You are currently viewing 0001 ሕቡእ ሓበሬታ፡ ሕቡእ ሃብቲ ብዛዕባ ኣፍሪቃ

0001 ሕቡእ ሓበሬታ፡ ሕቡእ ሃብቲ ብዛዕባ ኣፍሪቃ

ብዛዕባ ኣፍሪቃ ክሓስብ ከለኹ፡ ስለምንታይ እዮም ዘለዋ ጸጋታትን ዘለዋ ቅኑዕ ታሪኽን ከም መሬት ከኣ ዘለዋ ቅኑዕ ኣቃውማ ዘይምህሩና ይብል እሞ፡ መልሲ ግን ኣይረኽበሉን። ጽጹይ ሓበሬታ ዝህበኒ ኣናድየን ብዙሕ ጽዒረን፡ ኣይረኸብኩን። ብዝገርክዎ መጽናዕቲ ግን እዚ ሓበሬታ ረኺበ። እዚ ዝረኸብክዎ ሓበሬታ ካብ ግዜ ህጻንነትና ጀሚርና ንመሃሮ እንተ ዝኸውን እንተ ወሓደ ዘለና ሃብትን ጸጋን ብግቡእ ዝጥቀሙሉ ብዙሓት ምተንስኡን ነዛ ክሳብ ሕጂ ትጉዳእ ዘላ ኣህጉር (ኣፍሪቃ) ኸኣ ናብ ዕረፍቲ ዘእቱ ለውጢ መምጽኡላ። ናብቲ ዝረኸብክዎ ሓቀኛ ሓበሬታ ክሓልፍ:

ኣፍሪቃ ብስፍሓታ ንኤስያ ስዒባ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዘላ በዓልቲ 30.37 ሚልዮን ትርብዒት ኪሎሜተር ኣህጉር እያ። እዚ፡ ልዕሊ ናይ ቻይናን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ናይ ኣህጉር ኤውሮጳን ተደማሚሩ ዝዓቢ ስፍሓት እዩ። ናይ ቻይና፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ናይ ኤውሮጳን ስፍሓት ተደማሚሩ 29.58 ሚልዮን ትርብዒት ኪሎሜትር እዩ። ኣብ ብዙሕ ናይ ዓለም ካርታታት ከም ንርእዮ ግን ኣዝያ ንእሽቶ ከም፡ዝኾነት ኢና ተማሂርና ሓሊፍና ክሳብ ሕጂውን ከምኡ ኢሉ ኣሎ። እቲ ሓቂ ግን ኣፍሪቃ ሰለስተ ዕጽፊ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሰለስተ ዕጽፊ ናይ ቻይና፡ ሰለስተ ዕጽፊ ናይ ኣህጉር ኤውሮጳ ስፍሓት እትውንን ኣህጉር እያ።

ኣፍሪቃ ካብቲ ኣቐዲመ ክጠቕሶ ዝጸናሕኩ ስፍሓታ እቲ 60% ንሕርሻ ምቹእ ዝኾነ ካብኡ ኸኣ ልዕሊ 80% ዘይተተንከፈ ስቡሕ መሬት እዩ። ስለምንታይ እዩ ኣብ ኣፍሪቃ ክሕረስ ዝኽእል ዘይተተንከፈ መሬት እናሃለወ እንከሎ፡ ህዝቢ ብዓጸቦ ዝጥቃዕ፡ ካብ ካናዳን ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራትን ረድኤት እናተባህለ ናብ ኣፍሪቃ ዝመጽእ፧ ክሰርሖ ዝኽእል ጉልበት ሰብን ማሽነሪታትን ኣሎ፡ እቲ ክሕረስ ዘለዎ ቦታ ኸኣ ኮፍ ኢሉ ይጽበ ኣሎ። ኩሉ ሙሉእ እናሃለወ፡ ስለምንታይ እዩ ህዝቢ ባዕሉ ሰሪሑ ንባዕሉ ዝኸውን እቶት ዘየእቱ፧ ንኣብነት፡ እቲ ብኹለንትናኡ ስቡሕ ዝኾነ መሬት ናይ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ጥራይ ንሙሉእ ህዝቢ ኣፍሪቃ ክቕልብ ዓቕሚ ኣለዎ። ናይ ኣፍሪቃ ሙሉእ ስቡሕ መሬት ከምቲ ዝግባእ እንተ ተጠቒምናሉ ኸኣ ንሙሉእ ህዝቢ ዓለም ክቕልብ ዝኽእል ዓቕሚ ኣለዎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ኣፍሪቃ ክሳብ ሕጂ ተጸባይት እያ።

