You are currently viewing 0003 ሕማቕ ኣተሓሳስባ ክፉኣትን ድኹማትን ሰባት

0003 ሕማቕ ኣተሓሳስባ ክፉኣትን ድኹማትን ሰባት

“ብዙሓት ይኹኑ ውሑዳት ሰባት ኣንጻርካ ዝስለፉ እንተ ርኢኻ ሓያል ምዃንካ መግለጺ እዩ!” ምኽንያቱ ንስኻ ትሰርሖ ዘለኻ ስራሕ ኣንጻር ረብሓኦም ወይ ኣንጻር እቲ ንብዙሓት ዝጠቅም ትዓዮ ዘለኻ ዕዮ እዩ። እዞም ክፉኣትን ድኹማትን ሰባት ከኣ ኣብ ክንዲ ኣብ ርእሶም ዝጥምቱ’ሞ ማዕረ እቲ ግዜ እናኸዱ ክልወጡ ኣብ ክንዲ ዝፍትኑ፡ ነቲ ዝተለወጠ ቀቲሎም (ኣጥፊኦም ወይ ኣህዲሞም) ንሳቶም ክነግሱ ወይ ነቲ ክልወት ዝግብኦ ከይለወጡ ኣብ ድሑርን ጥንታውን ኣተሓሳስባ እዮም ዝነብሩን ዘንብሩን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሬድዮ፡ ቴፕ፡ ፖስታ፡ ካላንደር፡ ናይ መንደቕ ሰዓት፡ ናይ ኮመዲኖ (ናይ ኣላርም) ሰዓት፡ ቴሌፎን ናይ ገዛ፡ ብፊልም ትሰርሕ ካሜራ ናይ ኢድን ካልኦትን ኣኼባ ጌሮም ይበሃል። ‘ንስማርት ናይ ኢድ ቴሌፎን (mobile phone) ከመይ ጌርና ከነዕንዋ ዝብል ኣርእስቲ ሒዞም’ዮም ተኣኪቦም። ብዘይፍረ ተፈላልዮም። ጎነጽ ክጥቀሙ ፈቲኖም፡ ኣይተሳኽዓሎምን፡ ጠለብ ዘይብሎም ኰይኖም፡ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ስለ ዝሰኣኑ፡ ኩሎም ነናብ ዝነበርዎ ብዘይ ፍረ ተበቲኖም ይበሃል። ብመሰረቱ ናይቲ ኣኼባ መበገሲ ሓሳብ፡ ማለት ሃቐናኦም ዘይቅርዑይ ስለ ዝነበረ እዮም ከሲሮም። እዚ ኸኣ ናይ ድኹማት ሰባት ምልክት እዩ።

ካብዚ ዘይፍለ ኣተሓሳስባ ዘለዋ እንስሳ ኸኣ ኣላ። ንሳ ኸኣ ወኻርያ ትበሃል። ወኻርያ ኣዝያ በላሕን ነእምሮኣ ብትኽኽል እንተ ትጥቀመሉ ኸኣ ብዙሕ ጽባቐ ዝህብ ክትገብር ዘኽእል IQ ዘለዋ እንስሳ እያ። እዛ እንስሳ’ዚኣ፡ ኣንበሳ ኣይፈትዋን እዩ፡ ዝብኢ’ዩ ዝፈትዋ። ስለምንታይ መስለኩም፡ ወኻርያ ንዝኾነ ክፍተት ተጠቒማ ኣብ ክንዲ ትጽግን ወይ ክትጽግን ትድግፍ፡ ከጥቅዕ እዩ ዝቐልላ።

