You are currently viewing 0005 ሽዱሽተ ምልክታት ሃካይ ሰብ

0005 ሽዱሽተ ምልክታት ሃካይ ሰብ

  1. ሃካይ፡ ኩሉ ግዜ ቀሊልን ፎኪስን ሓጺርን ነገራት እዩ ዝመርጽ! ትህኪት፡ ብነኣሽቱ ውሳኔታት ዝጅምር ኩሉ ግዜ ኣብ ምቹእ ኩነታት ክትነብር ዝገብረካ መርዚ እዩ። ሽግር እንተ ኣጋጠመውን፡ ቀለልቲ መውጽኢታት እናርኣየ፡ ቀስ እናበለ ዝዓቢ ሕማም እዩ። ሒደት ናይ ሃካይ ሰብ ምርጫታት ንርአ፡-
    ሀ. ንንእሽቶ ግዜ ኣብ ዓራት ምጽናሕ፡
    ለ. ናይ ምሳሕ ግዜ ምስግጋር፡
    ሐ. ተደጋጋሚ ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ምውሳድ፡
    መ. ኣብ ዘይጠቅም (ምስ ዕላማኡ ዘይከይድ ዕላላት ነዊሕ ግዜ ምውሳድ) ወዘተ፡ ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ እዮም።

ሃካይ ሰብ እታ ዝዓበየት ጸገሙ፡ ነገራት ምውንዛፍን ኣብ ግዜኡ ዘይምዕያይን እዩ። ብፍላይ ንኽብድ ዝበለ ዕዮታት ክፍትኖውን ኣይሓስብን እዩ። እዚ ዓይነት ውሳኔታት ኣብ መጀመርታ ወይ ንኡስ ዕድመ፡ ምናልባት ዘይክጎድኡኻ ይኽእሉ እዮም፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ግን ናይ ህይወትካ መምርሒታት ኮይኖም ኢኻ ትረኽቦም። ሒደት ደቓይቕ ተደማሚሩ ኣብ ህይወትካ ዓብዪ ክሳራ (ዕንወት) እዩ ዝፈጥር። ንመዓልቲ ናኣሽቱ ነገር ዝንዕቕ ሰብ፡ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ምልክት እዩ። (ዘካ 4፡10) “ሓንሳእ ምድቃስ፡ ሓንሳእ ከኣ ምትኻስ፡ ሓንሳእ ምእንቲ ኽትዐርፍውን ኣእዳውካ ምምስቓል፡ ድሕርዚ ኸኣ ድኽነትካ ኸም ፈጣን መንገደኛ፡ ስእነትካ ድማ ከም ኣጽዋር እተዐጥቀ ሰብኣይ ይመጸካ።” (ምሳ 6፡10-11) “ትህኪት ናብ ዓሚቝ ድቃስ የውድቕ፡ ሸለልተኛ ነፍሲ ኸኣ ትጠሚ።” (ምሳ 19፡15) “ከምቲ ማዕጾ ኣብ ወንድወንዶኡ፡ ሃካይውን ከምኡ ኣብ ዓራቱ ይዘውር።” (ምሳ 26፡14)

