You are currently viewing 0008 ምህላውካ ዘየስተማቕር ሰብ፡ ዘይምህላውካ ሕርሕራይ ጌሩ’ዩ ዘስተማቕሮ!

0008 ምህላውካ ዘየስተማቕር ሰብ፡ ዘይምህላውካ ሕርሕራይ ጌሩ’ዩ ዘስተማቕሮ!

ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ከባቢ ብዙሓት ኣህባይ ተኣኪበን ናብ ሓደ ሕርሻ ኣተዋ። እዚ ሕርሻ በቲ ዝበለጸ ቀለብ ኣህባይ፡ ማለት ባናናን ብዕፉንን ካልእ ኣዝርእቲ መሊኡ ስለ ዝነበረ፡ ኩሎም እቶም እንስሳታት ከም ልቦም ክበልዑን ክሕጎሱን ጀመሩ። ኣብቲ ናይ ሓጎሶም ግዜ ግን ሓንቲ ብዕድመ ዕብይ ዝበለት፡ ዋና እቲ ሕርሻ ዝኾነት፡ ወ/ሮ ንግስቲ ትበሃል ሰበይቲ ቀጻሊ ትሰጐን ነበረት። ወ/ሮ ንግስቲ ኣዝያ ጻዕራምን ለይትን መዓልትን ንቕሕቲ ስለ ዝነበረት፡ ነተን ኣህባይ እንተ ረኺባተን ብእምንን በትርን እያ ተባርረን ነይራ። በዚ ኸኣ እተን ኣህባይ ንወ/ሮ ንግስቲ ኣዝየን ክጸልኣኣ ጀመራ።

እቲ ጀርዲን ኣዝዩ ልሙዕን ዓመት ሙሉእ ከኣ ዝብላዕ ዘይሰኣኖን ስለ ዝነበረ እተን ኣህባይ ናብቲ ኣታኽልቲ ምምጻእ ኣየቋርጻን ነበራ። ወ/ሮ ንግስቲ ኸኣ ንዓኣተን ምስጓግ ኣይትሓድግን ነበረት። እተን ኣህባይ በዚ ናታ ግብሪ ፈጺመን እናጸልኣኣ፡ መጻ። ጽልአን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ከደ። ኩለን እተን ኣህባይ ነዛ ሰበይቲ ክጎብጣኣ ክሳብ ዝደልያ ኣቖጥዓተን። ኣህባይ ስለ ዝኾና (ስለ ዘየስተውዓላ) እየን ደኣምበር እቲ ሕርሻ ናይ ወ/ሮ ንግስቲ እዩ ዝሓረሰቶን ዝዘርኣቶን ከኣ ንሳ እያ። እተን ኣህባይ ግን ምስትውዓለን ጎደሎ ስለ ዝኾነ በቲ መዓልታዊ ዘጋጥመን ዝነበረ መስጎግቲ መዓልታዊ ይናደዳ ነበራ።

ሓደ መዓልቲ ከም ቀደመን ኩለን እተን ኣህባይ ዓበይቲ ጋዋኑ ሓዊሰን ናብቲ ሕርሻ መጻ። ወ/ሮ ንግስቲ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ገዝኣ ኰይና ረኣየቶም እሞ፡ በትሪ ሒዛ ክትሰጎም ወጸት። እተን ኣህባይን እቶም ጋዋኑን ግን ንወ/ሮ ንግስቲ ኣይሃዳማላን፡ እኳ ደኣ ተመሊሰን ክጎብጣኣ ኣጓየያኣ፡ ወ/ሮ ንግስቲ ኸኣ ሃዲማ ገዝኣ ኣተወት ብውሽጢውን ዓጸወቶ። እተን ኣህባይ ምስተን ጋዋኑ ኰይነን ከይቀትልኣ ፈሪሃ፡ ካብ ውሽቲ ገዝኣ ከይወጸት ክልተ መዓልቲ ገበረት፡ ነቲ ዘጋጠማ ናይ ቅትለት ፈተነ ኸኣ ክትሓስበሉ ጀመረት። ድሕሪ ነዊሕ ምስልሳል ከኣ፡ እቲ ዝነበረቶ ከባቢ ካብ ከተማ ምሕድግ ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ዝኾነ ሓደጋ ከየጋጠማ እንከሎ ናብ ከተማ ኣትያ፡ ናብራኣ ክትቅጽል ወሰነት። እቲ ዘሪኣቶ ዝነበረት ዕፉንን ባናናን ግዜኡ ኣኺሉ፡ ፈርዩ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሕ እቶት ኣእተወት። እቲ ዝበዝሐ ናብ ከተማ ከይዳ ሸጠቶ፡ ካብቲ ዕፉን ተረፍ ከኣ ንዕኣ ክኾና ኣብ ገዛ፡ ኣብ ቆፎኣ ዓቀበቶ።

