ንሓደ ሓሳብ ኣብ መወዳእታ ንኸተብጽሖ፡ ምርድዳእን ምምይያጥን ደኣምበር ክትዕ ኣብ መደምደምታ ኣየብጽሕን እዩ። ሰብ ሓቂ ንምፍላጥ ዕድሚኡ ሙሉእ ለፊዑ እዩ። ሓቂ ግን ብኸመይ ኢኻ ተፍልጦ፧ ብጎነጽ፡ ብኽትዕ፡ ነቲ ሓደ ብምንኣስ ነቲ ሓደ ኸኣ ብምትዕብባይ፧ እዚ ኹሉ፡ ‘ኣነ እየ ሓቀኛ፡’ እዩ ዘስምዕ እምበር፡ ንሓቂ ከፍልጥ ኣይክእልን እዩ!
መቸም ህዝብና ብፍላይ ህዝቢ ኣፍሪቃ ኸኣ ብሓፈሻ ብሃይማኖትን ብፖለቲካን እንድዮም ዝጨፋጨፉ፡ መወዳእታ ናብ ዘይብሉ ጽልእን ቅርሕንትን ንሓድሕድካ ምጥፍፋእን ከኣ ይበጽሑ። እዚ ነቶም ብኹሉ ሸነኻት ማዕቢሎም ዘለዉ ሕብረተሰባት ጉዳዮም ኣይኮነን፡ ኣብ ሃይማኖትን ፖለቲካን ፍጹም የለዉን። ኣብ ኤኮኖሚን (ስነ ቁጠባን) ሓይልን እዮም ዘለዉ። ምኽንያቱ እቲ ሃይማኖትን ፖለቲካን ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ለፊዕሙሉ’ዮም። ወላሓንቲ ፍረ ከም ዘይብሉ ፈሊጦም ከኣ ሓዲጎሞ።
ንኣብነት ንርአ፡ ኣብ ህዝብና ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት እንተመጺና እተን ቀንዲ መዛረቢ፡ “ማርያም እያ ተማልደልና” ዝብሉ ኦርቶዶክሳውያን፡ “የሱስ እዩ መማለዲና፡” ዝብሉ ወንጌላውያንን፡ “መሓመድ እዩ እቲ ናይ መወዳእታ ነብዪ፡” ዝብሉ ሞስሊም እዮም። እዚ ግን ብጎነጽን ብኽትዕን መወዳእታ ክሕዝ ዝኽእል ኣርእስቲ እዩ ኢልኩም ትሓስቡ፧ ያእ ኣይፋሉ። ከምቲ ዝበልክዎ ሓቀኛ ምዃንካ ከተፍልጥ ደኣምበር ሓቂ ከተፍልጥ ኣይኮንካን ናብ ጎነጽን ክትዕን ትኣቱ።
ኩሎም ነናቶም ጭብጢ ዝብልዎ መጽሓፍን እምነትን እዩ ዘለዎም። ህድ…እ በሉ! ሓቂ ክትፈልጥ ህድእ ምባል እዩ ዘድሊ። ጸደፍደፍ ስለዝበልካ፡ ስለ ሃይማኖትካን ትኣምነሉ ፖለቲካን ስለ ዝተኻታዕካ ሓቂ ትፈልጥ ኢኻ ማለት ኣይኮነን። ሓቂ ብህድኣትን ንውሽጥኻ ብምስማዕን ብመጽናዕትን እዩ ዝፍለጥ። ብስምዒትን ቁጥዓን ኣይኮነን። ስምዒትን ቁጥዓን ናብ መሲሉኒ ዝብል መደምደምታ እዮም ዘብጽሑኻ። መሲሉኒ ኢልካ ትመልሶ ዘዕነኻዮ ሓዳር፡ ዘዕነኻዮ ሕበረተሰብ ከኣ ንኽምለስ ከቢድ እዩ።
ዝበዝሐ ሰብ ንሓቂ ክምርምርን ነቲ ሓቂ ሒዙ ክጸንዕን ዘይኮነ ዝደሊ፡ ንሱ ሓቂ እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ ንኽሓድጎ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ስለ ዝኸብዶ ምስታ ሒዝዋ ዘሎ ሓቂ ትኹን ኣይትኹን ብዘየገድስ፡ ንሱ ዝኣምነላ ክመውት ይመርጽ። እዚ ኸኣ ፍርሂ ዘበግሶ ድኻም እዩ። ሓደ ብስራት ግን ኣለኒ፡ “ሓቂ ምፍላጥ ማለት ሓራ ምውጻእ ማለት እዩ። ሎሚ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ ክንምርምር ዘኽእለና ምንጪ ሓበሬታታት እዩ ዘለና። ብእኡ ክንምጉትን እቲ ናብ ምዕባለን ስልጣኔን ዕረፍትን ከብጽሓና ዝኽእል፡ ጽጹይ ሓበሬታታ ኣኪብና ንወለዶና ዝጠቅምን ንዓና ኸኣ ካብ ኣብ ዘይጠቅም ክትዕን ዘይምርድዳእን ዘውዕለና ኣጉል ሓሳብ ክንወጽእ የኽእለና ምንጪ ሓበሬታታት እዩ። ንጠቐመሉ፡ ልብናን ልቢ ህዝብናን ነዕርፍ። ሎሚ፡ ኣነ እየ ፈላጥ፡ ኣነ እየ ሓቀኛ ዝብል ሰብ ኣይኮነን ዘድልየና። ሰብ ይኹን መጻሕፍቲ፡ ቴክኖሎጂ ይኹን ካልእ፡ ሓቂ ዘፍልጠናን ናብቲ ሓቂ ኸኣ ዝመርሓናን እዩ ዘድልየና። ሰላም!