ሓደ ግዜ ሓደ ጌታቸው ዝተበህለ ሰብኣይን ሓደ ኣሮን ዝሰመዮ ከልቡን ብሓደ ይነብሩ ነበሩ። ኣቶ ጌታቸው እናዓበየ ብዝኸደሉ መጠን ኣሮን ከልቡ ኸኣ ይኣርግ ስለ ዝነበረ ብንእሽተይ ከልቢ ክቕይሮ ኣለኒ ኢሉ ሓሰበ። ብድሕሪኡ ኣብ ኩሉ ነኣሽቱ ኩርኩር ዝረኽበሉ ቦታታት ከይዱ፡ ነቲ ዝነበረ እሙን ከልቡ ክትክእ ይኽእል እዩ ዝበሎ ሓድሽ ኩርኩር ገዚኡ ንገዝኡ ተመልሰ። ገዝኡ ምስ ኣተወ፡ ኣሮን ከልቡ ብሓጎስ እናዘለለን እናተወዛወዘን ንኣቶ ጌታቸው ተቐበሎ። ብፍላይ ሓድሽ ኩርኩር ምስ ረኣየ፡ ዝያዳ ተሓጎሰ እሞ ነቲ ኩርኩር እናለሓሰን እናሓቖፈን ብጽቡቕ መንፈስ ተቐበሎ።
ብድሕሪኡ ኣቶ ጌታቸው ንኣሮን ክጉሕፎ ወሲኑ ስለ ዝነበረ ሒዝዎ ናብ ሓደ በረኻ ከደ እሞ ኣብኡ ደርብዩዎ ተመልሰ። ኣሮን ግን መገዲ ቤቱ ብሽታ ጽቡቕ ጌሩ ስለ ዘጽንዖ፡ ቅድሚ ኣቶ ጌታቸው ገዝኡ በጽሐ። ኣቶ ጌታቸው ገዝኡ እንተ መጸ፡ እቲ ኣብ በረኻ ደርብዩዎ ተመሊሱ ዝነበረ ኣሮን ከልቡ ድሮ ገዛ በጺሑ ኮፍ ኢሉ ጸንሖ። ኣቶ ጌታቸው ኣዝዩ ተናዲዱ ንኣሮን ክቐትሎ ክሳብ ዝደሊ ኮነ። ኣሮን ግን ብግሩህ ልቡ ስለ ዝነበረ፡ ልቡ እምበር ልቢ ዋንኡ ከመይ ኢሉ ብጽልኢ መሊኡ ከም ዝነበረ ስለ ዘይፈለጠ፡ እቲ ኹሉ ዝኸውን ዝነበረ ፈጺሙ ክርድኦ ኣይከኣለን።
ኣቶ ጌታቸውን ኣሮን ከልቡን ኣዝዩ ብዙሕ ዓመታት ብሓደ ስለ ዘሕለፉ፡ ክልቲኦም እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ብዘይሰንፍ መገዲ እዮም ተገላጊሎም። ኣሮን ንኣቶ ጌታቸው፡ ኣቶ ጌታቸውውን ንኣሮን፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ተጠቓቒሞም እዮም። ኣብ ጽቡቕን ሕማቕን እዋናት ተፈላልዮም ኣይፈልጡን እዮም። ፍቕሮም ካብ ገዝኦም ሓሊፉ ናብ ከባቢኦም ዘሎ ኹሉ ፍሉጥ ኣብነት እዩ ነይሩ። ኣቶ ጌታቸው ግን ንኣሮን ኣገልግሎቱ ኣብቂዑ እዩ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ ሕጂውን ህዝቢ ዝእከበሉ ግዜ መሪጹ፡ ንኣሮን ከልቡ ሒዙ ካብ ገዛ ወጸ። ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዝተኣከበሉ፡ ማለት ኣብ ማእከል ኣሽሓት ሰባት ንኣሮን ፈንዩዎ ተሰወረ። ኣሮን ግን ከም ኩሎም ኣኻልብ ክልተ ጽቡቕ መለለዪ ኣለዎ፡ ‘እሙንነትን ጽቡቕ ጌርካ ቤትካን ከባቢኻን ምፍላጥን።’ እዚ ተውህቦ ዘለዎ ኣሮን፡ ካብቲ ብኣሽሓት ሰባት ተጎልቢቡ ዝነበረ ስታድዩም ንወለሓደ እኳ ከይጎድአ፡ ብወለሓደውን ከይተጎድአ እናጎየየ ቤቱ ተመልሰ።
