ስለምንታይ እዩ ግን እግዚኣብሄር ጾታዊ ርክብ ፍሉይ ባህታ ከም ዝህልዎ ገይሩ፧ ዘርኢ (ሓድጊ) ንኽህልወና ጥራይ ድዩ፧ ወይ እቲ ፍሉይ ባህታ ንሰብኣይ ጥራይ ዝምልከቶዶ ይመስል፧ ያእ ኣይፋሉን! ጾታዊ ርክብ ዘርኢ ንምትራፍ እዩ ተፈጢሩ ወይ ሰብኣይ ጥራይ እዩ ክሕጎሰሉ ዘለዎ ዝብል ዘይስልጡን ኣተሓሳስባ ተሪፉ፡ በቲ እግዚኣብሄር ባዕሉ ኹልና (ሰብ ሓዳር ጥራይ) ብማዕረ ክንሕጎሰሉን ባህ ክብለናን ዝፈጠሮ መስርሕ ክንሓልፍ ብግዲ እዩ። ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ናይ ክልቴኹም መጻምዲ እዩ ደኣ ዝውስኖ እምበር፡ ባህ እናበለኩም ከተዕልሉን ክትጥቀሙሉን ትኽእሉ ኢኹም። ብኸመይ መገዲ ኢኻ ናይ ሰበይትኻ ሓጎስ እናመርመርካ፡ ብፍላይ ብጾታዊ ርክብ ባህ እናበለካ ምስ ሰበይትኻ መዋእልካ እትዓግብ ሰብኣይ ኰንካ ከተሕልፎ፧ ኣንስቲ ሓዳርከ፡ ንኹሉ መስርሕ ንቡር ጾታዊ ርክብን፡ ምስኡ ዝተሓሓዝ መሰረታዊ መንፈሳዊ ሓሳባትን ንሰብ ሓዳር ጥራይ ዝተፈልየን ቅዱስን ምዃኑ ይርደኣክንዶ፧ እወ፡ እዚ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ክርድኦ ዘለዎ ሓቂ እዩ።
ጾታዊ ርክብ፡ ንውላድ ይኹን ንሓጎስ፡ ኣምላኽ ንሰብ ሓዳር ጥራይ ክንሕጎሰሉን ክንፈርየሉን ዝሃበና ብሉጽ ህያብ እዩ። ኣብ ጾታዊ ርክብ ዘሎ ጥዑም ጻንሒትን ስምዒታትን ነቲ ስምዒታት ዝፈጥሩ ሆርሞናትን፡ ኣምላኽ’ዩ ፈጢሩዎም። ኣምላኽ ነዚ ፈጢሩ ጥራይ ኣይኮነን ስቕ ኢሉ፡ ነዚ ርክብ ኣብ መደቀሲ ኣሚን ጥራይ ክፍጸም ከኣ፡ ሓዳር ዝበሃል ኣብ ክልተ ኣንጻር ጾታ ዝመሰረቱ ሓድነት ፈጢሩ። ሰብኣይ ብሰበይቱ፡ ሰበይቲ ኸኣ ብሰብኣያ ባህ ክብላ እዩ ኣብታ ኣብ ጾታዊ ርክብ ጥራይ ትርከብ ‘ባህታ’ ገይሩ። እዛ ብንቡር ኣገባብ ኣብ መደቀሲ ኣሚን (ዓራት ሰብ ሓዳር) ጥራይ ትርከብ ሓጎስ ኣብ ካልእ ኣይትርከብን እያ።
ግን እቲ ሓሳብ ጸልማት ጥራይ ከተግብር ዝሓስብ ክፉእ ተጻራሪ፡ ነቲ ፈጣሪ ኣብ ምድሪ ክንሕጎሰሉ ዝፈጠሮ ኩሉ ንምጥፋእ፡ ክፍጽሞ ዝተግሃሉ ዕላማኡ ስለ ዝኾነ፡ ነዛ ሓጎስን ባህታን ካብ ሰባት ክነጥቃ ለይትን መዓልትን ንቑሕ እዩ። ስለዚ ብሓፈሽኡ ሰብ ሓዳር፡ ብፍላይ ከኣ ሰብኣይ፡ እዚ ሓጎስካን ሓጎስ ሓዳርካን ክምንጥለካ ለይትን መዓልትን ንቑሕ ዝኾነ ክፉእ መንፈስ ከይብለጸልካ ስፍራ ኣይትሃቦ። ዓለም ከኣ መሳርሒት ጸልማት ስለ ዝኾነት፡ ምእንቲ ካብቲ ዘለኻዮ በሪኽ ቦታ ከተውድቐካ፡ ካብ ሓዳርካ ወጻኢ፡ ጽቡቕ ብዝመስል መገዲ ክትቅርበልካ ትኽእል’ያ። ከምቲ ኣብ ሓዳርካ ትረኽቦ ሓጎስ ካብ ሓዳርካ ወጻኢ ፈጺምካ ከም ዘይትረኽቦ ኩሉ ግዜ ኣብ ኣእምሮኻ ኣቋጽሮ። ንቕሓሉ!
እቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ዘበለ ኹሉ ብግቡእ ኣገባብ እንተ ተጠቒምካሉ ጥራይ እዩ ሓጎስን ዕጋበትን ዝፈጥረልካ። ሰይጣንን ዓለምን ብዝፈጥርዎ ኣብ ስጋዊ ትምኒትካ ዘተኮረ ወፈራ ግን ባዶን ኣዕናውን እዩ። ካብቲ ናይ ሓዳር ሓዲድ ኣይትውጻእ። ሰላም!