You are currently viewing 0001 ሸውዓተ ንኹሉ ኣብ ጽልኢ ዝነብር ሰብ ዝኸውን ፈውስታት!

0001 ሸውዓተ ንኹሉ ኣብ ጽልኢ ዝነብር ሰብ ዝኸውን ፈውስታት!

እቶም ብፖለቲካን ካልእ ሃይማኖታውን ጉጅለኣዊ ምትእኽኻብን ልብኹም ብጽልኢ መሊኡ ትውዕሉን ትሓድሩን፡ እቶም ብመንፈሳዊ ርድኢት ኣብ ዘይትፈልጥዎ ብጽልኢ ሸንኮለል ትብሉ ዘለኹም፡ እቶም ብከባቢያዊ ፍልልይ ኣብ ድሑር ኣተሓሳስባ እትነብሩ፡ እቶም ብዓሌታዊ ፍልልይ ዝበረሰ ኣእምሮ ትውንኑን፡ ብስድራቤታውን ውልቃውን ጽልእታት ኣብ ጓህን ሓዘንን ትነብሩ ቂምተኛታት፡ ሓደራኹም ተፈወሱ። ነዚ ሕማም እንተ ዘይፈዊስኩሞ፡ ከም መንሽሮ ኣብ ኩለንትናኹም እናለሓመ ከሳቕየኩም ከሸግረኩም’ዩ። ጸገምኩም ንምንቃል እዘን ዝስዕባ ሸውዓተ ሓሳባት ክሕግዛኹም’የን:

  1. ሓደ ሓያል ዝበሃል ሰብ፡ ኣብ ሎሚ ኰይኑ ንጽባሕ ክነብራ ዝኽእል ሰብ እዩ። ቁጥዐ፡ ጓሂ፡ ቂም ወዘተ፡ ዘለዎ ሰብ ግን ኣብ ሎሚ ኰይኑ ንመጻኢኡ ክነብሮ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ቊጥዐ፡ ጓሂ፡ ቂም ወዘተ ነቲ ውሽጣዊ ሰብካ መንሽሮ ስለ ዝኾኑ፡ መጻኢኻ ከየጸልመትዎ፡ ንርእስኻ ይቕሬታ ኣላምዶ።
  2. ዝበዝሐ ይቕሬታ ክብል ዝኸብዶ ሰብ፡ ስምዒታዊ ስለ ዝኾነ እዩ። ስምዒታትካ ኣመሓዳሪኻ ኣይትግበሮ። በእምሮኡ ደኣምበር ብስምዒቱ ዝመሓደር ሰብ፡ ገዛእ ርእሱ ክገትእ ስለ ዘይክእል፡ እቶም ዝሓስቡ፡ ዘመዛዝኑ፡ ዘገናዝቡ እዮም ዝገዝእዎ። ስለዚ እዩ ኣብ ጽልእን ጎነጽን ዝነብር።
  3. እቲ ፈጣሪ ዘዳለወልካ፡ ብምስትውዓልካ ዕድላት፡ ክትዕወተሉ እንተደኣ ዀንካ ስምዒታትካን ዘለኻዮ ኩነታትን ዝብለካ ዘይኮነ ኣብቲ ዘይርአ መጻኢ ኣድህብ። ኣብ መጽሓፍ እዮብ እዚ ዝብል ቃል ኣሎ፡ “ተስፋ ኣሎ እሞ ክትሃድእ፡ ናብ ዙርያኻ ኣማዕዲኻ ክትግምሰስ ኢኻ። ዜፍርህ ዜብልካ በጥ ክትብል፡ ብዙሓትውን ሞገስካ ኺደልዩ እዮም።” (እዮ 11፡18-19) እዚ ግን መዓስ እዩ ኢልካ እንተ ሓቲትካ፡ ንስኻ እድእ ምስ እትብልን፡ ብስምዒት ዘይኮነ ብኽፉት ኣእምሮ ከተስተብህል ምስ ጀመርካን እዩ።
  4. ብስምዒት ዝንቀሳቐስ ሰብ፡ ኣብ ኩሉ መነባብሮኡ ጉዕዞኡ ከይጀመረ እዩ ዝሰዓር። ተሳዒሩ እዩ ዝጅምር። ምኽንያቱ ስምዒት፡ ነተን ኣብ ኩሉ ህይወቱ ዝጠቕምኦን ናብ ኩሉ ዓወት ዝመርሖኦ ምስትውዓልን ጥበብን ክደፍነን ስለ ዝኽእል እዩ።
  5. ቁስሊ ውሽጥኻ፡ ናይ ህይወትካ መሪሕ (ስቴርሶ) ትገብሮ እንተሊኻ፡ ቀዳማይ ብእኡ እትጉዳእ ንስኻ ኢኻ። ጸቕጥን ጭንቀትን ክውስኸልካ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንዘለኻዮ ህሞት (ኩነታት) ኣይልውጠልካን እዩ። ኣብዚ እዋን ከምቲ ምስ ሓመምካ ናብ ሓኪም ምኻድ ዘድልየካ፡ ናብቲ ነቲ ቁስሊ ክፍውሰልካ ዝኽእል ምጥማት ከድልየካ እዩ። እቲ ነቲ ቁስሊ ዝፍውስ ኣብቲ ቁስሊ ኣይትረኽቦን ኢኻ።
  6. ተበዲልካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ፡ ዝተበደልካዮውን ዓብዪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምእንቲ እቲ ብሉጽን ባህ እናበለካብ ክትነብሮ ዘለካ ህይወትካ ግን፡ ‘ምእንቲ ሞጎጎ ፍሕለፍ ኣንጭዋ’ ከም ዝበሃል፡ ንነገራት ሸለል ኢልካ (ከየካበድካ) ናብራኻን ህይወትካ፡ ሓዳርካ ክጽብቐልካ ኣብ ይቕሬታ ዝተሰረተ መምርሒ ህይወት ይሃልኻ።
  7. ይቕረ ምግባርን፡ ይቕሬታ ምሕታትን፡ ምንጪ ኩሉ በረኸትካ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ‘መሓርቲ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም፡’ ዝብል ሰማያዊ ቃል ምስቲ ምሕረት ዘይገብሩ፡ ምሕረት ዘይብሉ ፍርዲ ክኾኖም እዩ ዝብል ቃል ኣሰማሚዕካ፡ ብፍርሃት፡ ብግብሪ ትነብር እንተ ዀንካ ኣብ በረኸት ኢኻ እትነብር። እዝን ካልእን ዂሉ እንተ ገበርካ “በረኸት፡ ክደልየካን ክረኽበካን’ዩ!”

Leave a Reply