ኣቶ ጌታቸው ካብቲ ብዝሒ ህዝቢ ዝተላዕለ ተሰዊሩ ህጣሙ ጠፊኡ ነበረ እሞ፡ ሕጅስ ኣጥፊአዮ’የ፡ ደጊም ምስቲ ኣምጺአዮ ዘለኹ ሓድሽ ኩርኩር ከኣ ጽቡቕ ግዜ ክህልወኒ እዩ ኢሉ፡ ነቲ ዝነበረ ብዓል ምስ ኩሉ ህዝቢ ብሓጎስ ኣሕሊፉ፡ ናብ ገዝኡ ተመልሰ። ገዝኡ እትው እንተ በለ ግን ዘይተጸበዮ፡ ዓይኑውን ክኣምኖ ክሳብ ዘይክእል ኣሮን ከልቡ ኣብታ ሰፈሩ ተኾዪጡ ጸንሖ። ኣሮን ዋንኡ ኣቶ ጌታቸው ምስ ረኣየ፡ ብሓጎስ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ ምልክት ዘሊሉ ካብ ዝነበሮ ቦታ ተንሲኡ ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝቕበሎ ገይሩ ተቐበሎ። ኣቶ ጌታቸው ግን ሕርቃኑ ምቁጽጻር ስለ ዝሰኣነ ንኣሮን ካብ ሑቕፉ ጸግ ኣቢሉ ደርበዮ። ኩነታት ዋንኡ እንታይ ይኸውን ኣሎ ዘይተረደኦ ኣሮን በታ ዝተደርበያ ኣስቂጡ ስቕ በለ።
ኣቶ ጌታቸው ግን ኣሮን ካብኡ ክርሕቀሉ ካብ ልቡ ኣንቂሉ ነበረ እሞ በዚ ዘጋጠሞ ተስፋ ቆሪጹ ስቕ ኣይበለን። ንሳልሳይ ግዜ ካልእ ክፉእ ሓሳብ ሓሲቡ፡ ንኣሮን ሒዝዎ ናብ ሓደ ሰባት ዝእከቡሉ ቦታ ከደ። ኣብቲ ሰባት ተኣኪቦሙሉ ዝነበሩ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ኣቶ ጌታቸው ብዓብይ ጭድርታ፡ “ዕቡድ ከልቢ! ዕቡድ ከልቢ!” ብምባል ኣቓልቦ ኩሉ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሰብ ስለ ዝሰሓበ፡ እቲ ኩሉ ሰብ በብዝጠዓሞ ተበተነ። ሓደ ካብቶም እኩባት ሰባት ግን ሽጉጥ ዝነበሮ ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ሰብ ከይጎድእ ብምባል ኩሉ ሰብ ምስ ረሓቐ ንኣሮን ተኲሱ ሃረሞ። ኣሮን ኣብ ማእከል እቲ ሰብ ተኣኪቡሉ ዝነበረ ወደቐ፡ ትንፋሱውን ብኡ ብኡ ወጸት። ኣቶ ጌታቸው ብዝኾነ ዘበለ ኹሉ ድምብርጽ ከይበሎ፡ ከምዛ ዘይናቱ እናረኣዮ፡ ብዘይ ድንጋጽን ብዘይ ዝኾነ ካልእ ሕማቕ ስምዒትን፡ ፍጹም ጓሂ ከይተሰምዖ ሓዲግዎ ገዝኡ ከደ። ኣሮን ብዘይ ኮኖ (ብዘይወዓሎ) ግዳይ ናይ ጥይት ኰይኑ። ኣቶ ጌታቸው ከኣ ሕልናኡ ዝለመጸ ሰብ ስለ ዝነበረ ድምብርጽ ከይበሎ ናብታ ብኣሮን ብዙሕ ዝተገልገለላ ቤት ኣትዩ፡ ምስቲ ሓድሽ ይኾነኒ እዩ ዝበሎ ኩርኩር ሓድሽ ህይወት ጀመረ።
ሞራል: እዚ ታሪኽ ኣብ ህይወት ገለ ገለ ሰባትውን ኣሎ። ብዙሕ ዘገልገለካ ሰብን ዓርክኻ ዝነበረን ንሱ ብምህላው ኣብ ህይወትካ ብዙሕ ዝረባሕካሉ ሰብ ጸለሎ ቀቢእካ ካባኻ ከተርሕቖ፡ ከመይ ኢሉ ነብስኻ ይገብረልካ። ክርሕቀልካ እንተ ደሊኻ፡ ካልእ ኣማራጺ የለን ድዩ። ንሱ ካባኻ ክርሕቕ ዘይደለየ ክነሱ፡ የገልግለካን ተገልግሎን ክሳብ ዝሃለኻ ስለምንታይ ብቕንዕና ዘይትዛረቦ፧ ክሳብ ሕጂ ብሓደ ዝጸናሕናዮ ግዜ ብጣዕሚ ባህ እናበለኒ እየ ምሳኻ ጸኒሐ፡ ካብ ሕጂ ንንየው ግን ብሓደ ክንቅጽል ስለ ዘይንኽእል እንተ ተፈላለና፡ መመገድና እንተ ሓዝና ይሕሸና፡” ይበሃል እዩ። እዛ ቃል ዘይትርድኦ ሰብ ከኣ የለን። ጸለሎ እናቐባእካ ካባኻ ከተርሕቖ ግን ናይ ሰብ ጥዑይ ሕልና ኣይኮነን እሞ በብዘለናዮ ንሕሰበሉ።
ጸለሎ ብምቕባእ፡ ምጥቃን፡ ዘይምስሉ ብምሃብ፡ ካብ ህይወትካ ከተርሕቖ ስለ ዝደለኻ ጥራይ፡ ንሱ እናፍቀረካ ዘይወዓሎ እናውረኻን ሓሶት እናዘራእካን፡ ዝግበር ናይ ምርሕሓቕ መስርሕ ንኹሉ ጽቡቕ ኣይኮነን። ንንቃሕ ኣወንታዊ ሓሳብ ከኣ ንልብናን ሓሳብናን ይግዝኣዮ። ሰላም!