- ኣከዳድናኻ ርእዩ ኣብ ክንዲ፡ ‘ብጣዕሚ ጽቡቕ ኣከዳድና! ምስ መን ድያ ደኣ ቆጸራ ናይ ሎሚ፧’ ኢሉ፡ ብፍሕሹው ገጽ ክብርኻ እናሓለወ ዝዛረበካ፡ ‘መጻጺኻ’ባ ሎምስ!’ እናበለ ብናይ ምስትንዓቕ ዘረባ ይዛረበካ እንተልዩ፡ እዚ ሰብ ናትካ ኣይኮነን።
- ሓደ ስራሕ ወዲእካ፡ ‘ኣሰይ፡ ብጣዕሚ ጽቡቕ ስራሕ እንቋዕ ሓጎሰካ፡ እንቋዕ ፍረ ጻዕርካ ኣርኣየካ!’ ኣብ ክንዲ ምባል፡ ካበይ ከም ዝመጸኻ ኣይትረስዕ ዝዓይነቱ፡ “እንቋዕ ሓጎሰካ፡ ብዙሕ ኢኻ ጽዒርካላ ሓቀይ፧” ዝብለካ ሰብ፡ ብዙሕ መልሲ ከይሃብካ ካልእ ካብኡ ዝዓቢ ስራሕ ወዲእካ ጥራይ ኣርእዮ። ከምዚ ዝበለ ሰብ መሰናኸሊ እዩ።
- ትፈትወን፡ ኩሉ ግዜ ትለብሰን ጫማ ይኹን ክዳን ለቢስካ ናብ እኩብ ሰብ ምስ ትመጽእ’ሞ፡ ሓደ ካብቶም እኩባት ኣብ ቅድሚ ሰባት ከሕፍረካ ኢሉ፡ ‘እዘን ጫማ ደኣ ኩሉ ግዜ ጽሩያት ጌርካ ኢኻ ትሕዘን። ነዊሕ ከም ዝገበራ ወላሓደ ሰብ ኣይፈልጠንን’ዩ ሓቀይ፧’ ኢሉ ብምስሓቕ ንኻልኦት ክስሕቁ ዝዕድም ሰብ ደረጅኡ ዝወረደ ስለ ዝኾነ እንተ ዘይቀረብካዮ ይሓይሽ። ኣተሓሳስብኡ ድሑር ስለ ዝኾነ፡ ‘ማሕ ማሕ ኣቢልካ ሰብ ተደናግር ኣለኻ፧’ ንምባል ዝጥቀሙሉ ኣዘራርባ እዩ።
- ‘ኣሰይ፡ ጽቡቕ ትርኢት፡ ወይ ጥዑም ጨና ወዘተ፡’ ኢሉ ስቕ ኣብ ክንዲ ምባል፡ ወይ ናብ ካልእ መራኸቢኹም ጉዳይ ዝኸይድ፡ ልብኻ ብዝጎድእ ዕላማ ኣዘራርባ፡ ኣብ ትርኢትካ ለውጢ ጌርካ ኣከዳድናኻ፡ ዝተጠቐምካሉ ጨና፡ ኣቀማቕማ ወዘተ ለውጢ ጌርካ ምስ ዝርእየካ’ሞ፡ ብኣስተሓንቃር፡ ‘እንታይ ሓድሽ ነገር ኣሎ ድዩ ደኣ እዚ ኹሉ ለውጢ፧’ ኢሉ ዝስሕቕ፡ ናትካ ኣይኮነን።
- ኣብ ዝበዝሐ ግዜ፡ ‘ብጌጋ ከይትርደኣኒ፡ ደኣ’ምበር…’ ኢሉ ዘረባ ዝጅምር ሰብ ብጌጋ ክትርድኦ እዩ ዝሓይሽ። ብኸምዚ ኣጀማምራ ዕላል ዝጅምር ሰብ ዝበዝሐ ግዜ እቲ ቀንዲ ሓሳቡ እዩ ዝነግረካ። እቲ ኣበሃህልኡ ከምቲ ዝብሎ ዘሎ ዝኾነ ሰብ ግን፡ ዘሰክፎ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ስለ ዘይብሉ ስቕ ኢሉ እዩ ዝዛረብ።
እዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ሰባት እንታይ ማለቶም’ዩም መስለካ፡ ‘ከተርክበና ቁሩብ ተሪፍካ፡ ግን ዝገበርካ እንተ ገበርካ ክንዳና ኣይትመጽእን ኢኻ፡ ወይ ናትና ደረጃ ኣይኮንካን፡ ግን ከም ዘለኻዮ እንተ ተሓወስካና ወለሓንቲ ጸገም የብሉን!’ ንምባል እዮም ዝዛረብዎ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ ኣይትምልሰሉን ኢኻ ስምዒትካ ገቲእካ፡ ፍሽኽ ኢልካ ስቕ ምባል፡ ዓቢ ጽፍዒት እዩ። ልቢ ሰብ ክጎድኡ ዝጥቀሙሉ ኣበሃህላ እንድዩ፡ ንስኻ ኸኣ ብፍሽኽታኻን ብስቕታኻን ኣሰንብዶም።