You are currently viewing 0005 የሱስ፡ እቲ መተዓረቒ

0005 የሱስ፡ እቲ መተዓረቒ

የሱስ መጀመርታ እቲ ንሕና ብኹሉ ዓቕምና ክንከፍሎ ዘይንኽእል ዋጋ እዩ ከፊሉልና፡ ንህይወትና ኸኣ ምስ ኣቦ ዳግም ክትተዓረቕን ኣንድነት ክህልዋን ገይሩ።
ዕርቂ፡ ካታላሶ (katallassō) እዩ ዝበሃል። እዚ ዕርቂ እዚ ንኹሉ ዓይነት ዕርቅታት ዝውክል ኣይኮነን። ኣምላኽ ብባዕሉ ናይ ዕርቂ ውሳኔ ዝወሰደሉን ዘተግበሮን ንምግላጽ ባዕሉ (heautou) ዝብል ቃል ተጠቒሙ ኣሎ። “እዚ ዅሉውን ካብቲ ‘ባዕሉ’ ብክርስቶስ እተዓርቀና፡ ኣገልግሎት ዕርቂውን ዝሃበና ኣምላኽ እዩ።” (2ቈረ 5፡18)

ንኣብነት፡ ክልተ ዝተበኣሱ፡ ዘይዘራረቡ ሰባት እንተደኣ ሃልዮም፡ ሓደ ኣተዓራቒ ከድሊ ብግዲ እዩ። ንሳቶም ሰባት ስለ ዝኾኑ ኸኣ ናይ ክልቲኦም ባህርይ ክፈልጥ ስለ ዘለዎን፡ ‘እቲ ኣተዓራቒ’ ሰብ ክኸውን ኣለዎ። ካልእ ፍጥረት ናይ ሰብ ባህርይ ክፈልጥ ስለ ዘይክእል ንሰብ ክዓርቕ ኣይክእልን እዩ። እቲ ሰብ መንጐኛ እዩ ናይ ክልቲኦም ኩነተ ኣእምሮ ክርድኦ ዝኽእል። ናብቲ ሓደ (ተበዳሊ) እንታይ ምዃኑ እቲ ጉዳይ ብምልኣት ክርደኦ ምእንቲ ሓሳቡ ሰሚዑ ዝርደኦ ክኸውን ኣለዎ። ናብቲ ካልኣይ ሰብ (በዳሊ) ኸኣ ከምኡ። ብድሕሪኡ ሓደ ይቕሬታ ክሓትት፡ እቲ ሓደ ኸኣ ይቕረ ክብል (ምሕረት ክገብር) ናይ ምቅርራብ መስርሕ ይፍጸም።

ናብ ናይ ሰብን ኣምላኽን ጉዳይ እንተመጺና ኸኣ እቲ መስርሕ ሓደ’ዩ። ሓደ ብመንነቱን፡ ብኹነተ ኣእምሮን ብባህርያትን ንክልቲኦም ዝመስል ኣካል እዩ መንጐኛ ክኸውን ዝኽእል። እዚ ማለት ከኣ ምእንቲ ንኣምላኽ ክርዳእ ኣምላኽ ክኸውን ኣለዎ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ኸኣ ንሰብ ምእንቲ ክርዳእ ሰብ ክኸውን ኣለዎ። ንኽልቲኡ ከንብቦ ዝኽእል ክልቲኡ ዝኾነ ኣካል ጥራይ እዩ።

ሰብ ምስ ምስ ህበይ እንተ ተባኢሱ ንጋውና ፍረደና ኣይብሎን’ዩ። እቲ ጋውና ዋላ ወገን ክሕዝ እንተዘይደለየ፡ ንሰብ ክርድኦ ስለ ዘይክእል ፍርዲ ግድን እዩ ዝቐንን። ስለዚ እዩ ኸኣ እቲ ክርስቶስ፡ የሱስ (ፍጹም ሰብ) ኰይኑ መጺኡ፡ ምስ ኣምላኽ ኣተዓሪቑና። ሓሳብ ኣምላኽ ክፈልጥ ዝኽእል መን’ዩ፧ እንተ ኢልና ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ድኻም ሰብ ክርዳእ ዝኽእልከ መን’ዩ፧ እንተ ኢልና ኸኣ ሰብ ጥራይ እዩ። ስለዚ እዩ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ኰይኑ ንኽልቴና ከተዓርቐና ኩሉ ሓዲጉ ናብ ምድሪ መጺኡ። የሱስ እቲ ክርስቶስ፡ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ከም ምምንዛዕ ከይረኣየ፡ መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሲሩ፡ ሰብውን መሲሉ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኺቡስ፡ ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሒቱ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዙ።” (ፊሊጲ 2፡6-8)

መላእኽቲ ናይ እግዚኣብሄር ኣእምሮ፡ ናይ እግዚኣብሄር ሓሳብ ክበጽሕዎ ኣይክእሉን እዮም። ከተዓርቑና ኸኣ ኣይክእሉን እዮም። ጻድቃናት ናይ እግዚኣብሄር ኣእምሮ፡ ናይ እግዚኣብሄር ሓሳብ ክበጽሕዎ ኣይክእሉን እዮም። ከተዓርቑና ኸኣ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ እዩ እዚ ጥቕሲ እዚ ዝተጻሕፈ፡ “ማለት፡ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ።” (1ጢሞ 2፡5)

ካብ መጽሓፍ፡ “የሱስ!” ብሰናይ ሙሉእብርሃን

Leave a Reply