You are currently viewing 0002 ዘይብሱላትን ድኹማትን ሰባት እነለልየሉ 17 ምልክታት!

0002 ዘይብሱላትን ድኹማትን ሰባት እነለልየሉ 17 ምልክታት!

  1. ድኹማት ሰባት ሓደን ንጹርን ተልእኾ (ዕላማ ህይወት) ከም ዘለዎም ኣይፈልጡን’ዮም። ልዕሊ እቲ ኣጽኒዖም ክሕዝዎ ዝግብኦም ተልእኾ፡ ምስ ዝመጸ ኣርእስቲ ንየው ነጀው ይድፍኡ።
  2. ኩሉ ሰብ ከጣቕዓሎም ይደልዩ። ጣቕዒት ንሓደ ዘይበሰለ ሰብ ካብ ኣልኮላዊ መስተ ንላዕሊ ዘስክር ሓደገኛ መሳርሒ’ዩ። ካብቶም ብናልኮላዊ መስተ ዝሰኽሩ ከኣ እቶም ሰባት ኣጣቒዖሙሎም ዝሰኽሩ ይበዝሑ።
  3. እቲ ሕነ ምፍዳይ ናተይ እዩ ዝብል ሰማያዊ ቃል ኣየድህቡሉን እዮም። ባዕሎም ሕነ ክፈድዩ ይህወኹ። ሕነ ክፈድዩ ከለዉ ኸኣ እንታይ ይጎድኡ ከም ዘለዉ ኣይርድኦምን’ዩ። ብሰንኪ ድኻሞም ንኹሉ ይለኻኽሙ።
  4. ሰብ ስለ ዝሰምዖምን፡ ስለ ዝተኸታተሎምን፡ ኩሉ ዝፈልጡን፡ ዝኣኽሎም ዝተመሃሩን’ዩ ዝመስሎም። ኣነ ይፈልጥ’የ ዝብል ሰብ ከኣ፡ ድሮ ነቲ ናይ ምምሃር መንፈስ ስለ ዝዓጸዎ ክሰምዕ ድሉው ኣይኮነን። እዚ ኸኣ ንጹር ናይ ድኹም ሰብ ምልክት’ዩ።
  5. ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ክንዲ ህድእ ኢሎም ዝመሃሩ፡ በተን ዝሓዝወን ቁሩብ ቊራቦ ክምህሩ ይደልዩ። እቶም ሒደትን ጽባሕ ንጉሆ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ሓዲጎሞም ዝጠፍኡ ሰማዕቶም እዮም ዘደናግርዎም።
  6. ፍቕራዊ ነቐፌታን ተግሳጽን ማዕዳን ኣይፈትዉን’ዮም። ዝኾነ ይኹን ነቐፌታ እንተመጽዩዎም፡ ነቲ ዝነቕፎም ዘሎ፡ ካብታ ሰዓት እቲኣ፡ ብዓይኒ ጽልእን ቅርሕንትን እዮም ዝቀናቐንዎ።
  7. ንዝተጋገዩ ሰባት ኣብ ክንዲ ምእራም፡ ጸርፍን ምንእኣስን የዘውትሩ። ምኽንያቱ ንሳቶም ባዕሎም፡ ሰብ ክእርሞም ስለ ዘይፈትዉ፡ ንሰባት ኣብ ክንዲ ክእርሙ ዝፍትኑ፡ ድሕረ ባይታ ናይቲ ሰብ ኣጽኒዖም የቃልዑ። ካብዚ ዝኸፍእ ስንፍና የለን!
  8. ከም ዝተጋገዩ እናፈለጡ፡ ጌጋኦም ንኽሽፍኑ ሓሶት ኣብ ልዕሊ ሓሶት ይደራርቡ። ኣብ ዘይወጽዎ ድርብራብ ሓሶት ምስ ኣተዉ፡ ምስ ሰባት ገጭገጭ ክብሉ ይውዕሉ።
  9. ናይ ጌጋኦም ሓላፍነት ክወስዱ ኣይመርጹን እዮም። እቲ ጌጋ ኩሉ ግዜ ናብ ካልእ ሰብ ከላግብዎ እዮም ዝመርጹ። ተጋግየ እንተ ኢሎም ክብረቶም ዝጎድል፡ ሰማዕቶም ዝብተኑ ኰይኑ እዩ ዝስምዖም።
