You are currently viewing 0004 ሰለስተ ዑፍ ብሓንቲ ወንጭፍ፧! (ዛንታ ድንቁርና)

0004 ሰለስተ ዑፍ ብሓንቲ ወንጭፍ፧! (ዛንታ ድንቁርና)

ሓደ ግዜ ሓደ ጂምናስቲክ ዝኾነ ኣካላት እዩ ዘለኒ ኢሉ ዝሓስብ ጎበዝ ናብ ሓደ ፋርማሲ ይኸይድ እሞ። ነቲ ፋርማሲስት፡ ‘ናብ ሓደ ዓቢ ገዛ፡ ናብ እንዳ ዓርከይ ድራር ተዓዲመ እንድየ ዝኸይድ ዘለኹ፡ እንታይ የጋጥም ስለ ዘይፍለጥ ኮንዶም ሃበኒ፡’ በሎ። እቲ ፋርማሲስት ሓንቲ ኮንዶም ይህቦ’ሞ፡ ተቐቢሉ ክወጽእ ክብል፡ ሓደ ሓሳብ ይመጾ። ‘እታ ሓፍታ ኸኣ ጽብቕቲ እንድያ፡ ኣጠማምታኣ ኸኣ ከምዚ ትደልየኒ እያ ትመስል፡ ስለዚ ካልኣይቲ ኮንዶምውን ከተድልየኒ እያ ትመስል፡ ሃበኒ’ስከ፡’ በሎ። ፋርማሲስት እናገረሞ ገንዘቡ ተቐቢሉ ካልኣይቲ ኮንዶም ይህቦ።

ወያ ወዲ ሕጂውን ካብታ ፋርማሲ ከይወጸ ሳልሳይ ሓሳብ ቅጅል በሎ። ‘ኣያኒ፡ ኣዲአን ከኣ ብጣዕሚ’ያ ጽብቕቲ። ክትጥምተኒ ከላ ኸኣ ኣብ ዓይና ዝኾነ ናይ ፍቕሪ ነገር የንብበላ’የ፡ ንሳ እያ ኸኣ ድራር ዓዲማትኒ፡ ስለዚ ሳልሰይቲ ኮንዶምውን ክትህበኒ ኢኻ ትመስል፡’ ኢሉ ኢዱ ናብ ጁባኡ ኣእትዩ ገንዘብ ኣውጽአ እሞ ናይ ሓንቲ ኮንዶም ሃቦ። ፋርማሲስት ኸኣ ገንዘቡ ተቐቢሉ፡ ሳልሰይቲ ኮንዶም ሃቦ።

ሽዑ እዚ ጎበዝ ካብቲ ፋርማሲ ወጺኡ ቀጥታ ናብቲ ዝተዓደሞ ገዛ ኣተወ። ኣደን ክልተ ደቃን ኣኽቢበንኦ፡ በብዓይነቱ መግቢ ተቐሪቡ፡ ኣብ መመገቢ ቦታ ኮፍ ኢሉ ዕላል ጀመረ። ሽዑ ሓደ ኳዕናን ሰብኣይ ናብቲ ኮፍ ኢሎም ተረጋጊኦም ዘዕልሉሉ ዝነበሩ ናይ መኣዲ ቦታ ኣተወ። ወዲ፡ መግቢ ተቐሪቡ ስለ ዝነበረ፡ ርእሱ ኣድኒኑ ዓይኑ ዓሚቱ ክጽሊ ጀሚረ። ኣመስጊኑ፡ ተናሲሑ፡ ከም ወዲ ተባዕታይ ነቲ መኣዲ ባሪኹ፡ ብግእዝን ብትግርኛን ንኹሉ ዓይነታት ጸሎት ደጊሙ ልዕሊ 10 ደቒቕ ገበረ። ኣብዚውን ከይተደረተ ብምሕረትካ፡ ብፍቕርኻ፡… ምባል ቀጸለ። ስብሃት ለኣብ ወዲኡ፡ እግዚኦ መሃረነ ክርስቶስ እናበለ፡ ርእሱ ንካልኢት እኳ ትኹን ከየቕንዐ፡ በእዳዉ ገጹ ሸፊኑ ጸሎቱ ቀጸለ።

እዚ ኩሉ ደቓይቕ ሓሊፉ፡ ኩሎም እቶም ስድራ፡ ኣቡአንን ኣዲአንን ዋላ ክልቲአን ኣሕዋትን ክሳብ ዝግረማ ክሳዱ ናብ ጣውላ ክላገብ ክሳብ ዝደሊ ኣድኒኑ ዓይኑውን ከይከፈተ ነዊሕ ደቓይቕ ስለ ዝሓለፈ፡ እታ ዓርኩ ናብኡ ጽግዕ ኢላ፡ “እንታይ ደኣ፡ ክሳብ ክንድዚ ጸላዪ ሰብ ምዃንካ ዘይነገርካኒ፧ ኢላ ኣብ እዝኑ ሕሹኽ በለቶ። ንሱ ኸኣ ክሳዱ ከየቕንዐ፡ “ንስኽስ ኣቦኺ ፋርማሲስት ምዃኑ ዘይነገርክኒ፧” ኢሉ ኣብኣ ደሪቑ ስቕ በለ ይበሃል።

ሞራል፡ ብስፖርት ብኣትለቲክስ ዝደልደለ፡ ጥዕና ዘለዎ ኣካላት፡ ክህልወካ ጽቡቕ እዩ። ጥዕና ዘለዎ ኣእምሮ ዘይብልካ እንተ ዀንካ ግን ኩሉ ህይወትካ ኢኻ ትኸስሮ።

Leave a Reply