፈስ እያ እትምራሕ። ዝበዝሓ ነፍሳት ግን ናብዝን ናብትን ክብላ ኣብ መንጎ ስለ ዝነብራ ህይወተን ኣብ ጉስቁልና እዩ ዝነብር። ስለዚ መን’ዩ መራሒና መንፈስ ቅዱስዶ ዋላ እቲ ናይ ጸልማት ጥራይ ዝሓስብ ርኹስ መንፈስ፧ ርእስና ንፈትሽሞ፡ ዝመዓራረ እንተሊና ነመዓራሪ። ሰላም!

Leave a Reply