You are currently viewing 0003 ወዲ ተባዕታይ፡ ኣፍቃሪቱ ክትህቦ ዝደልየን ሸውዓተ ህያባት

0003 ወዲ ተባዕታይ፡ ኣፍቃሪቱ ክትህቦ ዝደልየን ሸውዓተ ህያባት

ህያብ ኢልኪ ክትሓስቢ ከለኺ፡ ዋጋ ምኽፋል ዝበሃል ነገር ኣብ ኣእምሮኺ ክመጸኪ ኣለዎ። ነቲ ተኽብርዮን ተፍቅርዮን መጻምድኺ፡ እንታይ እንተሃብክዎ’የ ኣብኡ ዘለኒ ኣኽብሮት ዝገልጽ ኢልኪ እንተሓሲብኪ፡ ክሳብ ክንደይ ዋጋ ክትከፍሊ ከም ዘለኪ ክርደኣኪ’ዩ። ዋጋ ምኽፋል ማለት ግን፡ ብዋጋ ናይ ገንዘብ፡ ክቡር ማለተይ ኣይኮነን፡ እቲ መጻምድኺ ዝደልዮን ዝፈትዎን ነገራት ኣጽኒዕኪ ምግባር ጥራይ’ዩ ዘድልየኪ። እዘን ዝስዕባ ኣብ ዝበዝሑ ደቂ ተባዕትዮ ዘለዋ ባህጊ እየን። እታ ኣብ መወዳእታ ዘላ ኸኣ ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ ዝደልዩዋ መሰረታዊትን ንሓዋሩ ብፍቕሪ ክትነብሩ ትገብረኩምን ነጥቢ እያ።

  1. ደረጃኣ ዝሓለወት ሰዓት! ወዲ፡ ብባህሪኡ ብራንድ ናይ ምጽናዕ ልምዲ ስለ ዘለዎ፡ ማለት ኣየናይ ጥዑይ ኣየናይ ዘይጥዑይ ንብረት ፈልዩ ዘፍልጥ ፍሉይ ተውህቦ ስለ ዘለዎ ተጠንቀቒ።
  2. ምስ ግዜ ትኸይድ ኦኪያለ ወይ መነጽር! ዓይነት ወሳኒ እዩ። ንሱ ዝመርጾ ናይ ጸሓይ፡ ናይ መንበቢ፡ ናይ ኮምፕዩተር… ወዘተ መሪጽኪ ክትህብዮ ትኽእሊ ኢኺ።
  3. ኩልና ኣወዳት ንፈትዋ ኸኣ ጫማ! ምርጫ ግን ካብን ናብን ኣወዳት ይፈላለ’ዩ። በዓል ቤትኪ ወይ ኣፍቃሪኺ፡ እንታይ ዓይነት ጫማ የዘውትር ርኢኺ ሃብዮ።
  4. ጽቡቕ ማልያ ወይ ካምቻ! ሕብርን ዘዘውትሮ ኣከዳድናን ኣገዳሲ’ዩ። ከም ህዝቢ ሓበሻ ብርህ ዝበለ ስለ ንደሊ ኣብርህ ዘብሎ ክኸውን ይምረጽ።
  5. ብራንድ፡ ጥዑም ጨና! ክቡር ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣገዳሲ ኣይኮነን። ጥራይ ከይተጋገኺ ናይ ወዲ ምዃኑ ኣረጋጊጽኪ፡ ጫና ገዚእኪ ሃብዮ!
  6. ካቴና፡ ካትም፡ ብራስሌት! እዚ ገለ ገለ ደቂ ተባዕትዮ ዝፈትዉዎ ደኣምበር ዝበዝሑ እተን ቀዳሞት ሓሙሽተ እዮም ዝደልዩ።
  7. እዘን ሽዱሽተ ቀለልቲ ህያባት ኰይነን፡ ካብአን ፍልይ ዝበለትን፡ እንተ ጌርክናኣ ኸኣ ክልቴኹም ትረብሑላ ዓባይን ንኽልቴኹም እተሐጉስን ህያብ ከኣ ሰላም’ያ! ክኣቱ ክወጽእ እንተ ዘይጨቕጪቕክዮ፡ ሰላም እንተሂብክዮ፡ ኩሉ ከም ዝሃብክዮ’ዩ!

መተሓሳሰቢ: ዝሃብክዮ ህያብ ከም ዝተዓወትክላ ወይ ከም ዝፈተዋ እተረጋግጽሉ፡ ብተደጋጋሚ ለቢስዎ እንተርኢኽዮ እዩ። እንተ ዘይፈተዋ ግን ክልተ ነገር ተገንዘቢ። ቀዳማይ ብልቡ ኣይትፈልጠንን’ያ ማለት’ዩ ይብል ከም ዘሎ ክርደኣኪ ኣለዎ። ካልኣይ ከኣ ኣጽኒዕኪ ሰኣን ምግዛእኪ ገንዘብኪ ግዜኺ ጉልበትኪ ከም ዝኸሰርክዮ ክትርእዪ ኢኺ። እተን ዝገዛእክየን ንብረት ድሕሪ ነዊሕ እዋን ዶሮናን ዓለባ ሳሬትን ተሸፊነን ኣብ መኽዘን ክትርእይየን ኢኺ። ስለዚ እቲ ኣብ መጀመርታ ዋጋ ምኽፋል ዝበልኩኺ ንኸይትኸስሪ እየ።

መጠንቀቕታ: ኣፍቃሪኺ ወይ ሰብኣይኪ በራሕ እንተኾይኑ፡ ቆቢዕ ከይትገዝእሉ፡ ባዕሉ ይግዛእ። እንተገዚእክሉ ካልእ መልእኽቲ እዩ ዘለዎ። ሰላም!

Leave a Reply