ግዜ፡ ፈጣሪ ንነፍሲ ወከፍና ከይፈላለየ፡ ከየዳለወ፡ ዝዓደለና ክቡር ሃብቲ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓት ኣለዎ፡ ኣብ ሰሙን ከኣ ሸውዓተ መዓልቲ። እቲ ፍልልይ ዝመጽእ ኣብ ኣጠቓቕማ እዩ። ከምቲ ዋጋ ናይ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ንኽትፈልጥ፡ ሓውን ሓፍት ዘይብሉ ሰብ ሕተት ዝበሃል፡ ከምኡ ንግዜ ኸኣ በብደረጅኡ ጽቡቕ ገይሮም ዝፈልጥዎን ዝርድእዎን ኣለዉ። ንኣብነት:
- ዋጋ ናይ ዓሰርተ ዓመት ግዜ ዝርድኦም፡ ሰብ ሓዳር ዝነበሩ ኣብዚ ሓጺር እዋን ዝተፋትሑ ሰባት’ዮም። በበይኖም፡ ደጋፊ ዘይብሎም ምስ ኮኑ እተን ዓሰርተ መዓልቲ፡ ዓሰርተ ዓመት ኰይነን እየን ዝስምዖኦም። ነተን ብሓደ ዘሕለፍወን ዓሰርተ ዓመት ግን ከም ዓሰርተ መዓልቲ ገይሮም ከሕልፍወን ይኽእሉ ነይሮም እዮም።
- ዋጋ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ግዜ ጽቡቕ ገይሩ ዝርድኦ፡
ሎምዘበን ብዲግሪ ዝተመረቐ መንእሰይ እዩ። ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ኮሌጅ ወይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምጽናዕ ኣዝዩ ጽዑቕን ከቢድን እዩ። - ዋጋ ናይ ሓደ ዓመት ግዜ ጽቡቕ ገይሩ ዝስወጦ፡ ብሸለልትነቱ ዝተረፈ ተማሃራይ’ዩ። ድሕሪ እቶም መማህርቱ ዝነበሩ ተሪፉ፡ ዝተረፎ ትምህርታት ክውድኦ እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዝርድኦ ንሱ ጥራይ እዩ።
- ዋጋ ናይ ትሽዓተ ወርሒ ግዜ ጽቡቕ ገይራ ትፈልጥ፡ ሎምቅነ ዝሓረሰት ኣደ’ያ። ‘ከም ጥንስቲ መዓልታት ትቖጽር ኣለኻ፧’ ከም ዝበሃል፡ እተን 9 ወርሒ ንነፍሰ-ጾር ኣዝየን ከበድትን ኩለንትናዊ ጥንቃቐ ዝሓታን ወርሓት እየን።
- ዋጋ ናይ ሓደ ወርሒ ግዜ ትፈልጥ፡ ቅድሚ ወርሓታ ዝሓረሰት ሰበይቲ’ያ። ኣብ ጥዕናኣን ኣብ ጥዕና ውላዳን ማዕረ ክንደይ ከቢድ ፈተና ከም ዝገጥሞም ትፈልጥ እዛ ኣደ’ዚኣ እያ። ሓንቲ ወርሒ ቀዲማ ክትሓርስን፡ ሓንቲ ወርሒ ድሒራ ኣብ መዓልታ ክትሓርስን ዘለዎ ፍልልይ ዓብይ እዩ።
- ዋጋ ናይ ሓደ ሰሙን ግዜ ዝፈልጥ፡ ኣብ ክፍሊ ኣርትዖት ዝሰርሕ (ኤዲተር) ናይ ሰሙናዊት ትሕተም ጋዜጣ ወይ መጽሄት እዩ። ትንፋስ ዘይብሉ ስራሕ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሓድሽ ሓበሬታ እናኣከብካን ምስኡ ዝኸይድ ስእልታትን ጥቕስታትን ኣቀማምጣ ጽሑፋትን፡ ንኸይትጋገ ዘሎ ቃልስን ምጥንቃቕን እዚ ኤዲተር እዩ ከረድኣካ ዝኽእል።
- ዋጋ ናይ ሓንቲ ደቒቕ ዝርድኦ፡ ሓንቲ ደቒቕ ስለ ዝደንጐየ ኣውቶቡስ ወይ ባቡር ሓዲጋቶ ዝኸደት ሰብ እዩ። ክብሪ ናይዛ ሓንቲ ደቒቕ ስለ ዘይሓለኻ ኣብ ዘለኻዮ ክትውዕልን ክትቅንይን ትኽእል ኢኻ። ካብ ኣብ ህይወትካ ወሳኒ ዝኾነ ናይ ስራሕ ቃለ መሕትትውን ክትተርፍ ትኽእል ኢኻ።
- ዋጋ ናይ ሓንቲ ካልኢት ዝርድኦ፡ ሳላ ሓንቲ ካልኢት ዝሓለፈን ወይ ዝደንጐየን ካብ ሓደጋ ዘምለጠ ሰብ’ዩ። ብናይ ሓንቲ ካልኢት ምቕዳምን ምድንጓይን ህይወትካ ክትሓልፍ ትኽእል፡ ወይ ህይወትካ ክትተርፍ ትኽእል’ያ።
ስለዚ ሓወይ፡ ግዜ ከም መቑጸርያ ኣይኮነን፡ ከም ድላይካ ደው ተብሎ ወይ ከም ድላይካ ትቖጽሮ፡ ግዜ ኣይጽበየካን’ዩ። እንተ ዘይተጠቒምካሉ ሓዲግካ ክዕዘር’ዩ። እንተ ተጠቒምካሉ ግን ክቡር ሃብቲ እዩ።