You are currently viewing 0004 ክርስትያን እንተ ዀንካ ሓደን እንኮን ክትሰምዖ ዘለካ ኣሰልጣኒ ኣለካ፡ ንሱ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ ይበሃል

0004 ክርስትያን እንተ ዀንካ ሓደን እንኮን ክትሰምዖ ዘለካ ኣሰልጣኒ ኣለካ፡ ንሱ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ ይበሃል

ኣታ ክርስትያን ንዘልኣለም ክስማዕ ዘለዎን ኩሉ ግዜ ዝበለካ ከተተግብሮን ዘለካ ኣሰልጣኒኻ መንፈስቅዱስ እዩ። እቲ ናይ ነብያት ኣቦታት ቃል ከምዚ ይብል፡ “እግዚኣብሄር፡ እቲ ተበጃዊኻ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ይብል፡ ነቲ ዚጠቕም ዝምህረካን፡ በታ እተኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።” (ኢሳ 48፡17)

ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ክህልወካ እንከሎ፡ ብመሪሕነት ኣሰልጣኒኻ ምሉእ ምድላዋት ጌርካ ኢኻ ትኣቱ። ጸወታ ክጅምር ሒደት ደቓይቕ ክተርፎ እንከሎ ኸኣ ኣካላትካ ንምፍትታሕ ናይ መረሳሰኒ ፍኹስ ዝበለ ምንቅስቓስ ትገብር። ብድሕሪኡ ጸወታ ኣብ ዝጅምረሉ ግዜ፡ ኩልኻ በቦታኻ ሒዝካ፡ ንሱ እተድምዓሉ ቦታ ስለ ዝፈልጥ፡ ኣሰልጣኒኻ ከም ዝመደበልካ ቦታ ጸወታ ኰንካ ክትጻወት ትጅምር። ንስኻውን ባዕልኻ ኣበይ ከም ተድምዕ ጽቡቕ ጌርካ ትፈልጥ ኢኻ። ኣብ ቀቁጽርኻ ኰንካ ኢኻ ትጻወት። ሓሓሊፍካ ኸኣ ብሓባር ኰንካ ተጥቅዖን ብሓባር ኰንካ ትከላኸሎን ግዜ ኣሎ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩሎም ተጻወትቲ ኣሰልጣኒኦም ብዝኣዘዞም መሰረት ኣብ ዝበሎም ኰይኖም ክጻወቱ እዮም ዝግደዱ።

ኣብ ሓደ ጸወታ ሰዓርን ተሰዓር ክህሉ ብግዲ እዩ፡ ስሕት ኢልካ ማዕረ ምውጻእውን ኣሎ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሊግ (ጂሮኒ) ዋንጫ ዝወስድ ብግዲ ስለ ዝህሉ ሰዓሪ ኰንካን ተሰዓሪ ኰንካን ክትወጽእ ባህሪ ናይ ነፍሲ ወከፍ ጸወታ እዩ። ንስኻ ግና ኣታ ክርስትያን ኣስተውዕል፡ ንዓኻ ዝመርሓካ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነ ኣሰልጣኒኻ፡ “ብምኽሩ እናተመራሕካ እንተ ኼድካ ኣብ መወዳእታ ናብ ክብሩ ስለ ዝቕበለካ፡ ሰዓሪ፡ አረ ካብ ሰዓርቲውን ኣዚኻ ትበልጽ ኢኻ!

ክርስትያናዊ ህይወት፡ ብሙሉእ መንፈሳዊ ምድላዋት ዝዕየ ዕዮ ኣምላኽ እዩ። ህይወትካ ንእግዚኣብሄር ወፊኻ፡ ኣብ ትሕቲ ህላውነት መንፈስ ቅዱስ ክትመላለስ ቅድሚ ምጅማርካ፡ ናይ ምድሓን ትምህርቲ ክትመሃር ኣዝዩ ዝተመርጸ እዩ። (ብናይ ኲዕሶ እግሪ ኣጸዋውዓ ኣብ ኤርትራ #grass_root እዩ ዝበሃል) እዚ ትምህርቲ፡ እቲ መሰረታዊ ዝኾነ ክትከደሉ ዘለካ፡ ኣዝዩ መባእታዊ (ከም ጸባ ኣደ ንህጻን) እዩ። ወደ መዝሙር እንታይ ማለት ምዃኑ ንምፍላጥ ዝሕግዘካ ትምህርቲ እዩ። ከምቲ ጐይታና የሱስ፡ “ዝኣዘዝኩኹም ክሕልዉ እናመሃርኩም ደቀ መዛምርቲ ግበርዎም” ዝበሎ፡ ካብዚ ቀጺልካ ባዕልኻ ብዝተመሃርካዮን ዘንበብካዮን መሰረት ወደመዝሙር ኰንካ ትመላለሶ ህይወት ጎፍ ክብለካ ስለ ዝኾነ፡ ብፍልጠትካን በቲ ባዕልኻ ካብ ኣምላኽ ፍቓደኛ ኰንካ ዝተቐበልካዮ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስን ኢኻ ትጐዪ።

ንሓጺርን ምኽኑይን ግዜ እንተዘይኰይኑ፡ ዝኾነ ይኹን ሰብ ንቦታኻ ወይ ንክርስትናዊ ህይወትካን ኣገልግሎትካን ክትክኦ ዝኽእል የለን። እዚ ኸማን ንስኻ ቦታኻ ክትሓድግ ከለኻ፡ ንዓኻን ነቲ ዝትክኣካን ካብቲ መምህርካ (ኣሰልጣኒኻ) ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ፡ መሪሕነት ክትረክብ ኣለካ። ሓሓሊፍካ፡ ኣብ ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎት ዘሎ ክርስትያን ተኣኪብካ፡ ናይ ሕብረት ኣገልግሎት ተገልግል ኢኻ፡ ኣብዚ እዋን ብፍላይ ብጸሎት ኣብ እተገልግለሉ፡ ብሓባር ኰንካ ንጸላኢ ትከላኸለሉን ተጥቅዓሉን ግዜ ኣሎ። መንፈስ ቅዱስ (እቲ ኣሰልጣንን ወናኒ እታ ማሕበርን) እዩ ዝእክበካ፡ ዝመርሓካ፡ ዘዕጥቐካ፡ ዘዐውተካ። እቲ ናይ ተስፋ ቃል ከምዚ ይብል፡ “ንዕውራት ብዘይፈልጥዋ ጐደና ኽወስዶም፡ ብዘይፈልጥወን መገድታት ክመርሖም፡ ንጸልማት ኣብ ቅድሚኦም ብርሃን ክገብሮ፡ ንድንጒር ከጣጥሖ እየ። እዚ ኽገብረሎም ኣይክሐድጎምን ድማ እየ።” (ኢሳ 42፡16) ኣሜን! ነዚ መንፈስ እንተ ዘይሰማዕካዮ ግን ተሳዒርካ ክትወጽእ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። እግዚኣብሄር ይባርኽኩም!

ዝንበብ መጽሓፍ: ምሕዝነት ምስ መንፈስ ቅዱስ – ብሰናይ ሙሉእብርሃን ጥሪ 2022 ዝተሓትመ

Leave a Reply