You are currently viewing 0004 ብዛዕባ ንህብን ፍርያቱን እንታይ ትፈልጡ፧ (ዓሰርተ ክልተ ፍሉይ ሓበሬታ ብዛዕባ ንህቢ)

0004 ብዛዕባ ንህብን ፍርያቱን እንታይ ትፈልጡ፧ (ዓሰርተ ክልተ ፍሉይ ሓበሬታ ብዛዕባ ንህቢ)

  1. ትፈልጡዶ፡ መጽናዕቲታት ከም ዝሕብሮ፡ ሓንቲ ማንካ ጣውላ መዓር ንሓደ እኹል ሰብኣይ ን24 ሰዓታት ብህይወት ከተጽንሖ ከም እትኽእል፧
  2. ትፈልጡዶ፡ ዓለም ካብ በደላ (barter) ናብ ዘመነ ሰናቲም ክትልውጥ እንከላ፡ ሓደ ካብቶም ንመጀመርታ ግዜ ዝነበሩ ሰናቲም እቲ ምልክት ናይ ንህቢ ቅርጺ ከም ዝነበረ፧
  3. ትፈልጡዶ፡ መዓር ህይወት ዘለዎ ኤንዛይም (enzymes) ከም ዘለዎ፧
  4. ትፈልጡዶ፡ እቲ ዝበለጸ ኣመጋግባ መዓር ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐ ማንካ ምዃኑ፧ ዘይትረክብ እንተ ዀንካ ኸኣ ብፕላስቲክ ዝተሰርሐ ማንካ ክትቅመጥ ከለኻ ከም ዝበልጽ፧
  5. ትፈልጡዶ፡ መዓር፡ ንሓንጎል ብግቡእ ክሰርሕ ዝሕግዞ ትሕዝቶ ከም ዘለዎ፧
  6. ትፈልጡ’ዶ መዓር ሓደ ካብቶም ሒደት መግብታት፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ወሰኽ፡ በይኑ ህይወት ሰብ ክዕቅብን ከድሕንን ዝኽእል መግቢ ምዃኑ፧
  7. ትፈልጡዶ፡ ብዙሕ ግዜ ጭፍራ ኣናህብ ንኣፍሪቃውያን ካብ ጥሜትን ዓጸቦን ከም ዘድሓንዎም፧
  8. ትፈልጡዶ፡ ንህቢ ዘፍርይዎ propolis ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ብርቱዕ ጸረ-ነፍሳት (antibiotics) ምዃኑ፧
  9. ትፈልጡዶ፡ መዓር ጥቕሙ ዘብቅዓሉ መዓልቲ (expiration date) ከም ዘይብሉ፧
  10. ትፈልጡዶ፡ ሬሳ ናይቶም ዝዓበየ ንግስነታት ዓለም ዝመርሑ ዝነበሩ ነገስታት፡ ኣብ ብወርቂ ዝተሰርሐ ሳንዱቕ ሬሳ ኣትዩ፡ ካብ ምምሽማሽ ክድሕን ኢሎም ከኣ ብመዓር ሸፊኖም፡ ይቐብርዎም ከም ዝነበሩ፧
  11. ትፈልጡዶ፡ “honeymoon” ዝብል ቃል ካብቲ ሓደስቲ መርዑት፡ ውላድ ንኽረኽቡ ኣብታ ቀዳመይቲ ወርሒ ሓዳሮም መዓር ይምገቡ ከም ዝነበሩ’ሞ፡ ውላድ ይረኽቡ ከም ዝነበሩ ዝንገረሉ ኣፈ ታሪኽ ከም ዝብገስ፧
  12. ትፈልጡዶ፡ ሓደ ንህቢ ነዊሑ ተባሂሉ 40 መዓልታት ጥራይ ከም ዝነብር፧ ኣብ ህይወቱ ሙሉእ ከኣ እንተወሓደ 1000 ዕምባባታት ከም ዝበጽሕን፡ ካብዚ ኹሉ ዕምባባታት ከኣ ሓንቲ ማንካ መዓር ጥራይ ከም ዘፍሪ፧ እዛ ሓንቲ ማንካ መዓር ግን ንሓደ ንህቢ ናይ ዕድሚኡ ሙሉእ ውጽኢት ስራሕ ምዃናስ ትፈልጡዶ፧

Leave a Reply