ኣፍሪቃ፡ 90% ዕቑር ሃብቲ (ንጥረ ነገራት) እትውንን ኣህጉር እያ። ኣብ ዓለም ሙሉእ ካብ ዝርከብ ወርቂ እቲ 40% ኣብ ኣፍሪቃ እዩ ዘሎ። 33% ናይ ኣልማዝ (diamond) ሃብቲ ትውንን። 80% ናይ ዓለም ሙሉእ ኮልታን (Coltan) ዝተባህለ ንቴሌፎናትን ኤሌክትሮኒክስን ዝኸውን ማዕድን ኣብ ኣፍሪቃ ይርከብ። እቲ ዝበዝሐ ኣብታ ዓመታዊ ብጥሜትን ዓጸቦን ኲናትን ትስቀ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ይርከብ። ኣፍሪቃ፡ ወናኒት 60% ኣብ ዓለም ሙሉእ ካብ ዝርከብ ንመስርሒ ባትሪ ዝጠቅም ኮባልት ዝተባህለ ንጥረ ነገር እያ።

ኣፍሪቃ ብነዳዲ ዘይትን ባህርያዊ ጋዝን ኣዝያ ሃብታም ሃገር እያ። ኣፍሪቃዊት ሃገር ናሚብያ እታ ኣብ ዓለም ሙሉእ ብዓሳታት ዝሃብተመ ገማግም ባሕሪ ትውንን ሃገር እያ። ኣፍሪቃ ብማንጋነዝ ዝተባህለ ባእታን ሓጺንን ንጽርበት ዕንጨይቲ ዝኸውን ኣግራብን ዝሃብተመት ኣህጉር እያ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፡ ኣብ 2025 ብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃ 1.5 ቢልዮን እዩ። ምስ ካልኦት ሃገራትን ኣህጉራትን ክመጣጠን እንከሎ፡ ብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃ ንኸይውስኽ ዝተሰርሓሉ ዕላማ ኣሎ ዘብል እዩ። እታ ሓደ ሲሶ ትርብዒት ኪሎሜትር ናይ ኣፍሪቃ ስፍሓት ዘለዋ ቻይና እኳ ህዝባ 1.4 ቢልዮን እዩ። እታ 3.3 ሚልዮን ትርብዒት ኪሎሜትር ስፍሓት እትውንን ህንዲ እኳ ብዝሒ ህዝባ 1.48 ቢልዮን እዩ። ስለምንታይ ደኣ እታ ልዕሊ 9 ዕጽፊ ስፍሓት ናይ ህንዲ እትውንን ኣፍሪቃ፡ ብዝሒ ህዝባ ኣብ 1.5 ተደሪቱ፧

ኣፍሪቃ ከባቢ 30 ሽሕ ንሕክምና ዝኸውን ንጥረ ነገራትን ኣትክልትን ትውንን ኣህጉር እያ። እዚ ኹሉ ንጥረ ነገራትን ኣትክልትን ግን ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ተመስሪሑ፡ ተመሎሱ ናብ ኣፍሪቃ ብኽባር እዩ ዝሽየጥ። ብዘይካ’ዚ ኣፍሪቃ ብባህልን ኣርክቴክትን ስነ ቅርጻን ካልእ ክብርታትን ኣዝያ ሃብታም ኣህጉር እያ። ወዘተ… ናይ ኣፍሪቃ ሃብትን ጸጋን ጸብጺብካ ኣይውዳእን እዩ።

ኣፍሪቃ ብትሕዝቶኣ ንመጻኢ እኳ ከተውሕስ እትኽእል ሃገር ክነሳ፡ ንምንታይ ንህዝባ ንሎሚ ዘይኮነት፧ ስለምንታይ ትደኪ፧ ስለምንታይ ትጠሚ፧ ስለምንታይ ብዂናት ትሕመስ ኣላ፧ እዚ ኮነ ኢልካ ካብ ኣማኢት ዓመታት ሒዝካ ክስርሓሉ ዝጸንሐ ንኣፍሪቃውያን ከም ሓንቲ ዓቕሚ ዘይብላ ንእሽቶ ኣህጉር ምዃና ንምእማን ዝተወጠነ ክፉእ ሓሳብ ንዓለም ክዕብልሉ ዝደልዩ ጉጅለታት እዩ። እቲ ዘሕዝን ግን መራሕትና ከም ዘለዎ ተቐቢሎም ኣብ ነፍሲወከፍ ናይ ኣፍሪቃ ቤት ትምህርታት ኣፍሪቃን ጸጋኣን ብዘይ ምስላ ከም ንመሃሮ ገይሮም። ከምኡ ኢሉ ኸኣ ይቕጽል ኣሎ። ግን ጸጋታትናን ጽባቐታትናን ሃብቲታትናን ከምቲ ዝግባእ ክንጥቀመሉ እንታይ ንግበር፧ ኣፍሪቃ ኩለንትናዊ ለውጢ ትደሊ ኣላ!

Leave a Reply