You are currently viewing 0002 ብዛዕባ ሕቡራት ነገስታት (united kingdom) እንታይ ትፈልጡ፧

0002 ብዛዕባ ሕቡራት ነገስታት (united kingdom) እንታይ ትፈልጡ፧

ሕቡራት ነገስታት (united kingdom) ወይ ብልምዲ ዓባይ ብሪጣንያ ሃገር ኣይኮነትን። ዝበዝሐ ሰብ ሓንቲ ሃገር ኰይኑ እዩ ዝስምዖ። እቲ ሓቂ ግን ንሱ ኣይኮነን። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ነናተን ርእሰ ከተማን፡ ነናተን መራሕትን ነናተን ባንዴራን ዶባትን ዝውንና ኣርባዕተ ሃገራት እየን ዘለዋ።

ዝበዝሐ ሰብ፡ ዓዲ ኢንግሊዝን (England) ሕቡራት ነገስታትን (United Kingdom) ዓባይ ብሪጣንያን (Great Britain) ሰለስቲኡ ናይ ሓንቲ ሃገር ስም ኰይኑ እዩ ዝስምዖ። ዓዲ ኢንግሊዝ ልክዕ ከም ኤርትራ ሃገር እያ። ከምቲ ርእሰ ከተማ ኤርትራ፡ ኣስመራ ዝኾነት ርእሰ ከተማ ዓዲ እንግሊዝ ከኣ ለንደን እያ።

ዓባይ ብሪጣንያ ኸኣ ከም ሓንቲ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ ተባሂለን ንኽጽውዓን፡ ሓንቲ ርእሰ ከተማ ድማ ለንደን ክትህልወን ዝተሰማምዓ ሰለስተ ሃገራት እየን። እዘን ሃገራት፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ስኮትላንድን ዌልስን እየን።

ሰሜን ኣየርላንድ ኣብ ርእሲ እዘን ሰለስተ ሃገራት እንተ ተወሲኻ ኸኣ ሕቡራት ነገስታት (UK) ይኾና ማለት’ዩ። ንሕቡራት ነገስታት ዝውክላ ሃገራት እምበኣር፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ስኮትላንድ፡ ዌልስ፡ ሰሜን ኣየርላንድ እየን። ስለዚ እየን ሕቡራት ነገስታት ናይ ዓባይ ብሪጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን ተባሂለን ዝጽውዓ።

እዘን ኣርባዕተ ሃገራት (ግዝኣታት) ተጠርኒፈን እየን ሓንቲ ዓባይ ሃገር ኣቚመን ለንደን ከኣ ርእሰ ከተማአን ገይረን ዝጓዓዛ ዘለዋ። ናይዘን ኣርባዕተ ሃገራት ነናተን ርእሰ ምምሕዳርን፡ ርእሰ ከተማታትን ኣለወን። ንኣብነት ናይ ስኮትላንድ ርእሰ ከተማ ኤዲንበርግ፡ ናይ ዌልስ ካርዲፍ፡ ናይ ሰሜን ኣየርላንድ ቤልፋስት፡ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ከኣ ለንደን እየን።

Leave a Reply