  1. ሃካይ፡ ንግዜን ዘመንን (ህሉው ወቕቲ) ሸለል በሃሊ እዩ! ሃካይ፡ ቅልጥፍ ኢሉ ኣይብገስን እዩ። እዛ ትሓልፍ ዘላ መዓልትን ጽባሕን ሓደ ኰይነን እየን ዝረኣየኦ። ማለት፡ ሎሚ ክዓዮ ዝግበኦ ዕዮ፡ ብዘይ ዝኾነ ሽግር ጽባሕ ከርክበሉ እየ በሃሊ እዩ። ሃካይ ዋጋ ናይ ግዜ ኣይርድኦን እዩ። ዘለዎ ዘመን ኣየንብብን እዩ። ሃካይ ብሓፈሽኡ ንሎሚ እዩ ዝነብር ብዛዕባ መጻኢ ዝኾነ ይኹን ሓሳብ የብሉን። ሃካይ ሰብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቆይሙ ብዛዕባ ርእሱ ጸብጻብ ክህብ ምዃኑ ኣይዝክርን እዩ። ብሓጺሩ ግዜ ዝመሲ ወይ ዝጽልምት፡ ‘ንኽንድቅስ ጠራይ እዩ’ ኢሉ ይሓስብ። ነቲ ኩነታት ናብ ረብሓኡ ክልውጦ ኢሉ ኣይሓስብን እዩ። ክረምትን ሓጋይን ንዕኡ ሓደ እዮም፡ ኣብ ግዜኡ ክነብር ኣይክእልን እዩ። ስለዚ እዩ ኸኣ ዝኾነ ሃካይ ሰብ ተጸባይን ግዙእን ተስፋ ቆረጽን፡ ድኹምን ዝኸውን። “ኢድ ትጉሃት ክትገዝእ እያ፡ እታ ሃካይ ግና ክትግብር እያ።” (ምሳ 12፡24) “ሃካይ ብምኽንያት ቍሪ ኣይሐርስን፡ ብጊዜ ቐውዒ ይልምን እሞ፡ ገለ እኳ ኣይረክብን።” (ምሳ 20፡4)
  2. ሃካይ፡ ዝጀመሮ ዕዮኡ ኣብ መፈጸምታ ኣየብጽሕን እዩ! ሃካይ ሰብ፡ ኣብ ዝኾነ ንሱ ዝሓዞ ዕዮ፡ ፍጹም ተገዳስነት ዝበሃል የብሉን። ኣብ ክንዲ ክፉት ዕድላት ክደሊ ዝህቅን፡ ኩሉ ነገር ኣብ ቅድሚኡ ዘይነቓነቕ ጎቦ ኰይኑ እዩ ዝረኣዮ። እንተ ተዓወተውን ካብ ዘይተገዳስነቱ ዝተላዕለ፡ ንዓወቱ ዋጋ ወይ ክብሪ ኣይህቦን እዩ። ንሓደ ሃካይ ሰብ፡ ዓወት ማለት ናብ ካልእ ከቢድ ዕዮ ምስግጋር ኰይኑ እዩ ዝስምዖ። እዚ እዩ ኸኣ ንኹሉ ዕድላት ከም ዝሓልፍ ዝገብሮ ወይ ከኣ፡ እቲ ስራሕ ኣብ መፈጸምታ ከይበጽሐ ከም ዘቋርጾ ዝኸውን። ብሰንኪ ሓንቲ ኣብ መፈጸምትኣ ዘይበጽሐት ዕዮ ኸኣ፡ ማሕበረሰብ ሙሉእ ወይ ናይ ትካል ሙሉእ፡ ወይ ከኣ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ዕዮታት ክሰናኸል ዝኽእል። እቲ ዝገርም ሓደ ሃካይ ዋላ እቲ ባዕሉ ዘፋረቖ ዕዮ ኣብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕ ይኹን፡ ይበላሾ እናሃለወ እናረኣዮ ተጽዕኖ (ሸኸም) ኰይኑ ስለ ዝስምዖ፡ ንኽምልኦ ወይ ንኸዐርዮ ተበግሶ ኣይወስድን እዩ። “ኣነ ብግራት ሃካይ፡ ብናይቲ ኣእምሮ ዜብሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ሐለፍኩ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ኵሉ ተዀርባ በቝልዎ፡ ቈጥቋጥ ውሒጥዎ፡ እቲ መካበብያ እምኒውን ፈሪሱ።” (ምሳ 24፡30-31) “ሃካይ ነቲ ዝሀደኖ ኣይጠብሶን፡ ትግሃት ግና ንሰብ ክቡር ገንዘብ እያ።” (ምሳ 12፡27) “ብሰሪ ትህኪትሲ ናሕሲ ይንሀል፡ ብሰሪ ህኩያት ኣእዳው ከኣ ቤት ይነጥብ።” (መክ 10፡18)
