ሓደ ግዜ ሓደ መንእሰይ ንመጀመርታ ግዜኡ ስራሕ ይጅምር ነበረ። ክሳብ ሽዓ ግዜ ካልእ ዓርኪ ወይ መሓዛ ስለ ዘይነበሮ፡ ኣዕሩክቱን መሓዙቱን ኣቦኡን ኣዲኡን ኣሕዋቱን ኣሓቱን እዮም ነይሮም። ኣቦ እዚ መንእሰይ፡ ሓደ ማዕዳ ኣስኒቖም ንስራሕ ኣፋነዉዎ። እቲ ማዕዳ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል:
‘ዝወደይ ላምባዲና ብርሃና እናሃሰሰ ክኸይድ ከሎ ባትሪ ትውድእ ከም ዘላ ምልክት እዩ። ካብቲ ምድብዛዝ ቀጺላ ኸኣ ናብ ሙሉእ ብሙሉእ ምጥፋእ ትበጽሕ።’ ኢሎም። ይሰምዖም ከም ዘሎ ንኸረጋግጹ፡ ‘ሓቀይዶ ዝወደይ፧’ በልዎ። ንሱ ኸኣ እወ ባትሪ እንተ ወዲኣ ደኣ ትጠፍእ፡ ከም ዘይተብርህ ከኣ ትኸውን፡’ ይብሎም። እዞም ኣቦ ብምስትውዓል ይሰምዖም ከም ዘሎ ስለ ዘረጋገጹ ሓደ ሕቶ ሓተትዎ። ከምዚ ኢሎም፡ ‘ዝወደይ እዛ ባትሪ ወዲኣ ዘላ ላምባዲና፡ ባትሪ ስለ ዝወደአት ክንጉሕፋ ድዩ ዘለና ዋላ ባትሪ ኢና ክንቅይረላ ዘለና፧’ በልዎ። ንሱውን ኣቦኡ እንታይ ክብሉ ከም ዝደለዩ ክንጽረሉ ተሃዊኹ፡ ‘ባትሪ እምበር ንቕይረላ ንምንታይ ንድርብያ፧’ ኢሉ ንሕቶኦም ብሕቶ መሊሱ፡ ናብቲ ቀንዲ መልእኽቶም ክሓልፉ እናበሃገ፡ ቀው ኢሉ ዓይኒ ዓይኖም እናጠመተ ተጸበዮም።
“ሓደ ጥዑይ ዝነበረ ሰብ ሕውስውስ ኢሉዎ፡ ምድሪ ጸልሚታቶ፡ ግዕዙይ ኣካይዳ ይኸይድ እንተልዩ፡ ሓደራኻ ዝወደይ ካባኻ ከይተርሕቖ፡ ባትሪ እዩ ወዲኡ እምበር ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኰይኑ ማለት ኣይኮነን። ብዘይካኻ ካልእ ባትሪ ክቕይረሉ ዝኽእል ሰብ የለን። ሰብ ኩኖ!” ኢሎም ኣባታዊ ማዕዳኦም ቀጸሉ። “ገለ ገለ እቲ ዝደልዩዎ ተራ ባትሪ፡ ከም ኣድህቦ፡ ፍቕሪ ወዘተ ጥራይ እዮም ዝደልዩ። ገሊኦም ከኣ ኣልካላይን (alkaline) ከም ምድንጋጽ፡ ምድጋፍ፡ ከም ዘለዉዎ ተቐቢልካ፡ ከይተሓለልካ በብንእሽቶ ኣንፈቶም እናቐየርካ ናብ ንቡር ምምላስ እዩ ዘድልዮም። እዚ ኹሉ ጌርካ ብርሃኖም ክወጽእ እንተዘይከለ፡ ካብኦም ከይተፈለኻ ብርሃንካ ጥራይ ኣብርሃሎም። እቲ ጸዓት ቀስ እናበለ ክሓልፎም እንከሎ ክትርእዮም ኢኻ፡” ኢሎም ንወዶም ብርሃን ኣስኒቖም ናብ ስራሕ ልኢኾሞ ይበሃል።
ኣብ ሕጋጋት ፍቅሪ ክልተ ዓይነት ሕጊ እዩ ዘሎ። ቡሩራዊ ሕግን (silver Rule) ወርቃዊ ሕግን (golden rule) ከኣ ይበሃሉ። እቲ ቀዳማይ፡ ብሩራዊ ሕጊ ናይ ፍቅሪ፡ ካልእ ሰብ ካብ ምጉዳእ ምቁጣብ ዝምህር እዩ። ከምዚ ኸኣ ይብል፡ “ከምቲ ንኣኻ ካልኦት ክገብሩኻ ዘይትደልዮ፡ ንስኻ ኸኣ ንኻልኦት ከምኡ ኣይትግበር!” ዝብል እዩ። ኣብዚ ሓሳብ እዚ ከም ቀዳሞት ዝጥቀሱ ሰባት ከም በዓል ቻይናዊ ኮንፊሸስን ኣይሁዳዊ ጥንታዊ ዓቢ መምህር ሂሌልን እዮም።
እቲ ካልኣይ ከኣ ወርቃዊ ሕጊ (golden rule) ይበሃል።
እዚ ወርቃዊ ሕጊ ግና፡ “ካልኦት ክገብሩልና ከም እንደልዮ ንሕና ድማ ንግበረሎም!” ዝብል እዩ፡፡ እዚ ወርቃዊ ሕጊ ድማ ዋንኡ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብቲ ብዛዕባኡ ዝተጻሕፈ ወንጌል እንተ ኣንቢብና ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ንረክብ፡ “እምብኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብረልኩም እትደልይዎ ዘበለ ኹሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም!” ( ማቴ 7፡12) ስለዚ ንጸላኢኻ ካብ ምጽላእ (ምቕታል) ምቁጣብ ናይ ፍቅሪ ነገር ክኸውን ከሎ፡ ህይወትካ ኣብ ክንዲ ጸላኢኻ ኣሕሊፍካ ምሃብ ግና ናይ ፍቕሪ፡ ናይ መወዳእታ ተግባር እዩ፡፡ (Minassie Asmelash)
ኣብ ህይወት እቲ ይነብር ኣለኹ ዝብል ሰብ፡ እቲ ንፍቕሪ ናብቲ ናይ መወዳእታ ጥርዛ ዘብጽሐ ሰብ እዩ። ንሓደ ብርሃኑ ጠፊእዎ ዝደናበር ዘሎ ሰብ ንእሽቶ ብርሃን ብምብራህ ካብቲ ዘለዎ ጸልማት ከተውጽኦ ምፍታን ንናትካ ብርሃን ኣየጸልምቶን እዩ፡ መሊሱ ከም ዝኹላዕ እዩ ዝገብሮ።