ወ/ሮ ንግስቲ እዚ ምስ ገበረት ሓደ ሓሳብ ሓሰበት፡ “ኣነ ኣሪገ’የ፡ እዚ ሕርሻ ኸኣ ሰፊሕ’ዩ፡ ብፍላይ ሎሚ ምድኳዕን ምንቃልን ምጉልጓልን ምሕራስን ምጽሃይን ወዘተ ክኸብደኒ’ዩ፡ እዘን ኣህባይ ከኣ ጋዋኑ ሓዊሰን ስለ ዘለዋ ሓደ መዓልቲ ክጎብጣኒ እየን ስለዚ ስራሕ ሕርሻ ኣብዚ ይኣኽለኒ፡ እዚ ናይ ሕርሻ ቦታይ ምስ ገዝኡን መኽዘኑን ኣካርየ ኣብ ከተማ ናብራይ ክቕጽል፡” ኢላ ሓሰበት። ወ/ሮ ንግስቲ፡ ሓደ ንፉዕን እሙንን ዝካረ ሰብኣይ ረኸበት’ሞ፡ ነቲ ሰብኣይ ኩሉ ኩነታት ናይቲ ከባብን ነተን ኣህባይ ከኣ ክጥንቀቐለን ከም ዘለዎን ሓበረቶ። በዚ ተሰማሚዖም ከምቲ ዝሓሰበቶ ኰይኑላ ኩሉ ንብረታን እኽላን ጠርኒፋ ገዝኣን ሕርሻኣን ኣካርያ ናብ ከተማ ኣተወት።

እቲ ነዚ ሕርሻ ዝተኻረየ ድልዱል ሰብኣይ ነበረ’ሞ፡ መጀመርታ ነቲ ኣዝዩ ሰፊሕ ሕርሻ ብትሪኮላታን ካልእ ሓደገኛ ሓጹርን ገይሩ ከበቦ። ብድሕሪኡ ንምሕላው እቲ ከባቢ ክኾንዎ ኢሉ ኸኣ፡ ኣዝዮም ዓበይትን ሓያላትን ኣኻልብ ኣምጽአ። እዚ ክኸውን እንከሎ እተን ኣህባይ ፈጺመን ኣይፈልጣን ዝነበራ፡ ከም ቀደሙ እቲ ሕርሻ ክሕረስን ክዝራእን’ሞ፡ ንሳተን ከኣ መጽየን ከም ቀደመን እናተሳጎጋ ክበልዓን ክጸግባን እየን ዝጽበያ ነይረን። ግን ኣብ ሓጺር መዓልታት ኩነታት ተቐያየረን። ከምቲ ዝተጸበያኦ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ እዩ ኮይኑወን። እቲ ሕርሻ ድሮ ኩሉ ነገር ተገይሩሉ ተዘሪኡ ነበረ እሞ እተን ኣህባይ እንተ መጻ፡ እቲ ሓጹር ክሓልፍኦ ኣይከኣላን። እቶም ዓበይትን ሓያላትን ዘፍርሁን ኣኻልብ ከኣ ክሰጉወን ጀመሩ። እቲ ሓረስታይ ከኣ ብዓል ብረት ስለ ዝነበረ ተኲሱ ከውድቐለን ጀመረ። እቲ ኣብ ግዜ ወ/ሮ ንግስቲ ዝረኽብኦ ዝነበራ ሓለፋ፡ እቲ ሓጹር ዘይነበሮ ናጻ ሕርሻ ሰኣናኦ።

