You are currently viewing 0005 ምስጢር ሓጺር ዕድመ ደቂ-ተባዕትዮ እንታይ እዩ፧

0005 ምስጢር ሓጺር ዕድመ ደቂ-ተባዕትዮ እንታይ እዩ፧

ኣበይ ዓዲ ምዃኑ፡ እንድዒ፡ ሰብኡት ጽቡቕ ዕላል ከዕልሉ ጸኒሖም፡ ሓደ ካባታቶም ኣብ ጋዜጣ፡ ‘ብሓፈሻ ክርአ እንከሎ፡ ዕድመ ሰብኡት ካብ ዕድመ ኣንስቲ ይሓጽር ዝብል የንብብ’ሞ ሃንደበት፡ “ስለምታይ እዮም፡ ሰብኡት ሓጺር ዕድመ ዝነብሩ፡ ኣንስቲ ኸኣ ነዊሕ ዕድመ ዝነብራ፧” ይሓቶም’ሞ፡ ሓደ ካባታቶም እናሰሓቐ፡ ‘ኣስቤዛ ምግዛእ እኮ ዕድመ ኣየሕጽርን’ዩ፡ ናይ ኣስቤዛ ዋጋታት ምኽፋል’ዩ ዕድመ ዘሕጽር!’ ኢሎም መሊሶም፡ ይበሃል። ብዛዕባ እዚ ምስጢር’ዚ ገለ ገለ ሓቅታት ካብ ዘምበብክዎ እዚ ዝስዕብ ይመስል:

  1. ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ እቲ ሓደገኛ ዝበሃል ስራሕ ዝሰርሑ ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ደቂ ኣንስትዮ ፈጺመን ክሰርሖኦ ዘይደልያ ኣዝዩ ሓደገኛ ስራሕ ብዙሕ እዩ ዘሎ፡ ደቂ ተባዕትዮ ግን ዝበዝሐ ግዜ ምንጪ ኣታዊን መጠን ኣታዊን ናይቲ ስራሕ እጎም ደኣ ዘገድሶም እምበር፡ ሓደገኛነት ናይ ስራሕ ኣብ ቀዳምነት ዝስራዕ መምዘኒ ምርጫኦም ኣይኮነን። ብዘይካ’ዚ ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ዝሰርሑ ኸኣ ንሶም ደቂ ተባዕትዮ እዮም።
  2. ደቂ ተባዕትዮ ኣይዛረቡን እዮም፡ ኩሉ ኣብ ውሽጦም እዮም ዝገብርዎ። እቶም ዝበዝሑ ኸኣ፡ ዋላ ዘዛርብ ረኺቦም ኣይዛረቡን እዮም። ደቂ ኣንስትዮ ግን ኣይኮነን ዘዛርብ ረኺበን ዘዛርብ ኣብ ዘይብሉ እየን ዝዛረባ። ዝስምዐን ዘበለ ካብ ውሽጠን ከም ዝፈዀሰን ክሳብ ዝፍለጠን፡ ዝደለያኦ እየን ዝድሕድሖኦ። ብኣብ ውሽጥኻ ዝስመዓካ ሕማቕ ስምዒት ምዝራብን ኣብ ውሽጥኻ ምዕቛርን ኣብ ጥዕና ሰባት ዘለዎ ጽልዋ ፍልልይ ኣለዎ።
  3. ደቂ ተባዕትዮ ኣይበኽዩን እዮም። ዋላ ዘጉህን ዘብክን ዘንብዕን ከበድቲ ነገራት እንተ ሃለዎም ኣይበኽዩን እዮም። ኣዝዩ ከቢድ ውሽጦም ዝትንክፍ ከጋጥሞም ከሎ ዝነብዑ ሒደት ደቂ ተባዕትዮ ኣለዉ፡ ዝበኽዩ ዘይኮነስ ዝነብዑ እዮም። ዝበዝሑ ግን ብኽያት ኰነ ንብዓት ኣይረኣዮምን’ዩ። ደቂ ኣንስትዮ ግን ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ክነብዓን ክበኽያን ይኽእላ እየን። እዚ ኸኣ ኣብ ዕድመ ፍሉይ ኣስተዋጽኦ ኣለዎ።
  4. ደቂ ተባዕትዮ፡ ብቐሊሉ ብሕዱር ሕማም ክጥቕዑ ዝገብሮም Y chromosome ዝበሃል ባእታ ኣለዎም። ናይ ደቂ ኣንስትዮ X chromosome ግን ድኻሙ ከም Y chromosome ኣይኮነን።
  5. ናይ ደቂ ተባዕትዮ testosterone ዝተባህለ ልቢ ንኸድክም ዓብይ ተራ ዝጻወት ሆርሞን እዮም ዝውንኑ። ኣዝዩ ብዙሕ ቴስቴስትሮን ዘለዎ ሰብ ልብን መትንታትን ከጥቅዕ ይኽእል፡ ወቕዒ ልቢ ኸኣ ክገብር ይኽእል። ልብኻ ብዝተፈላለየ ሕማም ክጥቃዕ ዝገብር ከኣ እዚ ሆርሞን እዩ። እዚ testosterone ኣብ ደቂ ኣንስትዮ 10% ናይ ደቂ ተባዕትዮ እዩ ዝርከብ።
  6. ብወልፊ ዝተፈለጡ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ሽጋራ ብምትካኽ፡ ብብዝሒ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ፡ ካልእን ኣብ ደቂ ተባዕትዮ እዩ ብብዝሒ ዝርአ። ወልፊ ኣብ ደቂ ኣንትዮውን ዝርአ ሕማም እኳ እንተ ኾነ ብኣዝዩ ውሑድ ዓቐን እዩ። ብፍላይ ኣብ ናይ ሳልሳይ ዓለም ሃገራት፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዳርጋ ኣይርአይን’ዩ ክበሃል ይከኣል።
  7. ማሕበራዊ ሓላፍነታት፡ ካብ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ይዓቢ። ጸቕጢ ናይ ቤተ-ሰብን ከባብን ሕብረተሰብን ንደቂ ተባዕትዮ ኣዝዩ ዓብይ እዩ።
  8. ደቀንስትዮ ብሓፈሽኡ ክረኣያ እንከለዋ ጥዕና ዝህብ መግብታት እየን ዝምገባን ዝሰትያን። ደቂ ተባዕትዮ ብኣንጻሩ ኣመጋግባኦም ስብሕን ሽኮርን ጨውን ዝበዝሖ እዮም ዘዘውትሩ። ዝሰትዮዎ መስተ ኸኣ ዝበዝሐ ግዜ ንጥዕናኦም ዝጎድእ እዩ።
  9. ሓደገኛን ናይ ዓያሹ ስራሕ ዝሰርሑ ሰብኡት እዮም። ኣንስቲ ነቲ ዕሽነት ናይ ሰብኡተን ክርእዮኦ ጥራይ እየን ዝደልያ እምበር ኣይገብርኦን እየን።

በዝን ካልእ ብዙሕ መምዘኒታትን ስለ ዘሎ እዩ ዕድመ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ክነጻጸር እንከሎ፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ሓጺር ኰይኑ ዝርከብ።

Leave a Reply