ሰብ ብባህሪኡ ዘጋጠሞ ሳዕቤን (ሽግሩ) ክነግር እዩ ዝመርጽ እምበር እቲ ናብ ሽግር ከብጽሖ ዝኽእል ስምዒታዊ ውሳኔታት ክውስን እንከሎ ኣይነግርን እዩ። ካብ ሓሚምካ ምሽምቓቕ ግን፡ ኣቐዲምካ ምጥንቃቕ ዝሓይሽ መስለኒ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ኣብ ዝሙት ክወድቕ እንከሎ፡ ጌጋ ምዃኑ እናፈለጠ ስምዒቱ ስለ ዝሰዓሮ ተሓቢኡ’ዩ ዝገብሮ። ስምዒት ከተመዛዝን ስለ ዘይገብረካ፡ ኣብታ እዋን’ቲኣ እቲ ጌጋ ካልእ ዓቢ ጌጋ ሒዙሎም ከም ዝመጽእ ኣይዝክሩን እዮም። ናይዞም ዝስዕቡ ብስግኦም ጥራይ ዝሓስቡ ሰባት ሕማቕ ታሪኽ ንርአ’ሞ፡ ኣብ መወዳእታ መልእኽተይ ከሕልፍ’የ።
ክልተ ዘይፋለጡ ያእቆብን ሙሴን ዝተባህሉ ሰብኡት ኣብ ሓደ መናፈሻ በብመገዶም ተዛንዮም እናኸዱ። ያእቆብ ሃንደበት፡ ገጹ ብቖቢዑ ሓቢኡ ድንን ድንን እናበለ፡ ንድሕሪት ይምልሰ። ሙሴ ደንጽዩዎ ሓሳብ ክኣትዎ ጀመረ፡ ‘ዘለቅሕዎ ሰባትዶ ደኣ ርእዩ ይኸውን፧ ወይስ ዝኾነ ገበንዶ ደኣ ሃልዩዎ ኰይኑ፡ ነዞም ናይ ጸጥታ ምስ ረኣየ ገጹ ኸዊሉ ንድሕሪት ተመሊሱ፧’ እናበለ ንድሕሪት ናብ ያእቆብ መጺኡ፡ እንታይ ከም ዝኾነን ክሕግዞ ዝኽእል እንተዀይኑን ሓተቶ።
ያእቆብ እንናንቀጥቀጠ: “እተን ኣብቲ ጸግዒ ዘለዋ ክልተ ኣንስቲ ትርእየንዶ’ለኻ፧” በሎ። ሙሴ ኸኣ ትቕብል ኣቢሉ: “እታ በዓልቲ ጻዕዳን እታ በዓልቲ ቀይሕን ድየን፧” ኢሉ ንሕቶኡ ብሕቶ ይመልሰሉ። ያእቆብ፡ “እወ ንሰን።” በለ ስንባዴኡ ከይወጻሉ፡ ዓሚቊ ትንፋስ እናስተንፈሰ። “ኢሂ’ሞ ንሰን፧” በሎ ሙሴ ደንጽዩዎ። “እታ ጻዕዳ ማልያ ለቢሳ ዘላ ሰበይተይ እያ፡ እታ ብዓልቲ ቀይሕ ከኣ… ኣለካ ምሽ ብጎኒ ሱቕ ኢለ ሒዘያ ዘለኹ’ያ፡” ይብሎ እናተሸማቐቐ። ሙሴ ነዚ ክሰምዕን ክሸይን ክሳብ ዝደሊ ክስሕቅን ሓደ ኮነ። እናሰሓቐ ኸኣ “ነዚ ዲኻኸ፡ ኣነ ኸኣስ እንታይ ከቢድ ነገር ኮን ገጢምዎ ኢለ ተጨኒቐልካ ጸኒሐ።” በሎ። “ካብዚ ዝዓቢ ደኣ እንታይ ኣሎ፧ ሃንደበት ብሓደ ክረኽበን፧ እዋእ ሽሙ ኽፉእ! በጃኻ፧ ዝገበርካ ጌርካ፡ ነታ በዓልቲ ቀይሕ ፍለየለይ፡ ናብ ርሕቕ ዝበለ ውሰዳ፡ ሰበይተይ፡ ምስኣ ከም ዝዘውር እንተፈሊጣ፡ ኣይተሕድረንን’ያ! ይፋለጣ ምዃነን ከማን ሕጂ’የ ዝፈልጥ ዘለኹ” በሎ ያእቆብ ብናይ ፍርሂ ቃላት።