ክጠምያን ከንጸርጽራን ጀመራ፡ ዝበዝሓ ካብአን ብሰንኪ ጥሜት ናብ ካልእ ቦታ ክስደዳ ጀመራ። እተን ዝተረፋ ሒደት ከኣ ካብቲ ሕርሻ ወ/ሮ ንግስቲ ወላሓንቲ ተስፋ ስለ ዘይነበረን፡ ኣብ በረኻ ዝረኸበኦ እናማእረራ ክበልዓን ብጥሜት ክልለዋን ጀመራ። ኣብ መወዳእታ እተን ኣህባይ እታ ጸላኢተን ኰይና ትረኣየን ዝነበረት ወ/ሮ ንግስቲ እታ ንቐለበን ትዘርኣለንን ተብቁለለንን ተዳልወለንን ዝነብረት ሰበይቲ ንሳ ከም ዝኾነት ክርድአን ጀመረ። እቲ ቀጻሊ ኣብቲ ሕርሻ ኣትየን ከም ድላየን ዝኾንኦ ዝነበረ ግዜ እናጐሃያ ክዝክርኦ ጀመራ። ንወ/ሮ ንግስቲ ንህይወታ ኣስጋኢ ነገር ብምግባረንን፡ ባዕለን ስለ ዝሰጎጋኣን ብዓቕመን ከኣ ክልውጣኦ ዝኽእላ ስለ ዘይነበረንን፡ እቲ ኣጋጢሙወን ዝነበረ ናይ ጥሜትን ምስጓግን ግዜ ብጓህን ሓዘንን ትካዘን ከሕልፋኦ ጀመራ።

ሞራል: ሎሚ ኸኣ ኣብ ብዙሓት ሰባት ከምኡ እዩ ዘሎ። ምናልባት ኣብ ከባቢና ዘለዉ ንዓና ብዝርደኣናን ብዘይርደኣናን መገዲ፡ ገለ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ከባቢና ብምህላዎም ጥራይ ዝጠቕሙናን ብዙሕ ንረብሓሎምን ሰባት ኣለዉ። ሰባት ግን ኩልና መን እንታይ ይገብረልና ኣሎ ስለ ዘይነስተውዕል፡ ነቶም ሰባት ካብ ከባቢና ክሳብ ክርሕቁ ንገብር እሞ ንሳቶም ምሳና ከለዉ ዝነበረ ግዜ ንዝክር፡ ንጉሂ። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን፡ ብህይወት ዘየለዉ፡ ወይ ናብ ዘይምለሱሉ ዓዲ ኣዝዮም ኣርሒቖም ስለ ዝገሹ ንመልሶ ነገር የለን። ምሳና ብምህላዎም ዘየስተማቐርናዮ፡ ዘይምህላዎም ሕርሕራይ ጌርና ከም ነስተማቕሮ ንኸውን። ንቖርር፡ ንጭነቕ፡ ንስእን ወዘተ። ኣዝዩ ዘሕዝንን ምስትውዓል ዝጎደሎን ናብራ እዚ እዩ። ዋጋ ናይ ሓውና ሓፍትና፡ ኣዕሩኽትና መሓዙትና፡ ወለድና፡ ቤተሰብና፡ መሳርሕትናን መማህርትናን ጎረባብትናን ከነስተውዕል ፈጣሪ ዓይነ ልቦናና ይኽፈተልና። ሰላም!

Leave a Reply