  10. ንርእሶም ክከላኸሉ ክብሉ፡ ንኻልኦት ሰባት የጥቅዑ። ነቲ ዝጻረሮም እናጥቅዑ እዮም ርእሰ ምክልኻል ክገብሩ ዝፍትኑ። እዚኣ ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ መምዘኒት ድኹማት ሰባት እያ።
  11. ግቡኦም ብግቡእ ኣይፈልጡን’ዮም። ብፍላይ ኣብ ሕጋዊ ነገር፡ ግቡኦም ክሒዶም፡ ብጎነጽን ዓመጽን እዮም ጉዳዮም ክዓጽዉ ዝፍትኑ። ወይ ከኣ ብሸፈጥን ብዘስድዕ ዘረባታትን ክሽፍኑ ይፍትኑ።
  12. ነታ ዝደለይዋ ነገር ንኽረኽቡ፡ ንኻልኦት ሰባት የስተናዕቑን የነኣእሱን። ካብዚ ዝሓምቕ ድኻም ከኣ የለን። ሓደ ብርእሱ ዘይተኣማመን ሰብ እዩ ንኻልኦት ዘስተናዕቕ (Bully ዝገብር)
  13. ካብ ኩሉ ሰብ፡ ኩሉ ግዜ ኣድህቦ (attention) ይደልዩ። ማእከል ናይ ኩሉ ኣድህቦታት ኰይኖም ነቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ሰብ ከእምኑ ዘይፍሕርዎ ጉድጓድ የብሎምን። በቲ ኣድህቦ ክረኽቡሉ ዝኽእሉ (ዝበዝሐ ኣሉታዊ ዜናታት ውልቀሰባት) እንተ ዘይኰይኑ ንሰብ እንታይ ይጠቅም ኣይፈልጡን’ዮም።
  14. ሰብ ሒዝዎ ዘሎ ዕላማ ስለ ዘይፈለጥዎን ዘይቖጻጸርዎን እንተ ዀይኖም ኣዝዩ ብዝወረደ ሕስረት ነቲ ብዓል ዕላማ ተሃኖም ከውጽኡሉ ይፍትኑ። ነቲ ሰብ ዘይኮነ ነቲ ንሕብረተሰብ ሙሉእ ዝጠቅም ዕላማ ይወቕዑ ከም ዘለዉ ኣይርድኦምን’ዩ።
  15. ኣካይድኦም፡ ጋሕማጥ’ዩ፡ ሓደ ኣርእስቲ ጀሚሮም፡ ንዕኡ ከይወድኡ ናብ ካልእ ኣርእስቲ ይሰግሩ’ሞ ከምኡ እናበሉ ኩሉ ይግሕምጦም። ብድሕሪኡ እቲ ዝብልዎ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕዱ እናተዋቕዐ ንባዕሎም የጥቅዖም። ግን ኣይርድኦምን’ዩ!
  16. ዘይበሰለ ሰብ እታ ቀንዲ ምልክቱ፡ ‘ብዛዕባ ርእሱ ጥራይ እዩ ክዛረብ ዝውዕል!’ ንኻልኦት መሬት ኣዝቢጡ ንባዕሉ ሰማይ ብዝሰቅል ቃላት እዩ ብዛዕባ ርእሱ ዝዛረብ። እዚ ምልክታት እዚ ኣብቶም ንባዕሎምን ሓዳሮምን ሕብረተሰብን ዝጠቅም ከበርክቱ ለይትን መዓልትን ዝተግሁ ኣይምልከትን እዩ።
  17. ዘይብሱል ሰብ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኹሉ ኣንቢቡ ዝኹሪ እዩ። ኣንቢብካ ንርእስኻ ኣብኡ እንተረኺብካያ ትእረመሉ እምበር ኣየኾርየካን’ዩ! ሰላም!

Leave a Reply