You are currently viewing 0010 ንዕላል፡ ብሰለስተ መንፊት ዘሕልፍ ሰብኣይ!

0010 ንዕላል፡ ብሰለስተ መንፊት ዘሕልፍ ሰብኣይ!

ሶቅራጠስ ይበሃል። ብብዙሕ መገድታት ብዙሕ ግዜ፡ ብዛዕባ እዚ ሰብኣይ፡ ብዙሕ ሰሚዕና ኣለና። ንሎሚ ኸኣ ከምቲ ኩሉ ግዜ፡ ካብቲ ብሉጽ ታሪኹ ሓንቲ ክብለኩም:

ሓደ ካብ ዝፈልጥዎ ሰባት ከዕልሎ ይመጻልኩም። እዚ ሰብኣይ፡ “ስማዕ እንዶ፡ ብዛዕባ እቲ ዓርክኻስ ሰሚዕካዶ፧” ይብሎ። ሶቅራጠስ ንኹሉ ዕላል ብሰለስተ መንፊት ኣሕሊፉ ስለ ዝሰምዖ፡ “ሓንሳእ’ስከ፡ ዝኾነ ዕላል ብሰለስተ ዓይነታት መንፊት ከም ዘሕልፎ ትፈልጥ ኢኻ ሓቀይ፧” ኢሉ ይሓቶ’ሞ፡ ወያ ሰብኣይ ደንጽዩዎ፡ “ሰለስተ ዓይነት መንፊት፧” ይብሎ።

ኣቶ ሶቅራጠስ ንብዓል ወረ፡ “እወ፡ ቅድሚ ብዛዕባ ካልኦት ምዝራብካ፡ እቲ ዕላል ጽጹይን ጽሩይን ምዃኑ ንምርግጋጽ ግዜ ምውሳድ ጽቡቕ እዩ። ኣነ ‘ፈተነ ሰለስተ መንፊት፡’ እየ ዝብለን። ብዝኾነ እታ ቀዳመይቲ መንፊት ክሓተካ፡ “እቲ ብዛዕባ ዓርከይ ከተዕልለኒ ደሊኻ ዘለኻ ሓቂ ድዩ፧” ኢሉ ይሓቶ። “ኖኖእ፡ ርግጸኛ ኣይኮንኩን፡ ዝሰማዕክዎ’የ ክነግረካ መጽየ።” ይብል ወረኛ።

“ሕራይ፡ ብዛዕባ ሓቅነቱ ርግጸኛ ዘይኮንካሉ ወረ ክትነግረኒ፡ ካብ ገዛኻ መጺኻ፧! ግን ደሓን ጸገም የብሉን፡ ናብታ ካልኣይቲ መንፊት ክንሓልፍ፡ እዚ ሓቅነቱ ዘየረጋገጽካዮ ወረ፡ ጽቡቕ ጎኑ ድዩ ዋላ ሕማቕ ጎኑ?” ኢሉ ሓተተ ፈላስፋ ሶቅራጠስ። “ኣይይ፡ ጽቡቕ ደኣ ጽቡቕ እንደኣሉ፡ እንታይ ክንዛረበሉ፡ ጽቡቕ ጎኑ ኣይኮነን ሕማቕ ጎኑ’ዩ።” ይብል መባጽሒ።

“እዋእ፡ ይርደኣካ ኣሎ ድዩ ትብሎ ዘለኻ፧ ሓቂ ድዩ ኣይኮነን ርግጸኛ ኣይኮንካን፡ ጥዑም እኳ ከይከውንሲ ሕማቕ ወረ ኢኻ ኸኣ ክትነግረኒ ደሊኻ፧! ግን ሕጂውን ደሓን፡ እዛ ሳልሰይቲ እንተ መሊስካለይ ክትነግረኒ ትኽእል ኢኻ፡ ኣነ ኸኣ ክሰምዓካ ፍቓደኛ ክኸውን’የ። ‘ብዛዕብኡ፡ ክፈልጦ ዘገድሰንን ዝጠቕመንን ዲኻ ክትነግረኒ ደሊኻ ዘለኻ ወይስ ዘየገድሰንን ዘይጠቕመንን ኢኻ ክትነግረኒ፧’ ኢሉ ብሳልሳይ ሕቶ ኣዋጠሮ። “ከም ሓቂ ብዙሕ ዘገድሰካን ዝጠቕመካን ኣይኮነን፡ ስቕ ኢለ መሕለፊ ግዜ እንተ ዀነና ኢለ’የ፡” በለ ወረኛ።

“ስለዚ…” ኢሉ ሶቅራጠስ መደምደምታ ሃቦ፡ “ክትነግረኒ ደሊኻ ዘለኻ ሓቂ ድዩ ሓሶት ኣየረጋገጽካን፡ ጥዑም ወረ እኳ ኸይከውን ከኣ እዝኒ ዝሕርኲኽ ዘይጠቕመኒ ሕማቕ ወረ፡ እሞ ስለምንታይ ደኣ ኢኻ ክትነግረኒ ተሃንዲድካ መጺኻ፧” ኢሉ ጽቡቕ፡ ንሓመይቲ ዝኸውን ጽፍዒት ሂቡ ኣፋንዩዎ ንብለኩም።

ሓሜት፡ ሓሜት እዩ። ኣሉታዊ ደኣምበር፡ ኣወንታዊ ሓሜት ዝበሃል የለን። እዚ ሓሜት’ዚ ኣብ መጀመርታ እንተ ዘየስተውዒልካሉ ከም ጥዑም ኲላሶ እዩ ዝወርድ፡ ብድሕሪኡ ንሕልናኻ እናልመጸ፡ ክሳብ ምስ ውሽጥኻ ዘይትረዳዳእ ክገብረካ ዝኽእል መሪር መርዚ እዩ። ኣፍካን ልብኻን ኣእምሮኻን በታቲኑ፡ ዝተሓዋወሰ ስምዒት ክህልወካ ዝገብር ክፉእ ልምዲ እዩ እሞ ረሓቐሉ። ናብ ጥበብን ምስትውዓልን ኣድህብ።

Leave a Reply