  3. ሃካይ፡ ኣብ ባህግታትን ድሌታትን (fantasy) እዩ ዝነብር! ሓደ ሃካይ ሰብ እንተዘይደቂሱ ብዛዕባ ክገብሮ ዝደልን ክውንኖ ዝደልን ጥራይ ክሓስብ እዩ ዝዓርቦን ዝወግሖን። እንተ ደቂሱ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ዝኾነ ርክብ ስለ ዘይብሉ፡ ናብቲ ዝተፈጥረሉ ዕላማ ዝመርሕ ሕልምታት ኣይሓልምን’ዩ። ምሕሳብ ጽቡቕ እኳ እንተኾነ፡ ብዘይ ግብሪ ስለ ዝኾነ ግን ዝሓስቦም ዘበለ ኹሎም ናብ ጋህዲ (ናብ ባይታ) ከምጽኦም ኣይክእልን እዩ። እቲ ኣብ ሞንጎ ደረት ዘይብሉ ሓሳባት ዝሓስብ ኣእምሮኡን ኣብ መንጎ እቲ ምንቅስቓስ (ግብሪ) ዘይፈቱ ኣካላቱን ዘሎ ወጥሪ ናብ ከቢድን ኣዕናውን ርእሰ ምትሓት እዩ ዘውድቖ። “ሃካይ፡ ኣእዳው ምዕያይ ይኣብያ እየን’ሞ፡ ትምኒቱ ይቐትሎ። ምሉእ መዓልቲ ብህርፋን ዚምነ ኣሎ፡ ጻድቕ ግና ይህብ ኣይከልእን ከኣ።” (ምሳ 21፡25-26) “ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ፡ ግናኸ ናብ ኣፉ እኳ ኣይመልሳን።” (ምሳ 19፡24)
  4. ሃካይ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዋላ እንተ ሃለወ ወላሓንቲ ኣየፍርይን እዩ! ሃካይ፡ ብፍላይ ኣብ ግዜ ዕዮ፡ ጽልዋኡ በላሊ (ኣዕናዊ) እዩ። ዝኾነ ይኹን ትካል ወይ ማሕበር፡ ኣብ ክንዲ ዝረብሑሉ፡ ኣዝዩ ዋጋ ከኽፍሎም ከሎ ኢኻ ትርኢ። ዝበዝሐ ኣባል ናይ ትካል ይኹን ማሕበር ነዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ እንተዘይመጾም እዮም ዝምነዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ብትግሃት ዝዓዪ ሰብ፡ ዘሸግሮ ሰብ እንተ ዘይብሉ፡ ናቱ ናይ ብጾቱ ክዓዪ ዝኽእል ጸጋን ጸዓትን እዩ ዘለዎ። እዚ ሃካይ ሰብ ግን፡ ኣብ ዕዮ ብሓላፍነት ስለ ዘይዓዪ ኩሉ ግዜ ኣብ ኣገልግሎቱ ይኹን ኣብ ህይወቱ፡ ዘይእሙን ኰይኑ እዩ ዝነብር፡ በዚ ኸኣ ዓቢ ክፍተት (ጋግ) ይፍጠር። “እቲ ንዕዮ ሸለል ዚብሎ ሰብሲ ሓው በታን ገንዘብ እዩ።” (ምሳ 18፡9) “ከም መጺጽ ንስኒ፡ ከም ትኪ ኸኣ ንዓይኒ፡ ሃካይ ንለኣኽቱ ኸምኡ እዩ።” (ምሳ 10፡26)
  5. ሃካይ፡ ንንጥፈታቱ ወይ ንተግባራቱ ባዕሉ ብዝፈጠሮም ፍርህታት እዩ ደረት ዝገብረሎም! ዝበዝሐ ግዜ ትህኪት ውጽኢት ናይ ምኽንያት ዘይብሎም ፍርህታት ክነሱ፡ ንሃካይ ግን ኩሉ ግዜ መመኽነዪ ኰይኑ እዩ ዝነብር። ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርህታት ከኣ መወዳእታ እንተ ዘይገበርካሎም ናብ ካልእ ዓበይቲ ተወሰኽቲ ፍርህታት እዮም ዝመርሑኻ። እቲ ዝገርም ከኣ ንሃካይ ከምዞም ፍርህታት ይደራረብዎ እሞ፡ ካብ ምዝካሮም ንኽድሕን ብድቃስ እዩ ከከሓሕሶም ዝፍትን። ብኡ ኣቢሉ ኸኣ ደቃሲ ይኸውን። “እቲ ሃካይ፡ ኣብ መገዲ ኣንበሳ ኣሎ፡ ኤረ ኣብ ኣደባባይ ኣንበሳ ኣሎ፡ ይብል። ከምቲ ማዕጾ ኣብ ወንድወንዶኡ፡ ሃካይውን ከምኡ ኣብ ዓራቱ ይዘውር።” (ምሳ 26፡13-14) “እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ፡ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡ ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎ፡ እንሆ ገንዘብካ፡ በሎ። እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ፡ ዘይዘራእክዎ ኸም ዝዐጽድ፡ ዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ አሎኻ።…” (ማቴ 25፡24-26) “ሃካይ፡ ኣብ ወጻኢ ኣንበሳ ኣሎ፡ ኣብ ማእከል ኣደባባይ እቕተል እኸውን እየ፡ ይብል።” (ምሳ 22፡13) ካብ ከምዚ ዝበለ ህይወትካን ሕብረተሰብን ዝብክል ክፉእ ሕማም ተሓሎ! ሰላም!

Leave a Reply