ከም ዝፍለጥ ፈረስ ካብታ እንስሳ ዘቤት ዝኾነላ ግዜ (ካብ 3000 ዓመት ቅ.ል.ክ ጀሚሩ) መዋእሉ መልእክቲታት ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ፡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ንኸበጻጽሑ ንሰባት ኣብ ዝባኑ ጸይሩ ዝጐዓዝ ዝነበረ እንስሳ እዩ። ኣብ ዓውደ ኲናትውን ከምቶም ግንባሮም ዝህቡ ብትብዓት ብዘይ ዝኾነ ፍርሃት ኣብ ቅድመ ግንባራት ንኣሽሓት ዓመታት ኣገልጊሉ እዩ። ነባሓጎታትና፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ምእንቲ ክህሉ፡ ትራክተር ኮይኑ ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ ሕርሻታት ዓለም እጃሙ ዘበርከተ ፍሉይ ፍጥረት እዩ።
እዚ ጥራይውን ኣይኮነን፡ ፈረስ ኣብ ንግድን ምብጽጻሕ ክቡር ኣቕሓንውን ብዙሕ ኣበርክቶ ከም ዝነበሮ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ እዮም። ኣብ ሃድን፡ ኣብ ስፖርት፡ ወዘተ ኣበየናይ ጽላት ኣገልግሎት ናይ ሰባት ህይወት ዘየበርከተ፡ ብዙሕ’ዩ። ሰባት መዕቆቢ ደልዮም ኣግራብ ምስ ቆረጹ ጎሲሱ ናብቲ ዝደለዩዎ ቦታ ዘብጽሓሎም ዝነበረ ናይ ሎሚ ኤነትረን ሲኖትራክን ምንባሩ ክርሳዕ ዘይግብኦ ሓቂ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ፈረስ ሓደ ዘሕዝን ዜና ሰሚዑ ኣብ ሓዘን እዩ ዘሎ። እዚ ከም ናይ ሓይልን እሙንነትን ሓርነትን ምልክት ዝነበረ ፈረስ፡ መኪናን ባቡርን ኣየርን ስለ ዝተማህዛ፡ ድሮ ምስ ሰብ ዝነበሮ ዕርክነትን ዘበርክቶ ዝነበረ ዓበይቲ ኣበርክቶታትን ተረሲዑስ፡ ተናዒቑስ እቲ ቀንዲ ዓርኪ ሰብ፡ ‘ከልቢ’ዩ፡’ ክበሃልሲ ኣየሕዝንንዶ፧ ሰባት ባህልን ልምድን ሓደ ሕብረተ ሰብ ምስ ካልእ ምልውዋጥ ዝጀመሩሉን ምዝርጋሕ ቋንቋታት ዝጀመረሉን ኣብ ታሪኽ እቲ ንመጀመርታ ግዜ ፈጣን መጓዓዝያ ተባሂሉ ተመዝጊቡ ዘሎ እኮ ፈረስ እዩ። እዚ ከመይ ኢልካ ይርሳዕ፧
እቲ መልእኽቲ እዚ እዩ፡ ፈረስ ኩን፡ እሙን ኩን፡ ሓይልኻ ከይበቐቕካ ስራሕ፡ ተለኣኽ ብዘየገድስ፡ ሰብ፡ ሓደ መዓልቲ ካባኻ ዝበልጽ ኢሉ ዝሓሰቦ ወይ ንቦታኻ ክትክእ ዝኽእል እንተ ተረኺቡ ንስኻ ዘይተገድሶ ኰንካ ንርእስኻ ክትረኽባ ኢኻ። እቲ ዝትክኣካ ብዙሕ ኣበርክቶ ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ግን ሰብ ብባህሪኡ ናይ ምርጫ መሰል ስለ ዘለዎ፡ ንስኻ ኩሉ ግዜ ንኻልእ እናጠቐምካ ንርእስኻ ድርቡይ ኰንካ ከይትርከብ ክትጥንቀቕ ኣለካ።
ኣብዛ እዋን’ዚኣ እዚ ኹሉ እዚ ገይረሉ፡ እዚ ኹሉ ተኣዚዘዮ፡ እዚ ኹሉ ንዓመታት ኣብ ዝባነይ ጸይረዮ፡ እዚ ኹሉ ከም ኢዱን ከም እግሩን መሲለ ተመላሊሰ ዝብል ሓሳብ ኣባኻ ጥራይ እዩ ዝተርፍ ደኣምበር፡ ኣብቲ ድሮ ካልእ መሪጹ ዘሎ ትድግፎ ዝነነርካ ሰብ ኣይሰርሕን’ዩ። ስለዚ ደጊመ ይብል ኣለኹ፡ ‘ንኻልእ እናጠቐምካ ንርእስኻ ድርቡይ ኰንካ ከይትርከብ ንስጋኻ እናኣግዛእኻ፡ ንስምዒታትካን ግዚያዊ ረብሓታትካን እናጐሰኻ፡ ንዓኻ ዝኸውን እናኣጣጣሕካ ጽናሕ። ስለዚ እዩ ጸሓፊ መኽብብ ከምዚ ዝበለ፡ “ንእንጌራኻ ናብ ልዕሊ ማይ ስደዶ፡ ከምይሲ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ክትረኽቦ ኢኻ። ከመይ ዝበለ መከራ ኣብ ምድሪ ኸም ዚመጽእ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ኣብ ሾብዓተ፡ ኤረ ኣብ ሾሞንተ ምቐሎ።” (መክ 11፡1-2) ሰላም!