You are currently viewing 0003 ንስሪ ኣብ ምሕዳስ ሓይሉ ዝውስኖ ሓደገኛ ውሳኔ ንዓና እንታይ መልእኽቲ ይህበና

0003 ንስሪ ኣብ ምሕዳስ ሓይሉ ዝውስኖ ሓደገኛ ውሳኔ ንዓና እንታይ መልእኽቲ ይህበና

ንስሪ ክሳብ 70 ዓመት ክነብሩ ዝኽእሉ ካብ ዓይነታት ኣዕዋፍ እዮም። እዚ ኣብ ናይ ኣተሓሳስባኦም ሓይሊ እዩ ዝምርኮስ። ንስሪ፡ ኣብዚ ናይ 70 ዓመት ዕድሜኦም ብብዙሕ ከቢድ ፈተናታት እዮም ዝሓልፉ። ብፍላይ ድሕሪ 40 ዓመት እቲ ዝኸበደ ክሳብ ሞት ከብጽሖም ዝኽእል ፈተና እዮም ዝሓልፉ።

ኣጽፋሮም ክሃድኑሉ ክሳብ ዘይክእሉ ይደክም (ይኣርግ) መትኰቢኦም ፈጺሙ ይጎድምን ንቑልቁል ዝኣፉ ይዕጸፍን። መንገብገቦምን ክንቲቶምን ከቢድን ረጒድን ኣዳግን ይኾኖም። ኣብዛ እዋን ክልተ ኣማራጺ እየን ዘለዋኦ ወይ በዚ ኣብ ኣርባዓ ዓመቱ ዘጋጥሞ እርጋን ክመውት ኣለዎ ወይ ከኣ ኣዝዩ ከቢድን ዘሰቅቕን ኣድካምን መስርሕ ሓሊፉ ንኹሉ ምሕዳስ ዘድልዮ ኣሐዲሱ ናብርኡ ከም ሓድሽ ምቕጻል። ኩሎም ንስሪ ካብቶም ብኣተሓሳስባኦም ብሉጻት እንስሳታት ስለ ዝኾኑ፡ ካብ ብዝሓልፍ ሽግር ዝሞቱ፡ ነዚ ካልኣይ ናይ ምሕዳስ ምርጫ እዮም ዝመርጹ።

መጀመርታ ዝወስድዎ ውሳኔ፡ ናብ ሓደ ኣዝዩ ዓቢይን ነዊሕን ከዋሕን ጎቦ ንኽድይቡ ምብጋስ እዩ። ቀልጢፎም ናብቲ ዝመረጽዎ በሪኽን ከዋሕን ቦታ ደዪቦም፡ መትኰቢኦም ፈጺሙ ክሳብ ዝእለየሎም፡ ምስ ከውሒ እናራጸሙ፡ እናተቐንዘዉ ይሰብርዎ። ሓድሽ መትኮቢ ክሳብ ዝወጸሎም ከኣ ካብኡ ብዓቕሊ ይጽበዩ። በቲ ሓድሽ ዝወጸሎም መትኰቢ፡ ነቲ ኣረጊት ኣጽፋሮም ከቢድ ቃንዛ እናተሰምዖም ይነቕልዎ (ይምንቁስዎ) ነቲ ኣረጊትን ከቢድን ክንቲቶም ከኣ ንኹሉ ብዘይተረፍ ይነጽዩዎ።

ሓድሽን ሓያልን ክሃድኑሉ ዘኽእሎም ኣጽፋርን፡ ሓድሽን ፈኲስን ክሳብ ዝደለዩዎ ክንሳፈፉ ዘኽእሎም ክንቲትን ይወጸሎም። እዚ ኩሉ ክኸውን ክሳብ ሓሙሽተ ወርሒ፡ ማለት 150 መዓልታት ይወስድ። እቶም ንስሪ ሓድሽን ጥዑምን ህይወት ይጅምሩ።

መልእኽተይ እዚ’ዩ: ሰባት ከኣ ሓደ ሓደ ግዜ፡ ነቲ ክንበጽሖ ንደሊ ክንበጽሕ፡ ነቲ ንሕብረተሰብና ከነበርክቶ ንደሊ ከነበርክት ክከኣለና፡ ክንሕደስን ነቲ ዝኸብደናን ዝኣረገን ንመንነትና ኣይምጥነናን ዝበልናዮ ክንኣልዮ ከድልየና እዩ። እዚ እንተ ዘይገቢርና፡ ኣብ ንኡስ ዕድሜና ሞይትና ምስ ኣረግና ክንቅበር ኢና። ኣብ ንኡስ ዕድሜኻ፡ ካብቲ ናይ ስጋ ሞት፡ ናይ ዕላማን ናይ ራእይን ሞት ይኸብድ። ሰላም!

Leave a Reply