ናይ ወኻርያ መንፈስ ዝተሓንገጠ ክፉእ ሰብ መሰል ኣራዊት ከኣ ኣሎ። ዝተወሃሃደ ክፍኣትን ድኻምን ኣብ ህይወቱ ከም መምርሒ ሒዙ ዝጐዓዝ ሰብ፡ ከምኡ ሰባት ኣኪቡ ነቶም ንማሕበራዊ ብልጽግና ዝሓስቡን ዝጽዕቱን ከኣ ከጥፍእ ለይትን መዓልትን ከይደቀሰ ዝሓድር ሰብ፡ ንሱ እቲ ናይ ወኻርያ መንፈስ ሒዙ ዝጐዓዝ ክፉእ ሰብ እዩ። ወኻርያን ዝብእን በዚ እዮም ዝፋተዉ። ክፉእ እዩ ንኹፉእ ዝፈትዎ፡ ተተሓሒዞም ናብ ጉድጓድ ዝወድቁ ኸኣ ክልተ ክፉኣት እዮም። ወኻርያን ዝብእን ናይ ክልተ ክመራርሑ ዘይክእሉ ዕዉራት ምሳሌ እዮም።

ሓደ Aleksander Solzhenitsyn ዝተባህለ ሰብ እንታይ ኢሉ መስለኩም፡ “እታ ዝዓበየት ሓይሊ ናይ ክፉኣት ሰባት፡ ንሓድሕዶም ምድግጋፍ እያ!” መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይዚ ኣብነት ንምግላጽ፡ ‘ሄሮዶስን ጲላጦስን ሃናን ቀያፋን ከም ኣብነት ጠቒሱዎም ኣሎ። በዚ ናይ ዘበንና ክንገልጾም እንተ ዀንና እዚኦም ኩሎም ኣናሎግ እዮም። ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክራቶስ ከኣ ዲጂታል ኮይኑ ምስ መጸ ኣብ ክንዲ ብቕኑዕ መገዲ ሓቂ ሒዞም ክምጉትዎ ዝፍትኑ፡ ተኣኪቦም ክቐትልዎ ተማኺሮም።

ኣብዚ እዋን ከኣ ኣብ ሰባት ልክዕ ከምኡ እዩ ዘሎ። ብመንፈሳዊ ምንቅስቓስ፡ ብፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፡ ብሓይልን ስነ ቁጠባን ወዘተ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ መጻርርትና እዩ ዝብልዎ ሰብ ክብድሆ ዝኽእል ሓድሽ ናይ ባዕሎም ፈጠራ እናምጽኡ ዝምጉቱን ዝሓሸ ለውጢ ከምጽኡ ዝፍትኑ፡ ነቲ ሓድሽ ሓሳብን ለውጥን ሒዙ ዝመጸ እናበልዑ ናቶም ዓብላልነት ከርእዩ (ንድኻሞም ክሽፍኑ) ኣብ ዘይተደልየ ጥፍኣት ዝኣትዉ ብዙሓት እዮም። ንሰብ ኣብ ዘመነ እኒ እኒ ንበር ኣይበሃልን’ዩ። በዚ ሜላ ኣመራርሓ ንሓዋሩ ዝጸንሕ ኣብ ውልቀ ሰባት ይኹን ሕብረተ ሰብ ነባሪ ፍታሕ ዘለዎ ለውጢ ክመጽእ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ እዩ ኸኣ ዝበዝሐ ህዝቢ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ሓበሻ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ኣናሎጋዊ ኲነተ ኣእምሮ ዘሎ።

እግዚኣብሄር እንታይ ይብል ኣሎ መስለኩም፡ “ህዝበይ ከገልግለኒ ሕደግዎ!” ካብ ናይ ኣናሎግ ህይወት ወጽዩ ናብ ናይ ዲጂታል ህይወት፡ ካብ ናይ ዲጂታል ህይወት ሰጊሩ ናብ ናይ AI ህይወት ክሰግር ሕደግዎ። ብዕዮ፡ ብትግሃት፡ ብፈጠራ፡ ብመሃዝነት፡ ብሓድሽ ንሰብ ዘዕርፍ ሓሳብ ንዘዝመጸ፡ ብግቡእ ርእሱ ዘቕንዐ፡ ከም ንሓንቲ ካብ ብጾታ ልዕል ኢላ ዝወጸት ግምቦ ማሸላ ርእሱ ኣይትህረምዎ። እንተ ኽኢልኩም ደግፍዎ፡ ክትድግፍዎ እንተ ዘይክኢልኩም ግን ስቕውን ደገፍ’ዩ፡ ኣይትጉድእዎ። ሰላም!

Leave a Reply