ሙሴ ብዙሕ ከቢድ ኰይኑ ስለ ዘይተራእዮ: “ኣታ እንታይ ኮንካ’ታ፡ እዚ ደኣሞ ቀሊል’ንድዩ፡ ደሓን ናባይ ግደፎ፡ ጸገም የብሉን፡ ሱቕ ኢልካ ኣይትጨነቕ፡ ባዕለይ ክወስዳ’የ። ተረጋጋእ ጥራይ። ኣነ ኣርሒቐ ምስ ኣለኹልካ፡ ሰበይትኻ ሒዝካ ናብ ካልእ ቦታ ኪዱ ኢኹም፡” ይብሎ። ያቆብ: “ብጣዕሚ’የ ዘመስግነካ። ኣብ ካሕሳኻ የውዕለኒ፡” ኢሉ ኣፋነዎ። ሙሴ: ናብተን ተመሲጠን ተፈጥሮ እናድነቓ፡ ጀላቶ እናበልዓ ዘዕልላ ዝነበራ ቅርብ ምስ በለ፡ ንሱውን ብጊደኡ ብስምባደ ግምጥል ኢሉ ከይርእዮኦ ርእሱ ኣድኒኑ፡ ናብ ያእቆብ ተመልሰ።
ያእቆብ: እዋእ፡ ኢሂ’ታ፡ እንታይ ደኣ ኮንካ፧” ኢሉ እናተገረመ ሓተቶ። ሙሴ: “ክላእ፡ እንታይ ክኾነካ ይትረፍካ በጃኻ፡” በሎ። “ንገረኒ’ዶ እንታይ ኢኻ ኮንካ፧ ክኣለየልካ’የ ምሽ ኢልካኒ፡ ንምንታይ ደኣ ብዘይ ቁምነገር ተመሊስካ፡ ዝኾነ ጸገም እንተልዩ ኸኣ ኣነውን ዝኽእሎ ክተሓባበረካ፧” ይብሎ ንጹር መልሲ ክሰምዕ እናተሃንጠየ። ሙሴ ኸኣ ሕርቃንን ሕንከትን ተሓዋዊሱዎ ርእሱ እናሓኸኸ፡ “ይገርመካ’ዩ፡ እታ ንስኻ ተውጽኣ፡ ሰበይተይ’ያ፡ እታ ሰበይትኻ ኸኣ ከምቲ ዝበልካዮ’ዩ፡” በሎ ይበሃል። ጽዩቕ ዘመን!
መልእኽተይ እዚ’ዩ: ሰባት ብሓደ ክድቅሱ ክደልዩ እንከለዉ (ብዝሙት ወይ ብምንዝርና) ንኻልእ ሰብ ኣይነግሩን እዮም። ከምዚ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ሽግርን፡ ጥንስን ወይ ካልእ ሕማቕ ነገራትን ምስ ኣጋጠመ እዮም ርድኡኒ ዝብሉ። መጀመርታ ንውሑዳት ብድሕሪኡ ንኹሉ። እዚ ከማን ዘይከውን ኰይንዎም፡ ዝርአ ነገር ስለ ዘጋጠመ እምበር፡ ክንደይ ኣብ ዝርአ ነገር ዘይበጽሑ፡ ተሓቢኦም ንስምዒቶም (ንስግኦም) ጥራይ ዝእዘዙ፡ ሕልናኦም ዝረገጹ፡ ትርጉም ጾታዊ ርክብን ዕላምኡን ውጽኢቱን ዘይፈልጡ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ብፍላይ ኣብዚ ዘመን እቲ ከም ተራ ነገር ተራእዩ፡ ክብሩ ጐዲሉ ዘሎ ኣብ ሰብ ሓዳር ጥራይ ክተርፍ ዝነበሮ ከም ንቡር ዘዝጎበዘን ዘዝጎርዘወትን ብዘይሕንከትን ብዘይፍርሃትን ክገብርዎ ዝረኣዩሉ ዘለዉ ዓብዪ ሞራላዊ ውድቀት ወዲቕና ከም ዘለና ዘርኢ ምልክት እዩ።
ብዙሓት ከም ዘዕለሉኒ እንተ ዀይኑ፡ ከም ዝተጋገዩን ክገብርዎ ከም ዘይነበሮምን ርክብ ምስ ወድኡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ እዮም ዝጠዓሱ። እንታይ ይዓብስ! “ወደሽ ከተደፋሽ፡ ሲረግጡሽ ኣይክፋሽ!” ይብሉ። ፈቲኻ ዝኣተኻዮ ጌጋ፡ ካልእ ጸገም ሒዝልካ እንተ መጺኡ፡ ብዘይካ ባዕልኻ ካልእ ክስከመልካ ፍቓደኛ ዝኸውን ሰብ የለን። ንንቃሕ!