You are currently viewing 0007 ጭራ ጥራይ ስለ ዝረኣኻ ኣንጭዋ እያ ማለት ኣይኮነትን

0007 ጭራ ጥራይ ስለ ዝረኣኻ ኣንጭዋ እያ ማለት ኣይኮነትን

ሙሉእ ስእሊ ከይረኣኻ ምውሳን ኣብ ሽግር እዩ ዘውድቐካ። እዛ ድሙ ኣብ ንእሽቶ ነዃል ናይ መንደቕ፡ ሓንቲ ጭራ ርእያ፡ ኣንጭዋ መሲልዋ፡ ብጭርኣ ስሒባ ክትምስሓ እያ ትሓስብ ዘላ። ብድሕሪ እቲ መንደቕ ከመይ ዝበለ መንደላይ ተመን (ኮብራ) ከም ዘሎ ኣይራየትን ዘላ።

ዓሙቕ ትርጉም ናይዛ ስእሊ፡ እዚ ዝስዕብ እዩ፡ “ሙሉእ ስእሊ ከይሓዝካ፡ (ሳዕቤኑ ከይፈለጥካ) ምስ መን ትጻወት ኣለኻ፡ ንመን ተላግጽ ኣለኻ፡ ኣንጻር መን ትቃለስ ኣለኻ፡ ናብ መን ኢድካ ተወጣውጥ ኣለኻ፡ ከይፈለጥካ ኩሉ ምግባር ኣብ ሓደጋ እዩ ዘውድቐካ። እዚኢ ናይ ዘመንና ናይ ታህዋኽ መንፈስ እዩ። እዚ ታህዋኽ’ዚ እዩ ኸኣ ንዝበዝሐ ሰብ ኣብ ሓደጋ ዝሸሞ ዘሎ። ውሑድ ሓሳብ፡ ንእሽቶ ስእሊ፡ ሒደት ትምህርቲ፡ ሒዝካ ዓቢ ዕዮ ክትዓዪ ዘድሊ ክፉእ መንፈስ።

‘ውሑድ ፍልጠት ሓደገኛ’ዩ፡’ ይብል ነበረ ገጣማይ Alexander Pope (1688 – 1744) እዚ ዓይነት ኲነተ ኣእምሮ ሎሚ ኣብ ዝበዝሑ መንእሰያት ዝርአ ሕማም’ዩ። እዚ ውሑድ ፍልጠት ሒዝካ ዓቢ ፕሮጀክታት ክትዓዪ ምሕላም ከም ንጸላኢኻ ኣነኣኢስካ ምርኣይ እዩ። ብዘይ እኹል ፍልጠትን ሓበሬታን ዝጅመር ዝኾነ ዕዮ ኣብ ሓደጋ እዩ ዘውድቐካ። ‘ንጸላኢኻ ኣነኣኢስካ ምርኣይ ሓደገኛ እዩ!’ ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። እዚ መምርሒ ህይወት ፈሊጥካ ክትጓዓዝ እንተዘይክኢልካ፡ ዝነዓቕካዮ የጥንስ ኣብ ዝብል ምስላ ኢኻ ክትወድቕ። ጭራ ስለ ዝረኣኻስ በቃ ኣንጭዋ እያ፧ እዚ ድዩ እቲ ዘዕበየና፧ እዚ ድዩ እቲ ምስላታት ሃገርና ዝነግረና፧

ጭራ ነብሪ ኣይትሓዝ እንተሒዝካ ኸኣ ኣይትልቀቕ፡ ኣይኮነን ዘሎ እቲ ዘረባ፡ ብመሰረቱ ጭራ ተመን ኣይትሓዝ እዩ እቲ ጉዳይ። ኣብ መወዳእታ “ብመሲልኒ” ዝብል ነገር ስለ ትድምድም፡ እዚ ካብቲ ዝመጽእ ሕማቕ ሳዕቤን ኣየድሕነካን እዩ። እቲ ጌጋ ምስ ተፈጸመ፡ “ኣይፈለጥኩን ኔረ፡” ዝብል መመኽነይታታት ካብ ተሓታትነት ወይ ካብቲ ዝስዕብ ሓደጋ ኣየድሕነካን እዩ። ምናልባት ጉዳይካ ብይቕሬታ ክዛዘም ይኽእል ይኸውን እዩ፡ ኣብ ባዕልኻ ይኹን ኣብ ካልእ ሰብ ግን እቲ በሰላ ዕድሜኻ ሙሉእ ደድሕሬኻ እዩ ክኸይድ።

እዛ ድሙ፡ ነቲ ሙሉእ ስእሊ እንተትርኢ ኔራ፡ እቲ ቅኑዕ ውሳኔ ምወሰነት። ሰብ ከኣ ብባህሪኡ ሙሉእ ስእሊ ናይቲ ዝውስኖ ዘሎ ነገር እንተዝርኢ፡ እቲ ዝርእዮ ዘሎ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ምተረደኦ ኔሩ። ስለዚ ሙሉእ ስእሊ ክንርኢ መጀመርታ ንሕና ድሉዋት ንኹን፡ ፈጣሪ ኸኣ ኣዒንትና ይኽፈተልና።

እዛ ስእሊ ናይ ህቡብ ኢጣልያዊ ሰኣላይ/ነዳፋይ Marco Melgrati እያ። ሰላም!

Leave a Reply